Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፡ ኪጽብቐልኩምውን ዕድሜኹም ድማ ኪነውሕ፡ በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኵላ መገዲ ኺዱ።
Translation | Contextነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።
Translation | Contextኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ። ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኸርሕቕ እየ። ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን። ፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ።
Translation | Contextንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።
Translation | Contextኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።
Translation | Contextኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፡ ኣብ ጸጋማ ኸኣ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ።
Translation | Contextእቲ ኣብታ ክትርስተይዋ እትሐልፍዋ ዘሎኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ እዚ እዩ። ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሐሉ።
Translation | Contextመዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፣ እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ፣ ቀልጢፉ ይሐልፍ፣ ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ፣ ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።
Translation | Contextጻድቕ ይመውት እሞ ዚሐስቦ የልቦን፡ እቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ከኣ ይምንጠሉ እሞ፡ እቲ ጻድቕ ካብ እከይ ከም እተኣርነበ ዜስተንትኖ የልቦን።
Translation | Context