Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

lending money


ሉቃስ 6:34-38 | 16 Helpful votes

ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ። ሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።

Translation | Context
ዘዳግም 23:19-20 | 12 Helpful votes

ሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ። ንጓና ደኣ ኣሕርጥእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸካስንሓውካ ኣይተሕርጥ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 25:35-37 | 9 Helpful votes

ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድንኣምላኽካ ደኣ ፍራህሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበርገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦእኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:34-35 | 7 Helpful votes

ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:42 | 7 Helpful votes

ንዝለመነካ ሀቦካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ

Translation | Context
ምሳሌ 19:17 | 6 Helpful votes

እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 37:21 | 6 Helpful votes

እቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ

Translation | Context
ዘጸአት 22:25 | 5 Helpful votes

ካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖ

Translation | Context
መዝሙር 112:5 | 5 Helpful votes

ዚርሕርሕን ዜለቅሕን ሰብ ብጹእ እዩ። ንሱ ንነገሩ ብፍርዲ ይፍጽሞ።

Translation | Context
ዘዳግም 23:19 | 4 Helpful votes

ሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ።

Translation | Context
ዘዳግም 23:20 | 3 Helpful votes

ንጓና ደኣ ኣሕርጥእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸካስንሓውካ ኣይተሕርጥ

Translation | Context
መዝሙር 15:5 | 3 Helpful votes

ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:8 | 2 Helpful votes

እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሕረጠንኢዱ ካብ ኦኣምጻ እንተ ኸልከለ፣ ኣብ መንጎ ሰባት ከኣ ቅንዕና እንተ ፈረደ

Translation | Context
ነህምያ 5:1-19 | 2 Helpful votes

እቶም ህዝብን ኣንስቶምን ከአ፡ ኣብቶም ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብርቱዕ ጭራሕ ምራሕ ገበሩ። ገሊኦም፡ ንሕናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዙሓት ኢናኣምበኣርሲ ኽንበልዕ እሞ ክንድሕን እኽሊ ሀቡናዚብሉ ነበሩገሊኦም ድማጠሚናእኽሊ ኽንዕድግሲ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝናስይብሉ ነበሩ። ገሊኦም ከኣግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝናስ፡ ንግብሪ ንጉስ ገንዘብ ተለቂሕና፡ ሕጂ ድማ ከምቲ ስጋ ኣሕዋትና ስጋናውን ከምኡ ኢዩ። ደቅና ድማ ከም ደቆም። ንሕና፡ እንሆ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ አሎና። ካብተን ኣዋልድና ድማ ባሮት አለዋ፡ ግናኸ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናይ ቀደም ኣብ ኢድ ካልኦት ሐለፉ እዩ እሞ፡ ገለ ኽንገብር ኣይከአለን፡ በሉ። ኣነ ኸኣ ጭራሕ ምራሖምን እዚ ዘረባ እዝን ምስ ሰማዕኩኣዝዩ ተቐጣዕኩብልበይ መኺረ ድማነቶም ከበርተን ሓላቑን፡ ከመይ ኢልኩም ነፍሲ ወከፍ ነንሓው ብሓረጣ ተለቅሑ አሎኹም፡ ኢለ ዘለፍክዎም። ናብ ልዕሊኦም ዓብዩ ኣኼባ ኣኪበ ኸኣ፡ ንሕናስ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ኣሕዋትናከም ዓቕምና ተበጀዮምናዮም። ንስኻኩምከ ኣሕዋትኩምሶ ባዕላትኩም ክትሸጡ ኢኹም፡ ንሳቶምሲ ነፍሶምዶ ኺሸጡልና እዮም፡ በልክዎም። ሽዑ ዘረባ ስኢኖም ስቕ በሉ። ኣነ ኸኣ፡ እዚ እትገብርዎም ዘሎኹም ነገርስ ጽቡቕ ኣይኮነን። እቶም ጸላእትና ኣሕዛብ ከይትጸርፉስ፡ ከምይ ብፍርሃት ኣምላኽና ዘይትኸዱኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይ ድማ ገንዘብን እኽልን ብሓረጣ ኣለቂሕናዮም አሎና፡ ግናኸ፡ በጃኻትኩም፡ እዚ ሓረጣ እዚ ንሕደገሎም። ግራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዖምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፡ ናይ እቲ ንስኻትኩም ካባታቶም ብሓረጣ ዝወሰድኩዎም ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከአ፡ በጃኻትኩም፡ ሎሚ መበል ሚእቲ ምለሰሎም፡ በልክዎም። ንሳቶም ከአ፡ ንመልስ፡ ካባታቶም ድማ ገለ እኳ ኣይንደልንከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ኸምኡ ንገብር፡ በሉ። ሽዑ ነቶም ካህናት ጸዊዔ ኸም እዘን እተዛረብወን ቃላት ኪገብሩ ኣምሐልክዎም። ኣነ ድማ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ዘይፍጸም ኵሉ ሰብሲ ኣምላኽ ካብ ቤቱን ካብ ገንዘቡን ከምኡ ይንገፎ፡ እወ፡ ከምኡ ንጉፍን ጥራዩን ይኹን፡ ኢለ ኣብ ጎድነይ ዝነበረ ባርኖስ ነገፍኩ። ኵሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ኣሜንበለንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገኑ። እዚ ህዝቢ ኸኣ ከም እዚ ዘረባ እዚ ገበረ። ድማ ካብታ ኣብ ሃገር ይሁዳ ሹሞም ክኽውን እተአዘዝኩላ መዓልቲንንጉስ ኣርታሕሻስታ ኻብ መበል ዕስራ ዓመቱ ኽሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመትኣነን ኣሕዋተይን እቲ ንሹማምቲ ዚግባእ እንጊራ ኣይበላዕናንእቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሹማምቲ ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካባታቶም እንጌራን ወይንን ደሓር ከአ ኣርብዓ ሚትቃል ብሩር ይወስዱ ነብሩ። እቶም ገላውኦም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግናንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈራህኩ፡ ከምኡ ኣይ ገበርኩንኣብቲ ዕዮ እቲ መካበብያ ኸኣ ኤዔሪ ነበርኩግራትውን ኣይተሻየጥናን እሞ ኲሎም እቶም ገላዎይ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ዕዮ ተአኪቦም ነበሩ። ብዘይ እቶም ካብቲ ኸባቢና ዝመጹና ኣህዛብ፡ ካብ ኣይሁድን ሓላቑን ሚእትን ሓምሳን ሰብ ኣብ መአደይ ይምገቡ ነበሩ። ንሓንቲ መዓልቲ ዚዳሎ ድማ ሓደ ብዕራይን ሹድሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን እዩ፡ ንኣይ ከአ ካብ ኣዕዋፍ ይዳለውለይ ነበረበብዓሰርተ መዓልቲ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ወይኒ ነበረምስናይ እዚ ግና ነዚ ህዝቢ እዚ እቲ ዕዮ ኺቢድዎ ነበረ እሞ፡ እቲ ንሽመተይ እተገብኣኒ ምግቢ እኳ ሀቡኒ ኣይበልኩን። ዎ ኣምላኸይ፡ እዚ ዅሉ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝገበርክዎ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ

Translation | Context
ማቴዎስ 6:19 | 2 Helpful votes

መዝገብካ ኣብ ዘለዎኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ

Translation | Context
ምሳሌ 22:7 | 2 Helpful votes

ንድኻ ሃብታም ይገዝኦተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።

Translation | Context