Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም። ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።
Translation | Contextዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ኣስተብህሉ፥ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ካባታቶም ኣይተኸድነን፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextምርጓዱ ድማ ጋት ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራህ ወሰን ጽዋእ ከም ዝዐምበበ ሹሻን ነበር። ክልተ ሽሕ ባት ይሕዝ ነበረ።
Translation | Contextኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ እዀኖ፡ ንሱ ኸም ዕምባባ ይዕምብብ፡ ከም ሊባኖስ ከኣ ሰረውሩ ይሰድድ።
Translation | Contextከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧
Translation | Contextናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሔ፡ ቊመቱውን ሓሙሽተ እመት ነበረ። ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍራ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ። ብታሕቲ ኸኣ ብዘሎ ዙርያኡ፡ ነቲ ባሕሪ ብዘሎ ዙርያኡ ዝኸበብዎ ምስሊ ኣብዑር ነበርዎ፡ በብእመት ዓሰርተ። እቶም ኣብዑር ኣብ ክልተ መስርዕ ኰይኖም፡ ምስቲ ባሕሪ ብሓንሳእ ዝፈሰሱ እዮም። ኣብ ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ተነብረ፡ ሰለስተ ንሰሜን ገጾም፡ ሰለስተ ኸኣ ንምዕራብ ገጾም፡ ሰለስተውን ንደቡብ ገጾም፡ እቶም ሰለስተ ኸኣ ንምብራቕ ገጾም ነበሩ። እቲ ናይ ኲሎም ድሕሪት ከኣ ናብ ውሽጢ ኣቢሉ ነበረ። ምርጓዱ ድማ ስድሪ ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራሕ ወሰን ጽዋእ፡ ከም ዝዐምበበ ሹሻን ነበረ። ሰለስተ ሽሕ ባት ኣእትዩ ይሕዝ ነበረ።
Translation | Contextጒንጭታቱ ኸም ክፍሊ ኣታኽልቲ ቐመም፡ ከም ምኡዝ ኣትክልቲ እዩ፡ ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዜንጠብጥባ ዕንባባ ሹወን እየን።
Translation | Contextፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማእከል እሾዂ ዝበቘለት ዕምባባ ሹወን እያ።
Translation | Contextምርጓዱ ድማ ስድሪ ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራሕ ወሰን ጽዋእ፡ ከም ዝዐምበበ ሹሻን ነበረ። ሰለስተ ሽሕ ባት ኣእትዩ ይሕዝ ነበረ።
Translation | Contextናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሔ፡ ቊመቱ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ፡ ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍሩ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ወሰን ከኣ ብዙርያኡ ኣጒማ ኣዞረሉ፡ ብዙርያ እቲ ባሕሪ በብእመት ዓሰርተ ዀይኑ ይኸቦ ነበረ፡ እቲ ኣጒማ ኽልቲ መስርዕ ኰይኑ ምስኡ ብሓደ ፈሰሰ። ኣብ ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ተነብረ፡ ሰለስተ ንሰሜን ገጾም፡ ሰለስተ ድማ ንምዕራብ ገጾም፡ ሰለስተ ኸኣ ንደቡብ ገጾም፡ ሰለስተውን ንምብራቕ ገጾም ነበሩ። እቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። ናይ ኲሎም ድሕሪት ከኣ ንውሽጢ ኣቢሉ ነበረ። ምርጓዱ ድማ ጋት ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራህ ወሰን ጽዋእ ከም ዝዐምበበ ሹሻን ነበር። ክልተ ሽሕ ባት ይሕዝ ነበረ።
Translation | Contextእቲ ኣብ ገበላ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን መሲሉ እተሰርሄ፡ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት ነበረ።
