Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all31 bible verses about
ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላ፡ ኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ።
Translation | Contextስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።
Translation | Contextለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።
Translation | Contextየሱስ ግና፥ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።
Translation | Contextካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሸ ስለምንታይ እዩ፡ ኣይትበል፡ እዝስ ብጥበብ ኣይኮንካን እትሐቶ ዘሎኻ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextመዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ አላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።
Translation | Contextየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።
Translation | Contextቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንጐይታ ጐይተት ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ በይኑ ዓብዪ ተኣምራት ዝገበረ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ በእምሮ ንሰማያት ዝገበረ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዘርግሓ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ዓበይቲ ብርሃናት ዝገበረ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንጸሓይ ብመዓልቲ ዘሰልጠነ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንወርሕን ከዋኽብትን ብለይቲ ዘሰልጠነ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንግብጺ ብበዅሮም ዝወቕዔ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ከኣ ካብ ማእከሎም ዘውጽኤ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቐለ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ከኣ ብማእከላ ዘሕለፈ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንፈርኦንን ሰራዊቱን ድማ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዘጥሐለ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንህዝቡ ብበረኻ ኣቢሉ ዝመርሔ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንዓበይቲ ነገስታት ዝወቕዖም፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንስልጡናት ነገስታት ከኣ ዝቐተለ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንሲሆን፣ ንጉስ ኣሞራውያን፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኦግ ንጉስ ባሳን ድማ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ምድሮምውን ንርስቲ ዝሀበ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ባርያኡ ዘረስተየ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ኣብ ውርደትና ዝዘከረና፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ካብ መጥቃዕትና ኸኣ ዘናገፈና፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ንዅሉ ስጋ ዚምግብ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ።
Translation | Contextወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፡ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
Translation | Contextእቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን።
Translation | Contextዓመጻኦም ክምሕር እየ እሞ፡ ንሓጢኣቶምውን ድሕርዚ ኣይክዝክሮን እየ፡ ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ዚፈልጡኒ ስለ ዝዀኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ ንእዝጊ ፍለጦ፡ ኢለ ኣይኪምህሮን እዩ።
Translation | Contextሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
Translation | Contextእተን ቀደም ዝነበራ ነገራትሲ መዘከርታ የብለንን። እተን ብደሓር ዚኾና ኸኣ ኣብቶም ብድሕሪኤን ዚመጹ መዘከርታ የብለንን።
Translation | Contextነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣
Translation | Contextጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ።
Translation | Contextኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፣ ኣቱም ደቂ ያእቆብል ስለዚ ኣይጠፋእኩምን።
Translation | Contextአየ፡ ከም በተን ቀዳሞት ኣዋርሕ፡ ከም በተን ኣምላኽ ዝሐለወኒ መዓልትታት እንተ ዝኸውን እሞ መን ምሀበኒ።
Translation | Contextንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።
Translation | Contextማለት፥ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዓሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ።
Translation | Contextንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።
Translation | Contextኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ።
Translation | Contextኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።
Translation | Contextእቲ ዝነበረ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸኣ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን።
Translation | Contextእቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ።
Translation | Contextንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
Translation | Contextነታ እትመጽእ ንደሊ አሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፉ ተሰከምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ።
Translation | Context