Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

locusts


ራእይ 9:3-10 | 9 Helpful votes

ካብቲ ትኪ ድማ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጸ፡ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ኣብ ምድሪ ስልጣን ዘለወን ከኣ፡ ስልጣን ተዋህቦ። ንእኡውን፡ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዜብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎስንሳዕሪ፡ ወይስ ለምለም ንዘበለ፡ ወይስ ነእዋም ኣይትጕድኣዮምተባህለሉሓሙሽተ ወርሒ ደኣ ኺሳቕዮም እምበር፡ ከይቀትሎምውን ተዋህቦእቲ ስቓዮም ከም ስቓይ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ ከላ እዩ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ኪደልይዎ እሞ ኣይኪረኽብዎን እዮም፡ ሙማትውን ኪምነዩ እዮም፡ እቲ ሞት ግና ካባታቶም ኪሀድም እዩ። ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል፡ ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊላት ወርቂ ዚመስል አለዎ፡ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ። ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ አለዎኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ። ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ኸኣ አለዎደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት፡ ናብ ውግእ ዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ። ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራን ሕንዝን አለዎንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን አለዎ

Translation | Context
ምሳሌ 30:27 | 6 Helpful votes

ኣንበጣ ንጉስ የብሉን፡ ግናኸ በገባብ ሐቡሩ ይጕዐዝ

Translation | Context
ዮኤል 1:4-7 | 5 Helpful votes

ካብ ኵብኵብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፣ ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸኣ ጐደበ በልዖ፣ ካብ ገደበ ዝተረፈ ድማ ሓሰኻ በልዖ። ኣቱም ሰኸርቲ ንቕሑን ብኸዩን፣ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ዅልኻትኩም፣ እቲ ዀልዒ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፣ ዋይዋይ በሉ። ቍጽሪ ዜብሉ ሓያል ህዝቢ ናብ ሃገረይ ደየበኣስናኑ ኣስናን ኣንበሳ እዩ፣ ከም ናይ ዋዕሮ ዝበለ ምንጋጋ ኸኣ አለዎ። ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፣ ንኦም በለሰይ ፈሐቖ፣ ብጥራስ ቀንጠጦደርበዮጨናፍሩውን ጻዕደውወ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 11:22 | 5 Helpful votes

ካባታቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮምፋንጣ በብዓይነቱንኣንበጣ በብዓይነቱን ኲብኲብታ በብዓይነቱን ጐደበ በብዓይነቱን

Translation | Context
ራእይ 9:7-10 | 4 Helpful votes

ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል፡ ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊላት ወርቂ ዚመስል አለዎ፡ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ። ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ አለዎኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ። ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ኸኣ አለዎደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት፡ ናብ ውግእ ዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ። ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራን ሕንዝን አለዎንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን አለዎ

Translation | Context
ማርቆስ 1:6 | 3 Helpful votes

ክዳን ዮሃንስ ከኣ ጸጕሪ ገመልዕጣቕ ሕቝኡውን ፈልቍ ነበረ፡ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ይምገብ ነበረ።

Translation | Context
ራእይ 9:4 | 3 Helpful votes

ንእኡውን፡ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዜብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎስንሳዕሪ፡ ወይስ ለምለም ንዘበለ፡ ወይስ ነእዋም ኣይትጕድኣዮምተባህለሉ

Translation | Context
ራእይ 9:1-12 | 3 Helpful votes

እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸት ነፍሔኰዀብ ከኣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኺወድቕ ከሎ ርኤኹመርሖ ዓሚቝ ዔላውን ተዋህቦ። ነቲ ዓሚቝ ዔላ ድማ ከፈቶካብቲ ዔላ ኸኣ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዚመስል ትኪ ወጸብትኪ እቲ ዔላ ድማ ጸሓይን ኣየርን ጸልመተካብቲ ትኪ ድማ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጸ፡ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ኣብ ምድሪ ስልጣን ዘለወን ከኣ፡ ስልጣን ተዋህቦ። ንእኡውን፡ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዜብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎስንሳዕሪ፡ ወይስ ለምለም ንዘበለ፡ ወይስ ነእዋም ኣይትጕድኣዮምተባህለሉሓሙሽተ ወርሒ ደኣ ኺሳቕዮም እምበር፡ ከይቀትሎምውን ተዋህቦእቲ ስቓዮም ከም ስቓይ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ ከላ እዩ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ኪደልይዎ እሞ ኣይኪረኽብዎን እዮም፡ ሙማትውን ኪምነዩ እዮም፡ እቲ ሞት ግና ካባታቶም ኪሀድም እዩ። ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል፡ ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊላት ወርቂ ዚመስል አለዎ፡ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ። ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ አለዎኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ። ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ኸኣ አለዎደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት፡ ናብ ውግእ ዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ። ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራን ሕንዝን አለዎንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን አለዎንጉስ አለዎ፡ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፡ ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን እዩ፡ ብጽርኢ ኸኣ ስሙ ኣጶልዮን ይብሀል። እቲ ቐዳማይ ወዮ ሐሊፉድሕርዚ ኸኣ እንሆገና ኽልተ ወዮ ይመጽእ አሎ።