Translation | Contextሰሎሞን ድማ ንቤቱ ብዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ሰርሓ፡ ንብዘላ ቤቱ ኸኣ ፈጸማ። ቤት ዱር ሊባኖስ ድማ ሰርሔ፡ ምንዋሓ ሚእቲ እመት፡ ምግፋሓ ኸኣ ሓምሳ እመት፡ ቊመታውን ሰላሳ እመት ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መስሮ ኣዕኑድ ቄድሮስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዕኑድ ድማ ጽሩብ ኣግማል ቄድሮስ ገይሩ ሰርሓ። እቲ ናሕሳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓንዲ ዝነበረ ኣግማል ብቄድሮስ እተሰርሔ ናሕሲ ነበረ፡ እቲ ኣዕኑድ ከኣ ኣብ መመስርዕ ዓሰርተዉ ሓሙሽተ ነበረ። ሰለስተ መስርዕ ዓይነ ርግቢ፡ መስኮት ኣብ መንጽር መስኮት ከኣ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ነበረ። ኲሉ ደጌታትን ልዳውትን ድማ ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፡ መስኮት ኣብ መንጽር መስኮት ከኣ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ነበረ። ገበላ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ፡ ሰላሳ እመት ዝምግፋሑ በዕኑድ ገይሩ ሰርሔ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ሓደ ገበላ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ኸኣ ኣዕኑድን መሳልልን ነበረ። ድማ መጋባእያ ዚወጸሉ ገበላ ዝፋን፡ ንሱ ገበላ ፍርዲ፡ ሰርሔ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ ናሕሲ ብሉሕ ተኸዲኑ ነበረ። እታ ዚቕመጠላ ቤቱ ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መከበብያ ኣብ ውሽጢ እቲ ገበላ ዝነበረት ከምኡ ዀይና ተሰሪሓ ነበረት። ሰሎሞን ነታ ዘእተዋ ጓል ፈርኦን ከኣ ክምዚ ገበላ እዚ ዝበለት ቤት ሰርሓላ። እዚ ዂሉ ድማ ካብ መሰረት ክሳዕ እቲ ላዕላይ ወሰን፡ ብወጻኢ ኸኣ ክሳዕ እቲ ዓብዪ መካበብያ፡ በቲ ብልክዕ እተቘርጸ፡ ብውሽጥን ብግዳምን ብመጋዝ እተመገዘ ኽቡር ኣእማን ተሰርሔ። እቲ መሰረት ድማ ብኽቡር ኣእማን፡ ብዓበይቲ ኣእማን፡ ብዓሰርተ እመት ዝምንዋሑ ኣእማንን ሾሞንተ እመት ዝምንዋሑ ኣእማንን ተሰረተ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ብልክዕ እተቘርጸ ኽቡር ኣእማንን ኦም ቄድሮስን ነበረ። ነቲ ዓብዪ መካበብያ ድማ ብዙርያኡ ኸምቲ ናይ ውሽጢ መካበብያ ቤት እግዚኣብሄርን ከም ገበል እቲ ቤትን፡ ሰለስተ መስርዕ እተቘርጸ ኣእማንን ሓደ መስርዕ እተጸርበ ሉሕ ቄድሮስን ነበሮ። ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንሒራም ካብ ጢሮስ ኣምጽኦ። ንሱ ወዲ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኻብ ነገድ ንፍታሌም ነበረ። ኣቦኡ ኸኣ ብዓል ጢሮስ፡ ኣንጠረኛ ኣስራዚ ነበረ። ንሱ ድማ ኲሉ ስራሕ ኣስራዚ ንምግባር ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን መሊእዎ ነበረ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መጺኡ ኸኣ፡ ዕዮኡ ዘበለ ገበረሉ። ንሱ ድማ ነቲ ዓሰርተው ሾሞንተ እመት ዝቚመቱ ኽልተ ዓንዲ እስራዚ ሰርሔ። ነናይ ሓደ ዓንዲ ዙርያ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ እመት ዝምንዋሁ ገመድ ገበረ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ኪንበር ድማ ካብ ዝፈሰሰ ኣስራዚ ኽልተ ጒልላት ሰርሔ። ቊመት እቲ ሓደ ጒልላት ሓሙሽተ እመት፡ ቊመት እቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ። ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ድማ ከም ስራሕ መንፊት ዝበለ ዓይነ ርግብን ከም ስራሕ ሰንሰለት ዝበለ ትትዖን ነበሮ፡ ነቲ ሓደ ጒልላት ሾብዓተ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ሾብዓተ ነበሮ፡ ነቲ ኣዕኑድ ምስ ገበረ ድማ፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ኪኸድን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን ገበረ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላትውን ከምኡ ገበሮ። እቲ ኣብ ገበላ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን መሲሉ እተሰርሄ፡ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ኣዕኑድ ድማ ምስቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓይነ ርግቢ ዘሎ ኸብዲ ዝገጠመ ጒልላት ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ኣብ ዙርያኡ በብመስሮ ክልተ ሚእቲ ሮማን ነበረ። ነቲ ኣዕኑድ ድማ ኣብ ገበላ እቲ መቕደስ ኣቘሞ። ነቲ የማናይ ዓንዲ ተኺሉ ኸኣ ስሙ ያኪን ኣውጽኣሉ፡ ነቲ ጸጋማይ ዕንዲ ድማ ስሙ ቦዓዝ ኣውጽኣሉ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን ዝበለ ስራሕ ነበረ። በዚ ኸምዚ ዕዮ እቲ ኣዕኑድ ተፈጸመ፡ ናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሔ፡ ቊመቱ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ፡ ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍሩ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ወሰን ከኣ ብዙርያኡ ኣጒማ ኣዞረሉ፡ ብዙርያ እቲ ባሕሪ በብእመት ዓሰርተ ዀይኑ ይኸቦ ነበረ፡ እቲ ኣጒማ ኽልቲ መስርዕ ኰይኑ ምስኡ ብሓደ ፈሰሰ። ኣብ ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ተነብረ፡ ሰለስተ ንሰሜን ገጾም፡ ሰለስተ ድማ ንምዕራብ ገጾም፡ ሰለስተ ኸኣ ንደቡብ ገጾም፡ ሰለስተውን ንምብራቕ ገጾም ነበሩ። እቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። ናይ ኲሎም ድሕሪት ከኣ ንውሽጢ ኣቢሉ ነበረ። ምርጓዱ ድማ ጋት ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራህ ወሰን ጽዋእ ከም ዝዐምበበ ሹሻን ነበር። ክልተ ሽሕ ባት ይሕዝ ነበረ። ናይ ኣስራዚ ሰረት ከኣ ዓሰርተ ገበረ፡ ሓደ ሰረት ድማ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ቊመቱውን ሰለስተ እመት ነበረ። ኣሰራርሓ እቲ ሰረታት ድማ ከምዚ ነበረ፡ ክቡሳት ነበሮ፡ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ከኣ ክቡሳት ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ዝነበረ ኽቡሳት ድማ ኣናብስን ኣብዑርን ኪሩቤልን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጋጠሚታት ከኣ ኣብ ላዕላዩ ኸምኡ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ኣናብስን ኣብዑርን ድማ ከም ትትዖ እተገብረ ቘጽሊ ተንጠልጢሉ ነበረ። ንንሓደ ሰረት ከኣ ኣርባዕተ መንኰርኰር ኣስራዚ፡ ንእኡ ዚሕዝ ኣርዑት ኣስራዚ ድማ ነበሮ። ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ኸኣ መናኲብ ነበሮ፡ እቲ መናኵብ ምስቲ ኣብ ወወገኑ ዝነበረ ትትዖ ቘጽሊ ኣብ ትሕቲ እቲ ገበራ ዝፈሰሰ ነበረ። ኣፉ ድማ ብውሽጢ እቲ ጒልላት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሓደ እመት ነበረ፡ እቲ ኣፉ ኸኣ ከቢብ ከም ስራሕ እግሪ ዓንዲ፡ እመትን ፈረቓን ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣፉ ድማ ቅርጽታት ነበሮ፡ ክቡሳቱ ኸኣ ኣርባዕተ ጥርዚ ነበረ እምበር፡ ከቢብ ኣይነበረን። እቲ ኣርባዕተ መንኰርኰር ድማ ብትሕቲ እቲ ኽቡሳት ነበረ፡ መትሓዝ መንኰራዂር ከኣ ኣብቲ መቐመጢ ለጊቡ ነበረ፡ ነናይ ሓደ መንኰርኰ ቊመትውን እመትን ስድርን ነበረ። ስራሕ እቲ መንኰራዂር ድማ ከም ስራሕ መንኰርኰር ሰረገላ ነበረ፡ መትሓዚኡን ዕንክሊሉን ቅትርቱን ሕምብርቱን ኲሉ ፍሲ ነበረ። ነንሓደ ሰረት ከኣ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣርባዕተ መንኲብ ነበሮ፡ እቲ መንኲብ ምስቲ ሰረት ብሓደ ነበረ። ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ድማ ብዙርያኡ ፈረቓ እመት ዝቚመቱ ኸቢብ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ከኣ እቲ መደገፊታቱን ክቡሳቱን ምስኡ ሓደ ነበረ። ኣብ ገጽ እቲ መደገፊታቱን ኣብ ክቡሳቱን ከከም ስፍራኡ ብዙርያኡ ኪሩቤልን ኣናብስን ስየን ምስትትዖ ቘጽልን ቀረጸሉ። ከምዚ ነቲ ዓሰርተ መቐመጢ፡ ንዂሉ ምፍሳሱ ሓደ፡ ልክዑ ሓደ፡ መልክዑ ሓደ ገይሩ መርሖ። ዕሰርተ ገበራ ኣስራዚ ድማ ሰርሔ፡ ሓደ ገበራ ኣርብዓ ባት ይሕዝ ነበረ፡ እቲ ገበራታት ሓሓዲኡ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ነቲ ዓሰርተ ሰረት፡ ነንሓደ ሰረት ሓደ ገበራ ነበሮ። ነቲ ሰረታት ድማ ሓሙሽተ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ሓሙሽተ ኸኣ ብወገን ጸጋም እታ ቤት ኣንበሮ፡ ነቲ ባሕሪ ድማ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ብምብራቕ ደቡብ ኣንበሮ። ሒራም ከኣ ገበራታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን ሰርሔ። በዚ ኸምዚ ሒራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ዂሉ ዕዮ ፈጸሞ፡ ነቲ ኽልተ ዓንድን ናይቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጒልላት ከበብትን፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ናይ ጒልላት ከበብቲ ዚኸድን ክልተ ክልተ ዓይነ ርግብን፡ ናይቲ ኽልተ ዓይነ ርግቢ ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኽልተ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት፡ ነቲ ኸበብቱ ዚኸድን ነንሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን፡ ድማ ነቲ ዓሰርተ ሰረትን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰረታት ዘሎ ዓሰርተ ገበራን፡ ነቲ ሓደ ባሕርን ነቶም ትሕቲ እቲ ባሕሪ ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን። ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን፡ እዚ ዂሉ ሒራም ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ኣቓሑ ኻብ ጽሩይ ኣስራዚ ነበረ። እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኰትን ጻርታን፡ ኣብ መሬት ጥዑም ኣፍሰሶ። ሰሎሞን ድማ ንዂሉ ኣቓሑ ኻብ ኣዝዩ ምብዛሑ እተላዕለ ኸይመዘነ ሓደሆ፡ ሚዛን እቲ ኣስራዚ ኸኣ ኣይተመርመረን። ሰሎሞን ከኣ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ዂሉ ኣቓሑ ሰርሔ፡ ናይ ወርቂ መሰውእን፡ ነቲ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ልዕሊኡ ዚንበሮ ሰደቓ ወርቅን፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ዘሎ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ቐዋሚ ቐነዲል፡ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም፡ ነቲ ናይ ወርቂ ዕምባባታትን ቅልዒ ቐነዲልን መሳቐይታትን ከኣ፡ ነቲ ናይ ጽሩይ ወርቂ ጽዋኣትን ካራታትን ጭሔሎታትን ማንካታትን ጽንሃታትን ድማ፡ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ቤት፡ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓጹን፡ ናይ መቕደስ መዓጹን ወንድወንዶታት ወርቂ ኸኣ ሰርሔ። እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝዐየዮ ዂሉ ዕዮ ኸኣ ተወድኤ። ሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝቐደሶ፡ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ነቲ ኣቓሑን ኣምጺኡ ኣብ መዛግብ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ።
Translation | Contextኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን ዝበለ ስራሕ ነበረ። በዚ ኸምዚ ዕዮ እቲ ኣዕኑድ ተፈጸመ፡
Translation | Context