Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።
Translation | Contextእቲ ዓሻ፡ መገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፡ ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ።
Translation | Contextከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ።
Translation | Contextወደየ፡ ነቲ ኻብ ቃል ፍልጠት ዜርሕቐካ ተግሳጽ ምስማዕ ሕደጎ።
Translation | Contextወደየ፡ ምኽሪ ኸተጽንዕ፡ ከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኺሕዛስ፡ ናብ ጥበበይ ኣቕልብ፡ ናብ ምስትውዓለይውን እዝንኻ ኣድንን። ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ ኣፋ ኸኣ ካብ ዘይቲ ይልስልስ። መወዳእታኣ ግና ከም ዕረ መሪር፡ ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሴፍ ከኣ በሊሕ እዩ። ኣእጋራ ናብ ሞት ይወርዳ፡ ስጕምታ ናብ ሲኦል ይበጽሕ። ንመገዲ ህይወት ከይትረኽባስ፡ በኻይዳኣ ዀብላሊት እያ እሞ፡ ኣይትፈልጥን እያ። ኣቱም ደቀየ፡ እምበኣርሲ ሕጂ ስምዑኒ፡ ካብ ቃላት ኣፈይ ከኣ ኣይትርሐቑ። መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ፡ ናብ ደገ ቤታ ኣይትቕረብ። ክብርኻ ንኻልእ፡ ዕድሚኻውን ንጨካን ከይትህብ፡ ብጥሪትካ ኻልኦት ከይጸግቡ፡ ፍረ ድካምካውን ናብ ቤት ካልእ ከይሐልፍ፡ ኣብ መጠረስታ ነፍሰ ስጋኻ ምስ ተወድኤ፡ ከይተልቅስ እሞ፡ ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎ፡ ልበይሲ ንዘለፋ ነዐቖ፡ ስለምንያትከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ፡ ናብቶም ዜስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ኵሉ ንምብጻእ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይረ፡ ከይትብልሲ፡ መገድኻ ካብኣ ኣርሕቖ። ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደኣ፡ ካብቲ ዚፍልፍል ምንጭኻ ደኣ ስተ። ምንጭኻ ንወጻኢ፡ ርባታትካስ ናብ ኣደባባያትዶ ይፈስስ አሎ እዩ፡ ንኣኻ ጥራይ ይኹን፡ ጓኖት ኣይካፈሉኻ። ምንጭኻ ይባረኽ፡ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። ፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካ፡ ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ። ኣታ ወደይ፡ ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር፡ ሰበይቲ እማትካስ እትሐቍፍ፡ እምብኣርሲ መገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፡ ነኻይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ። እቲ ረሲእ ብኣበሳኡ ይሕንኰል፡ በግማድ ሓጢኣቱ ኸኣ ይእሰር። ንሱ ሰኣን ተግሳጽ ይመውት፡ በቲ ዓብዪ ድንቍርናኡ ኸኣ ይጋገ።
Translation | Contextጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ።
Translation | Contextዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይርኤ፡ ከናፍሩ ዚዐጹ ኣእምሮኛ ይበሀል።
Translation | Contextዓሻ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ኺገልጾ እምበር፡ ምስትውዓል ኣይፈቱን እዩ።
Translation | Contextወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ ኣርነብካዮ፡
Translation | Contextእቲ ኣፉን መልሕሱን ዚሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ።
Translation | Contextብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይሰኣኖን፡ ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ።
Translation | Contextንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።
Translation | Contextሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።
Translation | Contextጠቢብ ዝልቡ ትእዛዛት ይቕበል፡ ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ።
Translation | Context