Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

levirate marriage


ዘዳግም 25:5-10 | 18 Helpful votes

ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፡ ሓዲኦም ውሉድ ዜብሉ እንተ ሞተሰበይቲ እቲ ዝሞተ ናብ ወጻኢ ጓና ኣይትተአቶ። እቲ ሓሙታ ናብኣ አትዩ ንርእሱ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈጽመላ። ይኸውን ድማ፡ ስም እቲ ምዉት ሓዉ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስእቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስሙ ይጸዋዕእቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኺወርሳ እንተ ዘይፈተወእታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ደገናብቶም ዓበይቲ ትደይብ፡ እዚ ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ከየቕውም ኣብዩ፡ እቲ ኸም ሓሙት ዚግብኦ ኺፍጽመለይ ኣይደለየን፡ ድማ ትበሎም። ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ናባታቶም ጸዎዖም ይዛረብዎ። ንሱ ከኣ፡ ክወርሳ ኣይፈቱን እዩ፡ ኢሉ እንተ ጸንዔ። እታ ሰበይቲ ሓዉ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባሳእኑ ካብ እግሩ ተውጽእ፡ ናብ ገጹውን ጡፍ ትበለሉቤት ሓዉ ንዘይሰሕ ሰብ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢላ ድማ ትምለስስሙ ኸኣ ኣብ እስራኤልቤት ፍቱሕ ሳእኑይበሀል

Translation | Context
ሩት 4:1-22 | 7 Helpful votes

ቦአዝ ድማ ናብ ደገ እታ ኸተማ ደይቡ ኣብኣ ኾፍ በለ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቦአዝ ብዛዕባኡ እተዛረበሉ ወራሲ ይሐልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ፡ ኣታ መን ኢኻ፧ ኣግልስ እሞ ኣብዚ ተቐመጥበሎ። ንሱ ኸኣ ኣግሊሱ ተቐመጠ። ቦአዝ ድማ ካብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ኣብዚ ተቐመጡበሎም። ንሳቶም ከኣ ተቐመጡ። ሽዑ ነቲ ወራሲ፡ እዛ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ናእሚ፡ ነቲ ኽፍሊ ምድሪ ኤሊሜሌክ ሓውናክትሸጦ ደልያ። ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለውን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ዐድጐ ኢለ ከስምዓካ ሐሰብኩብጀካኻ ወራሲ የልቦን፡ ብድሕሬኻ ኸኣ ኣነ እየ እሞ፡ ትወርስ እንተ ዄንካ ውረስዘይትወርስ እንተ ዃንካ ግና፡ ክፈልጥ ንኣይ ንገረኒ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ክወርስ እየ በለቦኣዝ ድማ፡ በታ ነታ ግራት ካብ ኢድ ናእሚ እትዕድገላ መዓልቲስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ምእንቲ ኸተቕውም፡ ካብ ሩት እታ ሞኣባዊትሰበይቲ እቲ ምዉት ከኣ ክትዕድጋ ኢኻ በለ። እቲ ወራሲ ድማ፡ ርስተይ ከየባላሹ ኽወርሳ ኣይክእልን። ክወርሳ ኣይክእልን እየ እሞ፡ ነታ ኣነ ዝወርሳስ፡ ንስኻ ውረሳ በለቀደም ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ምውራስን ኣብ ለውጥን፡ ኵሉ ነገር ምእንቲ ኽጸንዕሰብ ሳእኑ ኣውጺኡ ነቲ ብጻዩ ኽህቦ ልማድ ነበረ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ። እቲ ወራሲ ኸኣ ንቦአዝ፡ ንስኻ ዐድጎ በሎሳእኑ ድማ ኣውጽኤቦአዝ ከኣ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ ህዝብን፡ ናይ ኤሌሜሌክ ዝነበረ ዅሉ ናይ ኪልዮንን ናይ ማሕሎንን ዝነበረ ድማ ዅሉ ካብ ኢድ ናእሚ ኸም ዝዐድግክዎሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም። ድማ ስም እቲ ምዉት ካብ ማእከል ኣሕዋቱን ካብ ደገ ቦታኡን ከይጠፍእስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ከቕውም ኢለ፡ ንሩት፡ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎንሰበይተይ ክትኮነኒ ኸም ዝዐደግክዋሎሚ ምስክር ኢኹም በሎም። እቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ኹሎም ህዝብን እቶም ዓበይትን ከኣ፡ ምስክር ኢና፡ ነዛ ናብ ቤትካ እትአቱ ሰበይቲእግዚኣብሄር፡ ከምተን ክልተ ንቤት እስራኤል ዝሀነጻ፡ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ኣብ ኤፍራታ ኸኣ ሰልጥን፡ ኣብ ቤት-ልሄምውን ስሙይ ኩን። እታ ቤትካ ድማ በቲ እግዚኣብሄርስ ካብዛ መርዓት እዚኣ ዚህበካ ዘርኢ፡ ከም ቤት ፋሬስ፡ እቲ ታማር ንይሁዳ ዝወለድትሉ ትኹን በሉ። ሽዑ ቦአዝ ንሩት ወሰዳ፡ ንሳውን ሰበይቱ ኾነት። ናብኣ ኸኣ አተወእግዚኣብሄር ድማ ጥንሲ ሀባወዲውን ወለደት። እተን ኣንስቲ ኸኣ ንናእሚሎሚ ወራሲ ዘይከልአኪ እግዚኣብሄር ይባረኽስሙ ኣብ እስራኤል ይሰመ። እታ ኻብ ሾብዓተ ወዲ እትበልጽ እተፍቅረኪ ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፡ ንሱ ነፍስኺ ዚሕድስን ሓጋዝ እርግናኽን ኪኾነኪ እዩ በላኣ። ናእሚ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣብ ትሕቲኣ ሓቆፈቶመጕዚቱውን ኮነት። እተን ጎረባብታ ኸኣ፡ ንናእሚ ወዲ ተወሊዱላኢለን ስም ኣውጽኣሉ ስሙ ኸኣ እዮቤድ ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ ኣቦ ዳዊት እዩ። ትውልዲ ፋሬስ ከኣ እዚ እዩ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደኤስሮም ድማ ንራም ወለደራም ከኣ ንኣሚናዳብ ወለደ። ኣሚናዳብ ድማ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ከኣ ንሰልሞን ወለደ። ሰልሞን ድማ ንቦአዝ ውለደቦኦዝ ከኣ ንእዮቤድ ወለደ። እዮቤድ ድማ ንእሴይ ወለደእሴይ ከኣ ንዳዊት ወለደ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 38:1-30 | 7 Helpful votes

