Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ሓደ ለምጻም ናብኡ መጸ፡ ተምበርኪኹ ድማ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ለመኖ። የሱስ ከኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህ፡ በሎ። እዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሐደጎ፡ ነጽሄ ኸኣ።
Translation | Contextቊስሊ ዘለዎ ዂሉ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ርኹስ እዩ። ንበይኑ ይቀመጥ፡ ምቕማጡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይኹን።
Translation | Contextናብ ሓንቲ ዓዲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎምከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፥ ዎ የሱስ መምህር፡ ምሐረና፡ በልዎ። ንሱ ርእይዎም፥ ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ፡ በሎም። ኰነ ኸኣ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነጽሁ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ ነቲ ለምጻም ብመዓልቲ ምንጻሁ እቲ ሕጊ እዚ ይኹን፥ ናብ ካህን የምጽእዎ። እቲ ኻህን ከኣ ናብ ወጻኢ እቲ ሰፈር ይውጻእ። እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ለምጺ ኣብቲ ለምጻም እንተ ሐወየ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዚነጽህ ክልተ ንጹሃት ኣዕዋፍ ብህይወተን፡ ዕጨይቲ ቄድሮስን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከኣ ኪወስዱ ይአዝዝ። እቲ ኻህን ድማ ካብተን ኣዕዋፍ ሓንቲኤን ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ ገይሮም ኪሐርዱ ይአዝዝ። ነታ ህያው ዑፍን ነቲ ዕጨይቲ ቄድሮስን ነቲ ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ምስናይ እታ ህያው ዑፍ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ እተሐርደት ዑፍ ይጥለቆ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ለምጺ ዚነጽህ ከኣ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገሉ እሞ ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ነታ ህያው ዑፍ ንመሮር ትኺድ ይሕደጋ። እቲ ዚነጽህ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኲሉ ጸጒሩ ኸኣ ይላጺ፡ ብማይውን ይተሐጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ድሕርዚ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፡ ግናኸ ኣብ ወጻኢ ድንኳኑ ሾብዓተ መዓልቲ ይቀመጥ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዂሉ ጸጒሩ ይላጺ፡ ርእሱን ጭሕሙን ቅርኒብ ዓይኑን ኲሉ ጸጒሩን ይላጺ። ክዳውንቱ ኸኣ ይሕጸብ፡ ስጋኡ ድማ ብማይ ይተሐጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ጐደሎ ዜብሎም ክልተ ገንሸልን ጐደሎ ዜብላ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ ሽበንን፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዔ፡ ሓደ ሉግ ዘይቲ ኸኣ ይወስድ። እቲ ዜንጽህ ካህን ድማ ነቲ ዚነጽህ ሰብን ነዚ ነገርዝን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የቚሞ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓደ ገንጸል ምስቲ ሉግ ዘይቲ ወሲዱ ንመስዋእቲ በደል ይቕርቦ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ይወዝውዞ። እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ነቲ ኻህን ከም ዝዀነ፡ እቲ መስዋእቲ በደል ከኣ ከምኡ እዩ እሞ፡ እቲ ገንጸል ኣብቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሐርር መስዋእትን ዚሕረዱሉ ቦታ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይተሐረድ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ በደል ይውሰድ፡ እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ሉግ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ግናዕ ጸጋመይቲ ኢዱ ይኽዐዎ። እቲ ኻህን ከኣ የማነይቲ ኣጻብዑ ኣብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ካብቲ ዘይቲ በጻብዑ ሾብዓተ ሳዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንጸግ። ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ድማ እቲ ኻህን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ። ነቲ ኣብ ኢድ እቲ ኻህን ዝተረፈ ዘይቲ ኸኣ ናብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ፡ እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ። እቲ ኻህን ከኣ መስዋእቲ ሓጢኣት ይሰውእ እሞ ነቲ ኻብ ርኽሰቱ ዚነጽህ የተዐርቆ፡ ድሕሪኡ ድማ ዚሐርር መስዋእቲ ይሕረድ። እቲ ኻህን ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቕርብ፡ እቲ ኻህን ከኣ የተዐርቆ፡ ንሱውን ይነጽህ። ንሱ ድኻ እንተ ዀነ፡ ንኽንድዚ ዚኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዜብሉ ድማ፡ ንመስዋእቲ በደል ንመተዓረቒኡ ኺውዝውዞ ሓደ ገንሸል ይውሰድ፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ሓደ ሉግ ዘይቲ ድማ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኽቦ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ይውሰድ። ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንምንጻሁ እዚ ነገርዚ ናብ ካህን፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምጽኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደልን ነቲ ሉግ ዘይትን ይውሰድ እሞ እቲ ኻህን ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ። ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደል ከኣ ይሕረዶ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ በደል ወሲዱ፡ ነቲ ዚነጽህ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዘይቲ ኣብ ግናዕ ጸጋመይቲ ኢዱ ይዂዖ፡ እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ብየማነይቲ ኣጻብዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ። ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ዘለዎ ቦታ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ዚነጽህ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ። ነቲ ኻብቲ ዘይቲ ዝተረፈ፡ ኣብ ኢድ እቲ ኻህን ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬተዐርቖ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ። ከምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሓንቲ ኻብተን ባሬቶ ወይ ሓንቲ ኻብተን ጫጩት ርግቢ ይሰውእ። ምስቲ መስዋእቲ ብልዒ፡ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓንቲ ኸኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ይሰውእ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ። ብዛዕባ እቲ ቚስሊ ለምጺ ዘለዎ ንምንጻህ ዜድሊ ኣብ ኢዱ ዚኣክል ዘይረኽበ፡ ሕጉ እዚ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ክምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ናብቲ ኣነ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኸነኣን ምስ ኣቶኹም እሞ ኣብታ እተረስቴኹምዋ ሃገር ናብ ሓንቲ ቤት ቊስሊ ለምጺ እንተ ሰደድኩ፡ ሽዑ እቲ በዓል ቤት ናብቲ ኻህን መጺኡ፡ ኣብ ቤተይ ከም ቊስሊ ለምጺ ዝበለ ተራእዩኒ፡ ኢሉ ይንገሮ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ቚስሊ ኺርኢ፡ ገና ናብታ ቤት ከይአተወ፡ ኣብ ቤት ዘሎ ዂሉ ኸይረክስ፡ እቲ ኻህን ነታ ቤት ጥራያ ኪገብርዋ ይኣዝዝ። ድሕሪዚ እቲ ካህን ነታ ቤት ኪርኢ ይእቶ። ነቲ ቚስሊ ድማ ይርኣዮ። እንሆ ከኣ እቲ ቚስሊ ኣብ መንደቕ እታ ቤት ሕምልይ ዝበለ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጐደጒድ ካብቲ መንደቕ ዐሚቑ እንተ ተራእየ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ካብታ ቤት ናብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ይውጻእ፡ ነታ ቤት ከኣ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዋ። እቲ ኻህን ድማ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ተመሊሱ ይርአያ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ኣብ መንደቕ እታ ቤት እንተ ለሐመ፡ ሽዑ ነቲ ቚስሊ ዘለዎ ኣእማን ኣውጺኦም ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ኺድርብይዎ፡ እቲ ኻህን ይአዝዝ። እታ ቤት ድማ ብውሽጣ ዙርያኣ ትተሐኸኽ፡ እቲ ሕካኽ መሬት ከኣ ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ይጐሐፍ። ኣብ ክንዲ እቲ ኣእማን ድማ ካልእ ኣእማን ወሲዶም የእትዉ። ካልእ መሬት ወሲዱ ኸኣ ነታ ቤት ይለቕልቃ። ነቲ ኣእማን ምስ ኣውጽኤ፡ እታ ቤት ድማ ምስ ተሐከትን ምስ ተለቕለቐትን፡ እቲ ቚስሊ ኣብታ ቤት መሊሱ እንተ ወጸ። እቲ ኻህን አትዩ ይርኣያ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ኣብታ ቤት እንተ ለሐመ፡ ንሱ ኣብታ ቤት ዚባላዕ ለምጺ እዩ እሞ፡ ንሳ ርኽስቲ እያ። ነታ ቤት ድማ እምናን ዕጨይታን፡ ኲሉ መሬት እታ ቤትውን ኣፍሪሱ፡ ናብ ወጻኢ ኸተማ ናብ ርኹስ ቦታ ይጒሐፎ። ነታ ቤት በተን እትዕጸወለን ኲለን መዓልትታት ዝአተዋ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። ኣብታ ቤት ዝደቀሰ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኣብታ ቤት ዝበልዔውን ክዳውንቱ ይሕጸብ። እቲ ኻህን ነታ ቤት ኪርኢ እንተ ኣተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ እታ ቤት ምስ ተለቕለቐት፡ እቲ ቚስሊ ኣብታ ቤት እንተ ዘይለሐመ፡ እቲ ቚስሊ ሐውዩ እዩ እሞ፡ እታ ቤት ንጽህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር። ንምንጻህ እታ ቤት ድማ ክልተ ዑፍን ዕጨይቲ ቄድሮስን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ይውሰድ፡ ነታ ሓንቲ ዑፍ ድማ ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ፡ ኣብ ኣቕሓ መሬት ይሕረዳ። ነቲ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ነታ ህያው ዑፍን ወሲዱ፡ ኣብ ደም እታ እተሐርደት ዑፍን ኣብቲ ፈልፋሊ ማይን ጠሚዑ ነታ ቤት ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገላ። ነታ ቤትውን ብደም እታ ዑፍን በቲ ፈልፋሊ ማይን በታ ህያው ዑፍን ብዕጨይቲ ቄድሮስን ብስምዕዛን ብጽሩይ ቀይሕ ፈትልን የንጽሃያ። ነታ ህያው ዑፍ ድማ ናብ ወጻኢ ኸተማ ንመሮር ትኺድ ይሕደጋ። ነታ ቤት ከኣ የተዐርቃ እሞ ትነጽህ። ንዂሉ ዓይነት ቊስሊ ለምጽን ንዕንፍሩርን፡ ንለምጺ ኣብ ክዳንን ኣብ ቤትን፡ ንሕበጥን ንጸፋዕታን ንብሩህ ብሮትን፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ። ዚረኽሰላ መዓልትን ዚነጽሃላ መዓልትን ኬፍልጥ፡ ሕጊ ለምጺ እዚ እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ሰብ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ሕበጥ ወይ ሽሒር ወይ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ኸኣ ከም ቊስሊ ለምጺ ዝበለ እንተ ዀነ፡ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ኻህናት ናብ ሓደ የምጽእዎ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ዘሎ ቚስሊ ይርኤ፡ ኣብቲ ቚስሊ ዘላ ጸጒሪ እንተ ጻዕደወት፡ እቲ ቚስሊ ኸኣ ካብ ቈርበት ስጋኡ ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ቊስሊ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን ምስ ረአዮ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቈርበት ስጋኡ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ዐሚቑ እንተ ዘይተርኤ፡ ጸጒሩውን እንተ ዘይጻዕደወ፡ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ቚሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ይርአዮ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ቚስሊ ኸምቲ ዝነበሮ እንተሎ፡ እቲ ቚስሊ ኸኣ አብቲ ቖርበት እንተ ዘይለሐመ፡ እቲ ኻህን ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኻልኣይ ሳዕ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ እንተ ፋሕሸወ፡ ኣብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይለሐመ፡ ንሱ ሽሒር እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ክዳውንቱ ይሕጸብ እሞ ይነጽህ። ንምንጻህ ኣብ ካህን ምስ ተራእየ፡ እቲ ሽሒር ኣብ ቈርበቱ እንተ ለሐመ፡ ካልኣይ ሳዕ ኣብ ካህን ይርኤ። እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ሽሒር ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመ፡ ንሱ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ንሰብ ቊስሊ ለምጺ እንተለዎ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ። እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ቈርበቱ ጻዕዳ ሕበጥ እንተሎ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ጸጒሪ እንተ ኣጻዕደዎ፡ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ብርንዶ ዚመስል ስጋ እንተሎ፡ ንሱ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ኣረጊት ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። ርኹስ እዩ እሞ፡ ኣይዕጾዎ። እቲ ለምጺ ኣብ ቈርበት ገፊሑ እንተ ወጸ፡ እቲ ለምጺ ኸኣ ነቲ ቚሱል፡ ዓይኒ እቲ ኻህን ዚርእዮ ዘበለ፡ ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ንዂሉ ቘርበቱ እንተ ኸደኖ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ለምጺ እንተ ኸደኖ፡ ሽዑ እቲ ቚሱል ከም ዝነጽሄ ይንገር። ብዘሎ ጻዕድዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። በታ ብርንዶ ዚመስል ስጋ እተራእየላ መዓልቲ ግና ርኹስ እዩ። እቲ ኻህን ብርንዶ ዚመስል ስጋ ምስ ዚርኢ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ንሱ ለምጺ እዩ። ወይ እቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ መሊሱ ኣብ ጻዕዳ እንተ ተለወጠ፡ ናብ ካህን ይምጻእ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ሽዑ እቲ ኻህን እቲ ቚሱል ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ንስጋ ኣብ ቈርበቱ ዝሐወየ ቚስሊ እንተለዎ፡ ኣብቲ በሰላ ኸኣ ጻዕዳ ሕበጥ ወይ ብሩህ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሮት እንተሎ፡ ሽዑ ኣብ ካህን ይርኤ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ጸጒሪ ኸኣ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፡ ንሱ ኣብ በሰላ ዝወጸ ቚስሊ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን እንተ ረአዮ እሞ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ጻዕዳ ጸጉሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይጐድጐደ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመ ኸኣ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። እቲ ብሩህ ብሮት ከይለሐመ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቘመ ድማ፡ ንሱ በሰላ ቚስሊ እዩ፡ ንጹህ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር። ወይ እቲ ስጋ ኣብ ቈርበቱ ንዳድ ሓዊ እንተለዎ፡ እሞ ኣብቲ ንዳድ ሓዊ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ወይ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ዀነ። ሽዑ እቲ ኻህን ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጸጒሪ እቲ ብሩህ ብሮት መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ንሱ ኣብቲ በሰላ ሓዊ ዝወጾ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። ግናኸ እቲ ኻህን እንተ ረአዮ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ጻዕዳ ጸጒሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ እንተ ዘይጐድጐደ እንተ ፋሕሸወ ድማ፡ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጾዎ። ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ ኣብ ቈርበቱ እንተ ለሐመ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። እቲ ብሩህ ብሮት ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቘመ ኸኣ፡ ኣብ ቈርበትውን እንተ ዘይለሐመ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ንሱ ሕበጥ ሓዊ እዩ፡ በሰላ ሓዊ እዩ እሞ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ርእሲ ወይ ኣብ ጭሕሚ ቚስሊ እንተለዎ፡ እቲ ኻህን ነቲ ቚስሊ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ናብ ቀጢን ብጫ ዜብል ጸጉሪ ኸኣ እንተለዎም፡ ንሱ ዕንፍሩር እዩ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። እቲ ኻህን ነቲ ቚስሊ ዕንፍሩር እንተ ረአየ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቖርበት ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ ጸሊም ጸጒሪ ድማ እንተ ዜብሉ፡ ነቲ ቚስሊ ዕንፍሩር ዘለዎ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። ኣብ ሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ቚስሊ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ዕንፍሩር እንተ ዘይለሐመ፡ ናብ ብጫ ዜብል ጸጒሪውን እንተ ዜብሉ፡ እቲ ዕንፍሩር ከኣ ካብቲ ቘርበት ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ ንሱ ይላጸ፡ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ ግና ኣይላጽዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ መሊሱ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ነቲ ዕንፍሩር ይርኣዮ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ዘይለሐመ፡ ካብቲ ቘርበትውን ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ድሕሪ ምንጻሁ ግና እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመ፡ እቲ ኻህን ይርአዮ። እንሆ ድማ፡ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ለሐመ፡ እቲ ኻህን ናብ ብጫ ዜብል ጸጒሪ እንተሎ ኢሉ ኣይድለ፡ ንሱ ርኹስ እዩ። እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ዘለዎ ቘይሙ፡ ኣብኡውን ጸሊም ጸጒሪ በቚሉ እንተ ረአየ ግና፡ እቲ ዕንፍሩር ሐውዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ብሩህ ብሮት፡ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡ እቲ ኻህን ይረአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ቈርበት ስጋኦም ዘሎ ብሩህ ብሮት ፍሕሽው ዝበለ ጻዕዳ እንተ ዀነ፡ እዚ ኣብ ቈርበት ዝወጸ ተውሳስ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ሰብ ጸጒሪ ርእሱ እንተ ተመልጠ፡ ናይ ምንኳዕ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ርእሱ ብሸነኽ ቅድሚት እንተ ተመልጠ ድማ፡ ምብራሕ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሕ ርእሱ ቕይሕ ዝበለ ጻዕዳ ቚጽሊ እንተለዎ፡ ንሱ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዝወጾ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዘሎ ሕበጥ ቊስሊ፡ ከምቲ ናይ ቈርበት ስጋ ለምጺ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ዀይኑ እንተ ተራእየ፡ ለምጻም ሰብ እዩ። ንሱ ርኹስ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ኣርጊጹ ይንገረሉ፡ ቊስሉ ኣብ ርእሱ አሎ። እቲ ቚስሊ ዘለዎ ለምጻም ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፡ ርእሱ ኸኣ ይቀላዕ፡ ጭሕሙ ድማ ይኽደን፡ ርኹስ፡ ርኹስ፡ ኢሉ ኸኣ ይጨርሕ። ቊስሊ ዘለዎ ዂሉ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ርኹስ እዩ። ንበይኑ ይቀመጥ፡ ምቕማጡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይኹን። ኣብ ክዳን ድማ፡ ኣብ ክዳን ጸጒሪ ወይ ኣብ ክዳን ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ናይ እንጣጢዕ ወይ ናይ ጸጒሪ፡ ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ዝዀነ ኻብ ቈርበት እተገብረ ነገር፡ ቊስሊ ለምጺ እንተለዎ፡ እቲ ቚስሊ ድማ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት፡ ሕምልይ ወይ ቅይሕ እንተ በለ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ኣብ ካህን ድማ ይረኤ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ቚጽሊ ይርአዮ፡ ነቲ ቚሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ቚስሊ ይርአዮ። እቲ ቚስሊ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ቈርበት፡ ንዝዀነ ዕዮ ኻብ ቈርበት ኣብ እተገብረ ነገር እንተ ለሐመ፡ እዚ ቚስልዚ በላዒ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ርኹስ እዩ። ነቲ ኽዳን ድማ፡ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ናይ ጸጒሪ እንተ ዀነ ወይ ናይ እንጣጢዕ፡ ወይ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት እቲ ቚስሊ ዘለዎ ዘበለ፡ ይንደድ። በላዒ ለምጺ እዩ እሞ፡ ብሓዊ ይንደድ። እቲ ኻህን ድማ እንተ ረአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት እንተ ዘይለሐመ፡ ሽዑ ነቲ ቚስሊ ዘለዎ ኺሐጽብዎ እቲ ኻህን ይአዝዝ፡ መሊሱ ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። እቲ ቚስሊ ምስ ተሐጽበ ድማ፡ እቲ ኻህን ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ሕብሩ እንተ ዘይለወጠ፡ እቲ ቚስሊ ድማ እንተ ዘይለሓመ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ብሓዊ ኣንድዶ። እቲ ብሉዕ፡ ብውሽጢ እንተ ዀነ ወይ ብወጻኢ፡ ንሱ ዜዕምቚ በላዒ እዩ። እቲ ኻህን ድማ እንተ ረአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ድሕሪ ምሕጻቡ እንተ ፋሕሸወ፡ ካብቲ ኽዳን ወይ ካብቲ ቘርበት ወይ ካብቲ ቕጥኒ ወይ ካብቲ ፋእሚ ይቕደዶ። ኣብቲ ኽዳን፡ ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት ገና እንተ ተራእየ፡ ዝወጸ ለምጺ እዩ፡ ነቲ ቚስሊ ዘለዎ ብሓዊ ኣንድዶ።
Translation | Contextእቲ ቚስሊ ዘለዎ ለምጻም ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፡ ርእሱ ኸኣ ይቀላዕ፡ ጭሕሙ ድማ ይኽደን፡ ርኹስ፡ ርኹስ፡ ኢሉ ኸኣ ይጨርሕ። ቊስሊ ዘለዎ ዂሉ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ርኹስ እዩ። ንበይኑ ይቀመጥ፡ ምቕማጡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይኹን።
Translation | Contextንሱ ርእይዎም፥ ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ፡ በሎም። ኰነ ኸኣ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነጽሁ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንዅሉ ለምጻምን ንዅሉ ጀጋልን ብሬሳ ንዝረኸሰ ዅሉን ካብ ሰፈር ኬውጽኡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም። ተባዕታይ ኰነ ኣንስተይቲ ኣውጽእዎም፡ ነቲ ኣብ ማእከሉ ዝሐድሮ ዘሎኹ ሰፈሮም ከየርክሱ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽእዎም።
Translation | Contextሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ።
Translation | Contextኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ኣርባዕተ ሰብ ለምጺ ነበሩ። ንሓድ ሕዶም ከኣ፡ ስለምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዚ ኾፍ እንብል፧
Translation | Contextኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ አሎኹ ንጻህ፡ ኢሉ ተንከዮ። ብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሄ።
Translation | Contextየሱስ ድማ፥ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ እቲ ለምጺ ሐደጎ።
Translation | Contextንዅሉ ለምጻምን ንዅሉ ጀጋልን ብሬሳ ንዝረኸሰ ዅሉን ካብ ሰፈር ኬውጽኡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።
Translation | Context ንሱ ኸኣ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ስለ ዝነጻህካ ድማ ምስክር ምእንቲ ኪዀኖም፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ መስዋእቲ ሰውእ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር፡
ኣዘዞ።
እምብኣርሲ እቲ ለምጺ ንእማን ንዘለአለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ፡ በሎ። ሽዑ ለምጻም ኰይኑ ኸም በረድ ጻዕድዩ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ።
