Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ አሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ።
Translation | Contextናብ መልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያውን ጽሐፍ፡ እቲ ኣሜን፡ እሙን ሓቀኛ ምስክር፡ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ አሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ፡ ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ። ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ አሎኹ። ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ። እንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ። ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።
Translation | Contextንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።
Translation | Contextምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ።
Translation | Contextንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን።
Translation | Contextካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፧ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።
Translation | Contextኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።
Translation | Contextምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።
Translation | Contextንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።
Translation | Contextንሰብከ ዅላ ዓለም ረቢሑስ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ትጠቕሞ፧ ወይስ ሰብ በጃነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ፧
Translation | Contextጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ።
Translation | Contextኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ። ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡
Translation | Contextምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧
Translation | Context