Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ እዩ።
Translation | Contextሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።
Translation | Contextስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦም።
Translation | Contextስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡
Translation | Contextምስ እስስሳ ዚድቅስ ኵሉ ሞት ይሙት።
Translation | Contextዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡ መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኲሩዓት፡ ተዘሃርቲ፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ አለዉ እምበር፡ ዚገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ በሎም ከኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብጺ ኣይትግበሩ። ከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ሃገር ከነአን ድማ ኣይትግበሩ፡ ብስርዓቶምውን ኣይትመላለሱ። ብእኡ ኽትመላለሱ ፍርድታተይ ግበሩ፡ ሕጋጋተይ ከኣ ሐልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ሐልዉ፡ እቲ ዚገብሮ ሰብ ብእኡ ህያው ይኸውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሓደ ሰብ እኳ ቀረባ ዘመዱ ናብ ዘበለት ሕፍረታ ኪቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት ኣዴኻን ኣይትቕላዕ፡ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ኣቦኻ እዩ። ሕፍረት ሓብትኻ ኣይትቕላዕ፡ ጓል ኣቦካ ወይ ጓል ኣዴኻ፡ ኣብ ቤት እተወልደት ወይ ኣብ ግዳም እተወልደት፡ ሕፍረት ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ጓል ወድኻ ወይ ጓል ጓልካ፡ ሕፍረትካ እዩ እሞ፡ ሕፍረተን ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ፡ ካብ ኣቦኻ እተወልደት ሓብትኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ኣሞኻ ኣይትቕላዕ፡ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ፡ ቀረባ ዘመድ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረት ሓትኖኻ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፡ ናብ ሰበይቱ ኣይትቕረብ፡ ሓብቲ ኣቦኻ እያ። ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕ፡ ሰበይቲ ወድኻ እያ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ሓውካ እዩ። ሕፍረት ሰበይትን ጓላን ኣይትቕላዕ፡ ጓል ወዳ ወይ ጓል ጓላ ድማ ሕፍረታ ንምቕላዕ ኣይትውሰድ፡ ንሳተን ቀረባ ዘመድ እየን እሞ፡ ገበን እዩ። ብህይወታ ኸላ ሕፍረታ ብምቕላዕ ከተቕንኣ ሰበይቲ ምስናይ ሓብታ ኣይተእቱ። ሰበይቲ ብጻግኒአ ረኺሳ ኸላ፡ ሕፍረታ ኽትቀልዕ ኣይትቕረባ። ሰበይቲ ብጻይካ፡ ብእኣ ኸይትረክስ፡ ብስጋ ምስኣ ንምርኻብ ኣይትደቅስ። ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ እዩ። ብእኣ ኸይትረክስ፡ ምስ ገለ እንስሳ ብስጋ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፡ እዚ ጉድ ነገር እዩ። እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዚ ዂሉ ረኺሶም እዮም እሞ፡ በዚ ዂሉ ኣይትርከሱ። እታ ምድሪ በዚ ረኸሰት፡ ኣነ ኸኣ ሓጢኣታ ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ፡ እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዚነብርዋ ኽትተፍኦም እያ። ንስኻትኩም ግና ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ሐልዉ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓና፡ ካብ ኲሉ እዚ ጽያፍ እዚ ገለ ኣይትግበሩ። እዚ ዂሉ ጽያፍ እቶም ቅድሜኹም ኣብአ ዝነበሩ ሰብ እታ ሃገር ገይሮምዎ እዮም እሞ፡ እታ ምድሪ ረኸሰት። እታ ምድሪ ምስ ኣርከስኩምዋ፡ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበርዋ ህዝቢ ኸም ዝተፍኣቶም፡ ንኣኻትኩም ድማ ከይትተፍኣኩም። ካብዚ ዂሉ ጽያፍ እዚ ዝገበረ ዘበለ፡ እተን ዝገበራ ነፍሳት ካብ መንጎ ህዝበን ኪምንቈሳ እየን። እቲ ቕድሜኹም ዚገብርዎ ዝነበሩ ርኹስ ስርዓታት ከይትገብሩ፡ ብእኡ ኸኣ ከይትረኽሱ፡ እቲ ኽትሕልውዎ ኢለ ዝአዘዝኩኹም ሐልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕ፡ ሰበይቲ ወድኻ እያ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ሓውካ እዩ። ሕፍረት ሰበይትን ጓላን ኣይትቕላዕ፡ ጓል ወዳ ወይ ጓል ጓላ ድማ ሕፍረታ ንምቕላዕ ኣይትውሰድ፡ ንሳተን ቀረባ ዘመድ እየን እሞ፡ ገበን እዩ። ብህይወታ ኸላ ሕፍረታ ብምቕላዕ ከተቕንኣ ሰበይቲ ምስናይ ሓብታ ኣይተእቱ። ሰበይቲ ብጻግኒአ ረኺሳ ኸላ፡ ሕፍረታ ኽትቀልዕ ኣይትቕረባ። ሰበይቲ ብጻይካ፡ ብእኣ ኸይትረክስ፡ ብስጋ ምስኣ ንምርኻብ ኣይትደቅስ። ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ እዩ። ብእኣ ኸይትረክስ፡ ምስ ገለ እንስሳ ብስጋ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፡ እዚ ጉድ ነገር እዩ። እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዚ ዂሉ ረኺሶም እዮም እሞ፡ በዚ ዂሉ ኣይትርከሱ።
Translation | Contextስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።
Translation | Context