Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

love the lord with all your heart


ማርቆስ 12:30 | 10 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 22:37 | 9 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ

Translation | Context
ሉቃስ 10:27 | 8 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:7 | 7 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐርዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 6:5 | 5 Helpful votes

ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ

Translation | Context
እያሱ 22:5 | 4 Helpful votes

ሓንትስ፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ክትገብሩንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎ፡ ብዅሉ መገድታቱ ኽትከዱ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕልዉ፡ ናብኡውን ክትለግቡ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ከኣ ከተገልግልዎኣዚኹም ተጠንቀቑ

Translation | Context
ዘዳግም 13:3 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዂሉ ልብኹምን ብዂሉ ነፍስኹምን እንተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:8 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 10:12 | 3 Helpful votes

ዎ እስራኤል፡ ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብዅሉ መገዱ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናብ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እግዚኣብሄር ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 7:2-3 | 3 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኣብ ቂርያት-የዓርም ካብ ዚቕመጥ ጊዜኡ ነውሔዕስራ ዓመት ኰነ። ብዘለዉ ቤት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣቢሎም ይቚዝሙ ነበሩ። ሳሙኤል ከኣ ንብዘላ ቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንት ዄንኩም፡ ጓኖት ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእከልኩም ኣርሕቑ፡ ልብኹም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ንእኡ ጥራይውን ኣምልኹ፡ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነኩም እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ

Translation | Context