Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

man and woman


ዘዳግም 22:5 | 14 Helpful votes

ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፡ ሰብኣይ ከኣ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:11-15 | 10 Helpful votes

ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃርኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበርክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለንሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። ብእምነት ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 8 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:1-22 | 6 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩበኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹንቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲንሰብኡተን እናተኣዘዛከምዚ እየን እተሰለማከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክንብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲኣዋልዳ ኢኽን። ኣቱም ሰብኡትጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገትከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወንከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩመወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦምእትዳናገጹሕውነት እተፍቅሩለዋሃትትሑታት ኩኑ፡ ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊልሳኑ ኻብ ክፉእከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበርንሰላም ይድለያ ይስዐባውን። ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዚገበረኩምስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውንንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን። ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹምክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎምትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየትእታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደትማለት ሾሞንተ ነፍሲብማይ ዝደሐናላነቶም ቀደም ዘይአመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉማለት ጥምቀትየድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ።

Translation | Context
እብራውያን 13:4 | 5 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:24 | 4 Helpful votes

ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:1-7 | 4 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩበኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹንቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲንሰብኡተን እናተኣዘዛከምዚ እየን እተሰለማከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክንብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲኣዋልዳ ኢኽን። ኣቱም ሰብኡትጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገትከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወንከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:11 | 4 Helpful votes

ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:33 | 4 Helpful votes

ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራእታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ

Translation | Context
ማርቆስ 7:20-23 | 3 Helpful votes

በለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝርስርቂቅትለትዝሙትስስዔክፍኣትጕርሒቅለትቅንኣትጸርፊኵርዓትዕሽነትእዚ ዅሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእንሰብ ከኣ የርክሶ

Translation | Context
ኤፌሶን 5:22-33 | 3 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦምከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንናክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራእታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ

Translation | Context
ገላትያ 3:28 | 3 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:4-5 | 3 Helpful votes

መሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:16 | 3 Helpful votes

ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላ

Translation | Context
ሚልክያስ 2:15 | 2 Helpful votes

ሓደዶ ኣይኰነን ነዚ ዝገበረ፧ ንሱውን ዕዙዝ መንፈስ ነበሮ። እቲ ሓደኸ ስለምታይ እዩ ነዚ ገበሮ፧ ዘርኢ ኣምላኽ ስለ ዝደለየ እዩ። እምበኣርሲ መንፈስኩም ሐልዉ፡ ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይጥለም

Translation | Context
መዝሙር 133:1 | 2 Helpful votes

እንሆ፣ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ፣ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:11-14 | 2 Helpful votes

ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃርኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበርክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለንሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:16-19 | 2 Helpful votes

ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላንኣዳም ከኣ፡ ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ እሞ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። እሾዅን ተዀርባን ተብቁለልካብቝሊ መሮር ድማ ኽትበልዕ ኢኻ። ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስእንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ፡ በሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:3 | 2 Helpful votes

ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:9 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:1-2 | 2 Helpful votes

ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም። ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:1-4 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ።

Translation | Context