በቲ ወርሓት እቲ ኸኣ ዀነ፡ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ወሪዱ፡ ናብ ሒራ ዝስሙ ኣዱላዊ ሰብኣይ ኣተወይሁዳ ኣብኡ ጓል ሱዓ ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ረአየወሲዱ ኸኣ ኣተዋንሳ ጠነሰት ወዲውን ወለደትስሙ ድማ ዔር ኣውጽኣትሉ። ደጊማ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደትስሙ ድማ ኦናን ኣውጽኣትሉ። ከም ብሓድሽ ከኣ ደጊማ ወዲ ወለደትስሙውን ሼላ ኣውጽኣትሉ። ንእኡ ኽትወልድ ከላ፡ ይሁዳ ኣብ ከዚብ ነበረ። ይሁዳ ድማ ንዔር በዅሪ ወዱ ታማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉዔር በዅሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ቀተሎ። ሽዑ ይሁዳ ንኦናን፥ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቝምበሎኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንእኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ። ኰነ ኸኣ፡ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ምስ ዚአቱንሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ናብ ምድሪ ኸዐዎእቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰነ እሞ፡ ንእኡ ድማ ቀተሎ። ሽዑ ይሁዳ፡ ንሱ ድማ ከም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ፡ ንታማር ሰበይቲ ወዱወደይ ሼላ ኽሳዕ ዚዐቢ ኺዲ፡ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ፡ በላ። ታማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠትድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ድማ ጓል ሹዓ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተትይሁዳ ምስ ተጸናንዔ፡ ንሱ ምስ ሒራ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ናብቶም ኣባጊዑ ዚቘርጹ ናብ ቲምናት ደየበንታማር ድማ፡ እንሆ፡ ሓሙኺ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ናብ ቲምናት ይድይብ አሎ ኢሎም ነገርዋ። ንሳ ኸኣ፡ ሼላ ዓብዪ ኽንሱ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ከምዘይተዋህበት ረአየት እሞ፡ ክዳን ምብልውናኣ ኣንቢራመጐልበቢ ተጐልቢባ ኣብ ጥቓ መገዲ ቲምናት ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠትይሁዳ ምስ ረአያገጻ ሸፊና ነበረት እሞ ኣመንዝራ መሰለቶ። ንሱ ኸኣ ሰበይቲ ወዱ ምዃና ኣይፈለጠን እሞ፡ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ናብኣ ኣግሊሱበጃኺ፡ ናባኺ ኽኣቱ ሕደግኒ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ናባይ ክትኣቱስ እንታይ እሞ ትህበኒበለቶ። ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ እሰደልኪበላ። ንሳ ኸኣ፡ ክሳዕ እትሰደለይከ ታሕዚዶ ትህበኒ ኢኻ፧ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ታሕዙ እሞ ኽህበኪበለቀለቤትካን ማዕተብካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻንበለትሀባ እሞ አተዋ ኽኣ፡ ንሳውን ካብኡ ጠነሰትተንሲኣ ኸኣ ከደትመጐልበቢኣ ኣንቢራ ድማ ክዳን ምብልውናኣ ተኸድነትይሁዳ እቲ ታሕዚ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድብኢድ እቲ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ጥቦት ማሕስእ ሰደደላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን። ነቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ፡ እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መገዲ ተቐሚጣ ዝነበረት ኣመንዝራ ኣበይ እያ ዘላኢሉ ሐተተኣብዚ ኣመንዝራ ኣይነበረትንበሉ። ናብ ይሁዳ ተመልሊሱ ድማ፡ ኣይረኸብክዋን፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብዝስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን፡ ኢሎም በሎይሁዳ ድማ፡ እንሆ፡ እዚ ጥቦትዚ ሰዲደ፡ ንስኻ ኸኣ ኣይረኸብካያን እሞ፡ መላገጺ ኸይንኸውንሲ፡ ትውሰዶበለ። ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ንይሁዳታማርሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፡ እንሆ ኸኣ ብዝሙት ጠኒሳ አላ፡ ኢሎም ነገርዎ። ይሁዳ ድማ፡ ኣውጽእዋ እሞ ትንደድበለምስ ኣውጽእዋ ድማ፡ ናብ ሓሙኣ፡ ኣነ ኻብ በዓል እዚ እየ ጠኒሰ ዘሎኹ፡ ኢላ ሰደደት። እዚ ቐለቤት እዚ፡ እዚ መዓትብ እዚ፡ እዛ በትሪ እዚኣንሲ ናይ መን ከም ዝዀና፡ እስኪ ኣለሊ በጃኻ፡ ድማ በለትይሁዳ ኸኣ ኣለልይዎንወደይ ሼላ ካብ ዘይሀብክዋስካባይ ንሳ ትቐንዕ፡ በለ። ድሕርቲ ግና ኣይፈለጣን። ኰነ ኸኣ፡ ብጊዜ ሕርሳ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበረ። ኰነ ድማ ክትወልድ ከላ፡ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውጽኤእታ መሕረሲት ከኣ፡ እዚ ቕድም ወጸ፡ ኢላ ቀይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉኰነ ድማንሱ ኢዱ ምስ መለሰ እንሆ፡ ሓዉ ወጸ። ንሳ ኸኣ፡ ከመይ ሰንጢቕካ ባዕልኻ ወጻእካ፧ በለትስሙ ድማ ፋሬስ ተባህለብድሕሪኡ ኸኣ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ሓዉ ወጸስሙ ድማ ዘራሕ ተባህለ

Translation | Context
ዘዳግም 25:5-6 | 5 Helpful votes

ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፡ ሓዲኦም ውሉድ ዜብሉ እንተ ሞተሰበይቲ እቲ ዝሞተ ናብ ወጻኢ ጓና ኣይትተአቶ። እቲ ሓሙታ ናብኣ አትዩ ንርእሱ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈጽመላ። ይኸውን ድማ፡ ስም እቲ ምዉት ሓዉ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስእቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስሙ ይጸዋዕ

Translation | Context