Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

long hair


1ይ ቈረንቶስ 11:14 | 29 Helpful votes

ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:15 | 27 Helpful votes

ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ።

Translation | Context
መሳፍንቲ 13:5 | 9 Helpful votes

እንሆ ኸኣ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሐልፎን። ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 6:5 | 9 Helpful votes

ብዅለን መዓልታት መብጽዓ ናዝራዊነቱ መላጸ ናብ ርእሱ ኣይሕለፍ፡ እተን ንእግዚኣብሄር እተፈልየለን መዓልትታት ክሳዕ ዚመልኣቅዱስ ይኹንጸጕሪ ርእሱ ኸኣ የንውሕ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:1-34 | 7 Helpful votes

ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም አሎኹ። ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ። ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበንርእሱ የሕስርሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበትእዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቚራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዜነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረንስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ። ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎሰበይቲ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ። ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዚፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን። ግናኸ እዚ ኽእዝዝ ከሎኹ፡ ምእካብኩም ንዚገድድ እምበር፡ ንዚሐይሽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንእደኩምን እየ። ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኣብ ማሕበር ምስ ተኣከብኩምምፍልላይ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ እሰምዕ አሎኹ እሞ፡ ካብኡውን ከፊለ እኣምን እየ። እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግለጹስ፡ ኣብ ማእከልኩም ሻራ ኪኸውን ብግዲ ዜድሊ እዩ። ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር አሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሓደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነንእትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምንወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም፡ ነቶም ዜብሎምውን እተሕፍርዎም ዘለኹም፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ በዚዶ ኽንእደኩም፧ ኣይንእደኩምን እየ። ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎበለከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእሞቱ ትነግሩ ኢኹም። ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲኣይምተዀነናን ኔርናክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነንብጐይታ ንቕጻዕ አሎና። ስለዚኣሕዋተየንምብላዕ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ደኣ ተጸባበዩምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ገለ ሰብ እንተ ጠመየኣብ ቤቱ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩክሰርዖ እየ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 16:7 | 7 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 14:25-26 | 4 Helpful votes

ኣብ ብዘሎ እስስራኤል ድማ ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ውቃቤኡ ኣዝዩ እተናእደ ሰብ ኣይነበረንካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን። እቲ ጸጒሪ ርእሱ ድማ ይኸብዶ ነበረ እሞ፡ ቈረጾ። ኣብ ዐዓመት ከኣ እዩ ዚቘርጾ ዝነበረ፡ ምስ ቈረጾ ድማ ነቲ ጸጒሪ ርእሱ መዘኖብሚዛን ንጉስ ከኣ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ኰነ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:11 | 4 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎንኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት።

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 4:1-16 | 2 Helpful votes

እኔኺ፡ ኣቲ ፍትውተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ እኔኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጒልባብኪ ኸም ርግብታት እየን። ጸጒሪ ርእስኺ ኸም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ። ኣስናንኪ ኸም እተቘርጻ፡ ካብ ምሕጻብ ዝወጻ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ኲለን መኻን ዜብለን፡ መማንታኤን ድማ ዚወልዳ እዩ። ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እዩ፡ ኣፍኪ ጽቡቕ እዩ፡ መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጒልባብኪ ኸም ምቃል ሮማን እዩ። ክሳድኪ ኸም ንመቐመጥ ኣጽዋር እተሰርሔሽሕ ዋልታ፡ ኲላተን ዋላቱ ጀጋኑተሰቒልዋ ዘሎ ግምቢ ዳዊት እዩ። ክልቲኤን ኣጥባትኪ ኸም ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹሻን ዚጓሰያ ማንታ መሓስእ ሜዳቚ እየን። መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውልጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡ ኣነ ናብ ከረን ከርቤን ናብ ኲርባ ዕጣንን ክኸይድ እየ። ኣቲ ፍትውተየ፡ ኩለንተናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን። ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ኣቲ መርዓተይ፡ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ካብ ርእሲ ኣማናን ካብ ርእሲ ሰኒርን ሄርሞንን፡ ካብ ማሕደር ኣናብስን ካብ ኣኽራን ኣናብርን ጠምቲ። ኣቲ ሓብተይመርዓተየልበይ ዘረፍክኒ፡ ብሓንቲ ቘላሕታኽን ብሓንቲ ድሪ ኽሳድክን ልበይ ዘረፍክኒ። ፍቕርኺ ኽንደይ ይጽብቕ፡ ኣቲ ሓብተይመርዓተየ፡ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒመኣዛ ቕብኣትኺውን ካብ ኲሉ ቐመማት ይሐይሽመርዓተየ፡ ካብ ከናፍርኪ መዓር ወለላ የንጠብጥብመዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ አሎ፡ ሽቱ ኽዳውንትኺውን ከም ሽቱ ሊባኖስ እዩ። ኣቲ ሓብተይመርዓተየእተሸጐረ ገነትዕጽዊ ዔላሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ። ኣባኺ ዝበቘለት ገነት ሮማንን ክቡር ፍሬታትን ዕምባባ ሪሓንን ናርዶስንናርዶስ ሳፍራንን፡ ምኡዝ ወምብቆን ቅርፍትን፡ ምስኡውን በብዓይነቱ ኣእዋም ዕጣንከርበን ዓልወን ኲሉ ብሉጽ ቀመማትን ዘለዎ እያ። ናይ ገነት ዓይኒ ማይ፡ ናይ ማይ ህይወት ዔላ፡ ካብ ሊባኖስ ዚፈስስ ፈልፋሊት ኢኺ። ንፋስ ሰሜንተንስእ፡ ንፋስ ደቡብንዓ፡ ምኡዝ ጨናታቱ ምእንቲ ኼፍስስ፡ ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈሱፍትወይ ናብ ገነት ይምጻእ፡ ክቡር ፍሬታቱ ይብላዕ

Translation | Context