Translation | Contextየሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ። ኪድ ደኣ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ናኣታትቶም ንምስክር ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ፡ በሎ።
Translation | Contextሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዚዛረብ፧ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፧ ድማ በሉ። እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ሰምዖ። እቲ ሰብኣይ፡ ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ። ብኡብኡ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን፡ ሰለስቴኹም ናብ ድንኳን ምርኻብ ወጹ፡ በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ወጹ። እግዚኣብሄር ከኣ ብዓንዲ ደበና ወረደ፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንሚርያምን ጸውዖም፡ ክልቲኦም ከኣ ወጹ። በሎም ድማ፡ ዘረባይ ደኣ ስምዑ፡ ኣብ ማእከልኩም ነብዪ እንተሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለጸሉ፡ ብሕልሚ እዛረቦ። ባርያይ ሙሴስ ከምኡ ኣይኰነን፡ ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን እዩ። ብግልጺ እምበር፡ ብኽዉል ዘረባ ኣይኰነን፡ ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ፡ ንሱ ምስሊ እግዚኣብሄር ከኣ ይርኢ። ከመይከ ኣብ ባርያይ ኣብ ሙሴ ምዝራብ ዘይፈራህኩም፡ ኲራ እግዚኣብሄር ኣባታቶም ነደደ፡ ከደ ድማ። እቲ ደበና ኸኣ ናብ ልዕሊ ድንኳን ኣግለሰ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሚርያም ለምጻም ኰነት፡ ከም በረድ ጻዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ሚርያም ግልጽ በለ፡ እነሆ ኸኣ ለምጻም ኰይና ነበረት።
Translation | Contextዑዝያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱውን ቀበርዎ። ንሱ ለምጻም ነበረ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኣብታ ናይ ነገስታት መቓብር ዘላ ምድሪ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮታም ነገሰ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ሰብ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ሕበጥ ወይ ሽሒር ወይ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ኸኣ ከም ቊስሊ ለምጺ ዝበለ እንተ ዀነ፡ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ኻህናት ናብ ሓደ የምጽእዎ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ዘሎ ቚስሊ ይርኤ፡ ኣብቲ ቚስሊ ዘላ ጸጒሪ እንተ ጻዕደወት፡ እቲ ቚስሊ ኸኣ ካብ ቈርበት ስጋኡ ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ቊስሊ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን ምስ ረአዮ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቈርበት ስጋኡ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ዐሚቑ እንተ ዘይተርኤ፡ ጸጒሩውን እንተ ዘይጻዕደወ፡ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ቚሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ይርአዮ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ቚስሊ ኸምቲ ዝነበሮ እንተሎ፡ እቲ ቚስሊ ኸኣ አብቲ ቖርበት እንተ ዘይለሐመ፡ እቲ ኻህን ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኻልኣይ ሳዕ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ እንተ ፋሕሸወ፡ ኣብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይለሐመ፡ ንሱ ሽሒር እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ክዳውንቱ ይሕጸብ እሞ ይነጽህ። ንምንጻህ ኣብ ካህን ምስ ተራእየ፡ እቲ ሽሒር ኣብ ቈርበቱ እንተ ለሐመ፡ ካልኣይ ሳዕ ኣብ ካህን ይርኤ። እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ሽሒር ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመ፡ ንሱ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ንሰብ ቊስሊ ለምጺ እንተለዎ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ። እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ቈርበቱ ጻዕዳ ሕበጥ እንተሎ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ጸጒሪ እንተ ኣጻዕደዎ፡ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ብርንዶ ዚመስል ስጋ እንተሎ፡ ንሱ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ኣረጊት ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። ርኹስ እዩ እሞ፡ ኣይዕጾዎ። እቲ ለምጺ ኣብ ቈርበት ገፊሑ እንተ ወጸ፡ እቲ ለምጺ ኸኣ ነቲ ቚሱል፡ ዓይኒ እቲ ኻህን ዚርእዮ ዘበለ፡ ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ንዂሉ ቘርበቱ እንተ ኸደኖ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ለምጺ እንተ ኸደኖ፡ ሽዑ እቲ ቚሱል ከም ዝነጽሄ ይንገር። ብዘሎ ጻዕድዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። በታ ብርንዶ ዚመስል ስጋ እተራእየላ መዓልቲ ግና ርኹስ እዩ። እቲ ኻህን ብርንዶ ዚመስል ስጋ ምስ ዚርኢ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ንሱ ለምጺ እዩ። ወይ እቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ መሊሱ ኣብ ጻዕዳ እንተ ተለወጠ፡ ናብ ካህን ይምጻእ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ሽዑ እቲ ኻህን እቲ ቚሱል ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ንስጋ ኣብ ቈርበቱ ዝሐወየ ቚስሊ እንተለዎ፡ ኣብቲ በሰላ ኸኣ ጻዕዳ ሕበጥ ወይ ብሩህ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሮት እንተሎ፡ ሽዑ ኣብ ካህን ይርኤ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ጸጒሪ ኸኣ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፡ ንሱ ኣብ በሰላ ዝወጸ ቚስሊ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን እንተ ረአዮ እሞ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ጻዕዳ ጸጉሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይጐድጐደ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመ ኸኣ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። እቲ ብሩህ ብሮት ከይለሐመ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቘመ ድማ፡ ንሱ በሰላ ቚስሊ እዩ፡ ንጹህ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር። ወይ እቲ ስጋ ኣብ ቈርበቱ ንዳድ ሓዊ እንተለዎ፡ እሞ ኣብቲ ንዳድ ሓዊ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ወይ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ዀነ። ሽዑ እቲ ኻህን ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጸጒሪ እቲ ብሩህ ብሮት መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ንሱ ኣብቲ በሰላ ሓዊ ዝወጾ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። ግናኸ እቲ ኻህን እንተ ረአዮ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ጻዕዳ ጸጒሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ እንተ ዘይጐድጐደ እንተ ፋሕሸወ ድማ፡ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጾዎ። ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ ኣብ ቈርበቱ እንተ ለሐመ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። እቲ ብሩህ ብሮት ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቘመ ኸኣ፡ ኣብ ቈርበትውን እንተ ዘይለሐመ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ንሱ ሕበጥ ሓዊ እዩ፡ በሰላ ሓዊ እዩ እሞ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ርእሲ ወይ ኣብ ጭሕሚ ቚስሊ እንተለዎ፡ እቲ ኻህን ነቲ ቚስሊ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ናብ ቀጢን ብጫ ዜብል ጸጉሪ ኸኣ እንተለዎም፡ ንሱ ዕንፍሩር እዩ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። እቲ ኻህን ነቲ ቚስሊ ዕንፍሩር እንተ ረአየ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቖርበት ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ ጸሊም ጸጒሪ ድማ እንተ ዜብሉ፡ ነቲ ቚስሊ ዕንፍሩር ዘለዎ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። ኣብ ሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ቚስሊ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ዕንፍሩር እንተ ዘይለሐመ፡ ናብ ብጫ ዜብል ጸጒሪውን እንተ ዜብሉ፡ እቲ ዕንፍሩር ከኣ ካብቲ ቘርበት ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ ንሱ ይላጸ፡ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ ግና ኣይላጽዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ መሊሱ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ነቲ ዕንፍሩር ይርኣዮ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ዘይለሐመ፡ ካብቲ ቘርበትውን ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ድሕሪ ምንጻሁ ግና እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመ፡ እቲ ኻህን ይርአዮ። እንሆ ድማ፡ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ለሐመ፡ እቲ ኻህን ናብ ብጫ ዜብል ጸጒሪ እንተሎ ኢሉ ኣይድለ፡ ንሱ ርኹስ እዩ። እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ዘለዎ ቘይሙ፡ ኣብኡውን ጸሊም ጸጒሪ በቚሉ እንተ ረአየ ግና፡ እቲ ዕንፍሩር ሐውዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ብሩህ ብሮት፡ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡ እቲ ኻህን ይረአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ቈርበት ስጋኦም ዘሎ ብሩህ ብሮት ፍሕሽው ዝበለ ጻዕዳ እንተ ዀነ፡ እዚ ኣብ ቈርበት ዝወጸ ተውሳስ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ሰብ ጸጒሪ ርእሱ እንተ ተመልጠ፡ ናይ ምንኳዕ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ርእሱ ብሸነኽ ቅድሚት እንተ ተመልጠ ድማ፡ ምብራሕ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሕ ርእሱ ቕይሕ ዝበለ ጻዕዳ ቚጽሊ እንተለዎ፡ ንሱ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዝወጾ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዘሎ ሕበጥ ቊስሊ፡ ከምቲ ናይ ቈርበት ስጋ ለምጺ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ዀይኑ እንተ ተራእየ፡ ለምጻም ሰብ እዩ። ንሱ ርኹስ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ኣርጊጹ ይንገረሉ፡ ቊስሉ ኣብ ርእሱ አሎ። እቲ ቚስሊ ዘለዎ ለምጻም ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፡ ርእሱ ኸኣ ይቀላዕ፡ ጭሕሙ ድማ ይኽደን፡ ርኹስ፡ ርኹስ፡ ኢሉ ኸኣ ይጨርሕ። ቊስሊ ዘለዎ ዂሉ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ርኹስ እዩ። ንበይኑ ይቀመጥ፡ ምቕማጡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይኹን። ኣብ ክዳን ድማ፡ ኣብ ክዳን ጸጒሪ ወይ ኣብ ክዳን ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ናይ እንጣጢዕ ወይ ናይ ጸጒሪ፡ ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ዝዀነ ኻብ ቈርበት እተገብረ ነገር፡ ቊስሊ ለምጺ እንተለዎ፡ እቲ ቚስሊ ድማ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት፡ ሕምልይ ወይ ቅይሕ እንተ በለ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ኣብ ካህን ድማ ይረኤ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ቚጽሊ ይርአዮ፡ ነቲ ቚሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ቚስሊ ይርአዮ። እቲ ቚስሊ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ቈርበት፡ ንዝዀነ ዕዮ ኻብ ቈርበት ኣብ እተገብረ ነገር እንተ ለሐመ፡ እዚ ቚስልዚ በላዒ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ርኹስ እዩ። ነቲ ኽዳን ድማ፡ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ናይ ጸጒሪ እንተ ዀነ ወይ ናይ እንጣጢዕ፡ ወይ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት እቲ ቚስሊ ዘለዎ ዘበለ፡ ይንደድ። በላዒ ለምጺ እዩ እሞ፡ ብሓዊ ይንደድ። እቲ ኻህን ድማ እንተ ረአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት እንተ ዘይለሐመ፡ ሽዑ ነቲ ቚስሊ ዘለዎ ኺሐጽብዎ እቲ ኻህን ይአዝዝ፡ መሊሱ ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። እቲ ቚስሊ ምስ ተሐጽበ ድማ፡ እቲ ኻህን ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ሕብሩ እንተ ዘይለወጠ፡ እቲ ቚስሊ ድማ እንተ ዘይለሓመ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ብሓዊ ኣንድዶ። እቲ ብሉዕ፡ ብውሽጢ እንተ ዀነ ወይ ብወጻኢ፡ ንሱ ዜዕምቚ በላዒ እዩ። እቲ ኻህን ድማ እንተ ረአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ድሕሪ ምሕጻቡ እንተ ፋሕሸወ፡ ካብቲ ኽዳን ወይ ካብቲ ቘርበት ወይ ካብቲ ቕጥኒ ወይ ካብቲ ፋእሚ ይቕደዶ። ኣብቲ ኽዳን፡ ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት ገና እንተ ተራእየ፡ ዝወጸ ለምጺ እዩ፡ ነቲ ቚስሊ ዘለዎ ብሓዊ ኣንድዶ። እቲ እተሐጽቦ ኽዳን፡ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ወይ ዝዀነ ቘርበት፡ እቲ ቚስሊ እንተ ኸደሉ፡ ካልኣይ ሳዕ ይተሐጸብ፡ ይነጽህ ድማ። ብዛዕባ ቚስሊ ለምጺ ኣብ ክዳን ጸጒሪ ወይ ናይ እንጣጢዕ ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት፡ ንጹህ ምዃኑ ወይ ርኹስ ምዃኑ ምንጋር፡ ሕጉ እዚ እዩ።
Translation | Contextካብ ከረን ኪወርድ ከሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ። እንሆ፡ ለምጻም መጺኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ። ኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ አሎኹ ንጻህ፡ ኢሉ ተንከዮ። ብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሄ። የሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ። ኪድ ደኣ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ናኣታትቶም ንምስክር ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ፡ በሎ።
Translation | Context