Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

letting go


ምሳሌ 3:5-6 | 12 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:31-32 | 10 Helpful votes

ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባካትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 8 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:18-19 | 7 Helpful votes

ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ።

Translation | Context
ፊልጲ 3:12-14 | 5 Helpful votes

ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ አሎኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነንኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:11 | 5 Helpful votes

ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን

Translation | Context
ዮሃንስ 8:32 | 4 Helpful votes

ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።

Translation | Context
ምሳሌ 4:25-27 | 4 Helpful votes

ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርኣያቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹንንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስንእግርካ ኻብ እከይ ኣርሕቆ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 4 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 3 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ

Translation | Context
ያእቆብ 4:7 | 3 Helpful votes

እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:8-9 | 3 Helpful votes

እዚ ኻባይ ኪርሕቕብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካበለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድርብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 2 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 2 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:26 | 2 Helpful votes

ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም

Translation | Context
ምሳሌ 28:13 | 2 Helpful votes

ገበኑ ዚኽውሎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።

Translation | Context
መክብብ 3:6 | 2 Helpful votes

ንምድላይ ጊዜ አለዎ፡ ንምጥፋእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምእርናብ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ድማ ጊዜ አለዎ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:8-9 | 2 Helpful votes

ብዝተረፈስኣሕዋተየሓቂ ዘበለርዝነት ዘለዎ ዘበለቅኑዕ ዘበለንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ። ነቲ ኻባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 12:1 | 2 Helpful votes

ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ

Translation | Context
መዝሙር 94:19 | 2 Helpful votes

ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ

Translation | Context