Translation | Context
ዘጸአት 10:1-19 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ትእምርትታተይ እዚ ምእንቲ ኣብ ማእከሎም ክገብር፡ እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝዐየኽዎ ነገርን፡ እቲ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታተይን ኣብ ኣእዛን ወድኻን ወዲ ወድኻን ምእንቲ ኽትነግሮኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡስ፡ ኣነ ንልቡን ንልቢ ገላዉኡን ኣትሪረ እየ እሞ፡ ናብ ፍርኦን እቶሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርኦን ኣትዮም በልዎእግዚኣብሄርኣምላኽ እብራውያን፡ ከምዚ ይብልክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ ከይትተሐት እትኣቢንህዝበይ ኬገልግለኒ ሕደጎም። ንስኻ ንህዝበይ ምሕዳጉ እንተ ኣቤኻ ግናእንሆ፡ ጽባሕ ናብ ምድርኻ ኣንበጣ ኸምጽእ እየ። ንምድሪ ኸኣ ኪኸድና እዩ፡ ገጽ ምድሪ እኳ ኺርእዩ ኣይክእሉን። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈልኩም ትርፊ ድማ ኪበልዖ እዩ። ነተን ኣብ መሮር ዚዐብያልኩም ኵለን ኣእዋም ከኣ ኺበልዔን እዩ። ኣባይትኻን ኣባይቲ ዅሎም ገላዉኻን ኣባይቲ ዅሎም ግብጻውያንን ኪመልእ እዩ። ከምኡ ዝበለ ኣቦታትካን ኣቦታት ኣቦታትካን ኣብ ምድሪ ኻብ እተፈጥሩላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣይረኣዩንተመሊሱ ኸኣ ካብ ፈርኦን ወጸንፈርኦን ድማ ገላዉኡክሳዕ መኣዝከ እዚ ሰብኣይዚ መፈንጠራ ኪዀነና እዩ፧ ነዞም ሰባትንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኬገልግሉሕደጎምግብጺ ኸም ዝጠፍኤትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ፧ በልዎ። ሽዑ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርኦን መለስዎም። ንሱ ድማ፡ ኪዱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉእቶም ዚኸዱ ግና መነመን እዩምበሎምሙሴ ድማ፡ በዓል እግዚኣብሄር ከነብዕል ኢና እሞ፡ ምስ ናእሽቱናን ምስ ዓበይትናን ክንከይድ ኢናምስ ኣወዳትናን ምስ ኣዋልድናን ምስ ኣባጊዕናን ምስ ኣሓናን ክንከይድ ኢናበለንሱ ድማ፡ ከምቲ ኣነ ምስ ደቅኹም ዝሐደግኩኹም፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን። ርኣዩክፍኣት ኣብ ቅድሜኹም አሎ። ከምኡ ኣይኰነንሰብኡት ደኣ ኺዱ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። እቲ ዝደሌኹምዎ ኸኣ ንሱ እዩ፡ በሎም። ካብ ቅድሚ ፈርኦን ድማ ሰጐግዎምእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ምእንቲ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ግብጺ ኺድይብ እሞ፡ ንዅሉ ብቝሊ ምድርን ነቲ በረድ ዝሐደጎ ዅሉን ኪበልዕሲ ኣእዳውካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሕበሎሙሴ ኸኣ፡ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሔእግዚኣብሄር ድማ ኣብታ ምድሪ ብዅላ እታ መዓልቲ እቲኣን ብኵላ ለይትን ንፋስ ምብራቕ ኣምጽኤ። ምስ ወግሔ ድማ፡ እቲ ንፋስ ምብራቕ ኣንበጣ ኣምጽኤ። እቲ ኣንበጣ ኸኣ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ ደየበ፡ ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ረገፈ። ክንዳኡ ዝምብዛሑ ኣንበጣ ቕድሚኡ ኣይነበረንብድሕሪኡ ኸኣ ከምኡ ዝበለ ከቶ ኣይከውንን። ምድሪ ኽሳዕ እትጽልምት ንገጽ ኵላ ምድሪ ኸደና። ንዅሉ ብቝሊ ምድርን ነቲ በረድ ዝሐደጎ ዅሉ ፍረ ኦምን ድማ በልዖ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ገለ ለምለም ኣብ ኦም ወይ ኣብ ብቝሊ ግራት ኣይተረፈንሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ቀልጢፉ ጸዊዑንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንኣኻትኩምን በደልኩ። ሕጂ ግና እዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ፡ በጃኻ ሕደገለይ። እዚ ሞትዚ ጥራይ ኬርሕቐለይ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ለምኑ፡ በሎም። ካብ ፈርኦን ወጺኡ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ለመነእግዚኣብሄር ድማ ህቦብላ ንፋስ ምዕራብ መለሰ። ነቲ ኣንበጣ ገፊፉ ኸኣ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዮኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን

Translation | Context