Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ። ንጓና ደኣ ኣሕርጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ ንሓውካ ኣይተሕርጥ።
Translation | Contextገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ።
Translation | Contextጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ።
Translation | Contextእቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።
Translation | Contextሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።
Translation | Contextካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖ።
Translation | Contextንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።
Translation | Contextሃሌሉያ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ፣ ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ። ዘርኡ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን፣ ወለዶ ቕኑዓት ኪባረኽ እዩ። ሃብትን ጽጋብን ኣብ ቤቱ እዩ፣ ጽድቁውን ንዘለአለም ይነብር። ንቕኑዓት፣ ነቲ መሓርን ርሕሩሕን ጻድቕን፣ ኣብ ጸልማት ብርሃን ይወጸሎም። ዚርሕርሕን ዜለቅሕን ሰብ ብጹእ እዩ። ንሱ ንነገሩ ብፍርዲ ይፍጽሞ። ንዘለአለም ኣይኪናወጽን እዩ እሞ፣ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር። ክፉእ ወረ ኣይፈርህን፣ ልቡ ብእግዚኣብሄር ተወኪሉ ይጸንዕ። ልቡ ጽኑዕ እዩ፣ ትምኒቱ ኣብ ተጻረርቱ ኽሳዕ ዚርኢ ኣይፈርህን። ዘረወ፣ ንድኻታት ሀበ፣ ጽድቁ ንዘለአለም ይነብር፣ ቀርኑ ብኽብሪ ልዕል ኪብል እዩ። ረሲእ ነዚ ርእዩ ኺሐርቕ፣ ኣስናኑ ኺሕርቅምን ኪማስንን፣ ትምኒት ረሲኣን ኪጠፍእ እዩ።
Translation | Contextኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ።
Translation | Contextሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድ። ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፡ ሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበር። ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦ፡ እኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ።
Translation | Contextኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።
Translation | Contextመሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።
Translation | Context