Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

loving others


ዮሃንስ 13:34 | 19 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹምከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:19-21 | 13 Helpful votes

ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:3-4 | 9 Helpful votes

ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:7-21 | 7 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐርዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልናኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። ኣቱም ፍቁራተይኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርናኣምላኽ ኣባና ይነብርፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብርበዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ ኣቦ ንወዱ ምድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾንሕና ርኢና ንምስክርውን አሎና። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመንኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብርኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምእውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመትፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:11 | 6 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:43-48 | 6 Helpful votes

ብጻይካ ፍቶጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉንዚረግሙኹም መርቑውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩምተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑንነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩምኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ፍጹማት ኩኑ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:10-11 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። ኣቱም ፍቁራተይኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:13 | 4 Helpful votes

ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 10:12 | 4 Helpful votes

ጽልኢ ቈየቛ የልዕልፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ

Translation | Context
ያእቆብ 2:14-17 | 3 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብእምነት ኣላትኒእንተ በለግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱሙቑጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕምከምኡ ኸኣ እምነትግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1 | 3 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 22:37 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ

Translation | Context
ሚክያስ 6:8 | 2 Helpful votes

ኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካእግዚኣብሄርሲቅንዕና ኽትገብርምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:18 | 2 Helpful votes

ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 2 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ምሳሌ 17:17 | 2 Helpful votes

ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅርሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:8-9 | 2 Helpful votes

ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም። ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ

Translation | Context
ማቴዎስ 22:39 | 2 Helpful votes

እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።

Translation | Context