Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

making a difference


ማርቆስ 16:15 | 16 Helpful votes

በሎም ድማ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-10 | 13 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:13-16 | 12 Helpful votes

ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸብምንታይ ይምቅርብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ

Translation | Context
ሉቃስ 12:33-34 | 9 Helpful votes

ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:17-19 | 9 Helpful votes

ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞምገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:18-20 | 6 Helpful votes

የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:22 | 5 Helpful votes

ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:31-40 | 4 Helpful votes

ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻትንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒጸሚኤኣስቴኹምኒገይሸተቐበልኩምኒዐሪቀከደንኩምኒሐሚመበጻሕኩምኒተኣሲረመጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 1:1-24 | 4 Helpful votes

ጳውሎስብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስጢሞቴዎስ ሓውናውን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹንኣምላኽኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕንይባረኽበቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ። ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዐዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዐዝዝ እዩ። ግናኸ እንተ ጸበበና እኳ፡ ንምጽንናዕኩምን ምድሓንኩምን እዩ። እንተ ተጸናናዕና ድማ፡ ነቲ ንሕናውን እንስቀዮ ዘሎና ስቓይ ብትዕግስትኹም ዚጋደል ምጽንናዕኩም እዩ። ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ፡ ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀንኩም ፈሊጥናተስፋና ኣባካትኩም ጽንዕቲ እያ። ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደናክንሐብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና። ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ። ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚአክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ አሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር አሎና። ንስካትኩም ከኣ ብጸሎትኩም ትድግፉና አሎኹም። ከምኡውን ሳላ እቲ ብብዙሓት ሰባት ዝረኸብናዮ ውህበት ጸጋ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና ኼመስግኑ እዮም። ትምክሕትናብጥበብ ስጋ ዘይኰነስብጸጋ ኣምላኽ ከም እተመራሕና፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኣባካትኩምብቕድስና ኣምላኽን ንጽህናኡን ከም እተመላለስና፡ እዚ ናይ ሕሊናና ምስክር እዩ። ብዘይ እቲ እተንብብዎን ወይስ እተስተውዕልዎን ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብሓደ ወገኑ ኣስተውዒልኩምና ዘሎኹም፡ ከምኡውን ንስካትኩም ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ትምክሕትና ኸም እትዀኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ድማ ከም እተስተውዕልዎ፡ ተስፋ እገብር አሎኹ። ካዕበት ጸጋ ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸኣ፡ በዚ ተአሚነ ቕድም ናባኻትኩም ክመጽእ ደሌኹ፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ኸኣ ናብ መቄዶንያ ኽሐልፍከም ብሓድሽ ድማ ካብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ንስካትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ደሌኹ። እምብኣርሲ እዚ ምስሐስበኩብቕለት ደዀን ገይረዮ እኸውን፧ ወይስ ኣባይ፡ እወ፡ እወ ኣይኰነን ኣይኰነን፡ ምእንቲ ኪኸውንሲእቲ ዝመኽሮ ደዀን ከም ስጋ ገይረ መኺረዮ ዀይነ፧ እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽየሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እዩ እምበር፡ እወን ኣይኰነንን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነንን፡ ኣይነበረን። ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብኡ እወ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ኣሜን እዩ። ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበና ኣምላኽ ንሱ እዩ። ግናኸ እቲ ናብ ቈረንቶስ ገና ዘይምምጽኤይ ምእንቲ ንምስክር ኢለ ኸም ዝዀንኩኣምላኽ ንምስክር ኣብ ነፍሰይ እጽውዕ አሎኹ። ብእምነት ቌምኩም አሎኹም እሞ፡ ደገፍቲ ሓጐሰኹም ደኣ ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን

Translation | Context
ቈሎሴ 4:2-18 | 4 Helpful votes

ጸሎት ኣዘውትሩብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ። እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲረ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲምዝራቡ ኸም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኽገልጾኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩጊዜ እናዓደግኩምምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን። ጥኪቆስእቲ ፍቁር ሓውን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መዓይይተይንከመይ ኢለ ኸም ዘሎኹ፡ ኬፍልጠኩም እዩ። ብዛዕባ ህልዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹምውን ኬህድእን እየ ንእኡ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ። ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝዀነ እሙንን ፍቁርን ሓውና ኦኔሲሞስ ሰዲደዮ አሎኹ። ንሳቶም ብናይ ነጀው ዘበለ ዅሉ ኺነግሩኹም እዮም። እቲ ምሳይ እተማረኸ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም አሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ትእዛዝ እተቐበልኩም ማርቆስወዲ ሓዉ ኣቦኡ ንበርናባስ፡ ናባኻትኩም እንተ መጸ ኸኣ፡ ተቐበልዎዮስጦስ ዚብሃል የሱስውንንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳይ ዜገልግሉ ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ ዘለዉ ሰብ ግዝረትእዚኣቶም ጥራይ እዮም። እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎት ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም አሎ። ንሱ ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ኣብ ሂራጶሊስን ዘለውን ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዘለዎእምስክረሉ አሎኹ። ሉቃስ፡ እቲ ፍቁር ሓኪምን ዴማስን ሰላም ይብሉኹም አለዉ። ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን ንኒምፋስን ነታ ኣብ ቤቱ ዘላ ማሕበርን ሰላም በልዎም። እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣባኻትኩም ምስ ተነበት፡ ኣብ ማሕበር ሎዲቅያ ኸኣ ከም እትንበብ፡ ነታ ኻብ ሎዲቅያ እትመጽእ ንስኻትኩምውን ከም እተንብብዋ ግበሩ። ንኣርኪጶስ ድማ፡ ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ፡ በልዎ። እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ፡ እዩ። መቐውሔይ ዘክሩጸጋ ምሳካትኩም ይኹን። ኣሜን

Translation | Context