Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ረሲኣን ዚሰጎም ዜብሎም ይሀድሙ፡ ጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ይተብዑ።
Translation | Contextካብ ኵሉ እንስሳ ዚብርትዕ፡ ብገለ እኳ ድሕር ዘይብል ኣንበሳ፡
Translation | Contextካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ ኣይትብከ፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ኪፈትሖን ስዒሩ አሎ፡ በለኒ።
Translation | Contextድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።
Translation | Contextሽደናት ኣንበሳ ንምዝራፍ ይጓዝሙ፣ ቀለቦም ከኣ ካብ ኣምላኽ ይደልዩ።
Translation | Contextኵራ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፡ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዚወርድ ኣውሊ እዩ።
Translation | Contextንሱ ይጓዝም፡ እቶም ደቂ ኸኣ ካብ ምዕራብ እናንቀጥቀጡ ይመጹ እሞ፡ ንሳቶም ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዚጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።
Translation | Contextነቲ ኺሰላልዕ ዚምነ ኣንበሳ፣ ነቲ ኣብ ሕቡእ ዜድቢ ሽደን ኣንበሳ ይመስል።
Translation | Contextእቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፣ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፍ ኽሳዕ ዚምንቄሳ ኸኣ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ፣ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፣ ልቢ ሰባውን ተዋህቦ።
Translation | Contextሽዑ እቲ ንጉስ ኣዘዘ፣ ንዳንኤል ከኣ ኣምጽእዎ፣ ናብ ጕድጓድ ኣናብስውን ደርበይዎ። ንጉስ ድማ ንዳንኤል፣ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካ ንሱ የናግፍካ፣ በሎ። ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ኦአጸውዎ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ ገለ ብዛዕባ ዳንኤል ከይልወጥሲ፣ ብቐለቤቱን ብቐለቤት መሳፍንቱን ሐተሞ። እቲ ንጉስ ናብ ኣዳራኡ ኸድ፡ ጸሙ ኸኣ ሐደረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ድራር ኣየቕረበን፡ ድቃስውን ካብኡ በረረ። ንጽባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተንስኤ፣ ቀልጢፉ ኸኣ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ። ናብቲ ጕድጓድ ምስ ቀረበ፣ ንዳንኤል እናሕነቕነቐ ጸውዖ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፣ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካስ ካብ ኣናብስ ኬናግፈካዶ ኸኣለ፡ ኢሉ ንዳንኤል ተዛረቦ። ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ፣ ዎ ንጉስ፣ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፣ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኰይነ ተረኺበ እየ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣይበደልኩን እሞ፣ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፣ ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ፣ ከቶውን ኣይጐድኡንን፣ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዮ ተሐጐሰ፡ ንዳንኤል ካብቲ ጉድጓድ ኬውጽእዎ ኸኣ አዘዘ። ንዳንኤል ድማ ካብቲ ጕድጓድ ኣውጽእዎ። ኣብ ኣምላኹ ተወኪሉ ስለ ዝነበረውን፡ ገለ ጕድኣት ኣይተረኽቦን። እቲ ንጉስ ከኣ ኣዘዘ፣ ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ኣምጺኦም፣ ንሳቶም ደቆምን ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎም። ገና ኣብ ከብዲ ጕድጓድ ከይበጽሑ ድማ፣ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፣ ዅሉ ኣዕጽምቶምውን ሰባበርዎ።
Translation | Contextኣንበሳ ንዀራኵር ዚኣኽሎም ዘረፈ፡ ንዋዕሮታቱ ኸኣ ሐነቐለን፡ በዓትታቱ ብግዳዩ፡ ጐደጒዱ ኸኣ ብዝዘረፎ መልኦ።
Translation | Contextኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፣ ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኰኖም እየ። ኣነ፣ እወ ኣነ ዘሪፈ ክኸይድ እየ፣ ክወስድ እየ፣ ዜድሕን ድማ የልቦን።
Translation | Contextምስ ከደ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። ሬሳኡ ድማ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ነበረ፡ እቲ ኣድጊ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ነበረ። እንሆ ኸኣ፡ ዚሐልፉ ሰባት ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረአዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነብዪ ዘለዋ ኸተማ መጺኦም ድማ እዚ ነገሩ። እቲ ኻብ መገዱ ዝመለሶ ነብዪ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ እቲ ንኣፍ እግዚኣብሄር ዝዐለወ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእኡ እተዛረቦ ዘረባ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንአንበሳ ኣሕሊፉ ሂብዎ፡ ሰቢሩስ ቀቲልዎ ኸኣ፡ በለ። ንደቁ ድማ፡ ኣድጊ ጽዐኑለይ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡ ጸዐኑሉ ኸኣ። ንሱ ኸደ እሞ ነቲ ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ረኸቦ፡ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ድው ኢሎም ጸንሑ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፡ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን።
Translation | Contextተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ። ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓ፡ ወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም፡ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ። ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት፡ እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጒድጓድ ከይሲ ኺዝርግሕ እዩ። ከምቲ ማያት ንመዓሙቚ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጒድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢር ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም፣ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ። ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪቡኸ መን እዩ ዘይንበ፡
Translation | Contextእቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ፡ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግና፡ ጐይታ ቘመለይ፡ ኣበርትዓኒ፡ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ።
Translation | Contextነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገጽ ነበሮ፣ እቲ ቐዳማይ ገጽ ናይ ኪሩብ ገጽ፣ እቲ ኻልኣይ ገጽ ናይ ሰብ ገጽ፣ እቲ ሳልሳይ ከኣ ገጽ ኣንበሳ፣ እቲ ራብዓይ ድማ ገጽ ንስሪ እዩ።
Translation | Contextኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን፣ ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን።
Translation | Context