Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

losing your salvation


እብራውያን 6:4-6 | 4 Helpful votes

ነቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሃሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡ እንተ ወደቑንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግሁዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከአሎምን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:28 | 3 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን

Translation | Context
ማቴዎስ 7:21-23 | 3 Helpful votes

ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይጐይታይዚብለኒ ዅሉመንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓትጐይታይጐይታይብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናንኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናንብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናንኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:24-26 | 2 Helpful votes

እቲ ጻድቕከ ኻብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፣ እንተ ኣበሳ እሞ ከምቲ ረሲእ ዚገብሮ ዅሉ ፍንፉን ነገር እንተ ገበረስ፣ ብህይወትዶ ኺነብር እዩ፡ ካብቲ ዝገበሮ ጽድቂ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከርን እያ። በቲ ዝጠለሞ ጥልመት በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ኪመውት እዩ። ንስኻትኩም ግና፣ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይክኰነን፣ ትብሉ አሎኹም። እምብኣርሲ፣ ኣቱም ቤት እስራኤልስምዑ፣ ካንዶ መገደይ እዩ ዘይቅኑዕዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን፡ ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ እሞ፣ እንተ ኣበሳ ብእኡ ኸኣ እንተ ሞተ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ እዩ ዚመውት

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:20-22 | 2 Helpful votes

ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን። ማለት፡ ንሳቶም እናፈለጥዋ ኻብቲ እተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሔሾም ነይሩከምቲ እቲ ምስላ ሓቂከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዚብሎ በጺሕዎም አሎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:28-29 | 2 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦንእቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዐቢ እዩካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን።

Translation | Context
እብራውያን 10:26-28 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብናፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበርደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን። እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:3-4 | 2 Helpful votes

ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎናከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:11-12 | 2 Helpful votes

እሙን ቃል እዩ፡ ምስኡ እንተ ሞትናስ፡ ምስኡ ኸኣ ብህይወት ክንነብር ኢና። እንተ ተዓገስናምስኡ ኸኣ ክንነግስ ኢና። እንተ ኸሐድናዮንሱውን ኪኽሕደና እዩ።

Translation | Context