Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

marital sex


1ይ ቈረንቶስ 7:1-40 | 18 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል አሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነንኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ። ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩጽቡቕ እዩእብል አሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ። ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ። ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል አሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮምሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወትኣይፍትሓያሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢወይስ ኣታ ሰብኣይንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ። ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ። ግዙር ክነሱ እተጸውዔዶ አሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዔኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘርምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዚጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉንዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸዋዓሉ ጽውዓ ይንበርባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካኣይትጒሄሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔባርያ ክርስቶስ እዩ። ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበርብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩሓሳባይ እብል አሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኺነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። ግናኸ እንተ ተመርዖኻሓጢኣት ኣይገበርካንድንግልውን እንተ ተመርዓወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም አሎኹ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር አሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ። እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዓወትስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበርመፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑዝደለየ ይግበርሓጢኣት የብሉንንሰብኣይ ይሃባ። ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔግዲ ዘይኰኖኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብርሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:9 | 8 Helpful votes

ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ

Translation | Context
እብራውያን 13:4 | 7 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18 | 5 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።

Translation | Context
ምሳሌ 5:15-19 | 5 Helpful votes

ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደኣ፡ ካብቲ ዚፍልፍል ምንጭኻ ደኣ ስተምንጭኻ ንወጻኢርባታትካስ ናብ ኣደባባያትዶ ይፈስስ አሎ እዩ፡ ንኣኻ ጥራይ ይኹን፡ ጓኖት ኣይካፈሉኻምንጭኻ ይባረኽበታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:24 | 4 Helpful votes

ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:3-5 | 4 Helpful votes

ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:4-8 | 4 Helpful votes

ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡

Translation | Context
ማቴዎስ 5:28 | 4 Helpful votes

ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 7:6-12 | 3 Helpful votes

ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ቀርሜሎስ እዩጸጒሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፡ ንጉስ ብቚኖኺ ተኣሰረ። ኣቲ ፍቕረይ፡ ክንደይ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣብ ማእከል ደስታስ ክንደይ ትፍተዊ እዚ ቚመትኪ ስየ፡ ኣጥባትኪ ድማ ዘለላ ወይኒ ይመስልኣብ ስየ ኽድይብ፡ ጨናፍራ ኸኣ ክሕዝ እየበልኩ። ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒጨና እስትንፋስኪ ኸኣ ከም ትርንጒ ይኹነለይ፡ ኣፍኪ ኸም ናብ ፍትወይ ወሪዱስናብተን ዚድቅሳ ኸናፍር ዜንሸትት ጥዑም ወይኒ ይኹነለይ። ኣነ ናይ ፍትወይ እየ፡ ሃረርታኡ ኸኣ ናባይ እዩ። ኣታ ፍትወየ፡ ናብ መሮር ንውጻእኣብ ዓድታት ንሕደር

Translation | Context
ኤፌሶን 5:33 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራእታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ

Translation | Context
ገላትያ 5:16 | 3 Helpful votes

ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:2 | 2 Helpful votes

ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ።

Translation | Context
ዘዳግም 22:28-29 | 2 Helpful votes

ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ዘይተሐጽየት ድንግል ጓል እንተ ረከበ እሞ ሒዙ እንተ ደቀሳ፡ እንተ ተረኽቡ ኸኣ፡ እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ ነቦ እታ ጓል ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦኣነዊርዋ እዩ እሞ፡ ሰበይቱ ትዅንብዅሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን

Translation | Context
ምሳሌ 3:27 | 2 Helpful votes

ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከኣላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9-11 | 2 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱኣመንዝራታትወይ መምለኽቲ ጣኦትዘመውቲወይ ሕንቁቓትወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲወይ ስሱዓትወይ ሰካራትወይ ተጻረፍቲወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:28 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ባረኾምኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋንንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡበሎም

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:4 | 2 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብርምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብርሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9 | 2 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱኣመንዝራታትወይ መምለኽቲ ጣኦትዘመውቲወይ ሕንቁቓትወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡

Translation | Context
ዘሌዋውያን 15:16-18 | 2 Helpful votes

ሰብኣይ ካብ ዘርኡ እንተ ወጾ ድማ ብዘሎ ስጋኡ ብማይ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹንእቲ ዘርኢ እተኻዕዎ ኽዳውንትን ማእስን ኲሉ ብማይ ይተሐጸብክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹንሰበይቲ ድማ ሰብኣይ ብምኽዓው ዘርኢ እንተ ደቀሳ፡ ክልቲኦም ብማይ ይተሐጸቡክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹሳት ይኹኑ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:25 | 2 Helpful votes

እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ኣይሓንኩን ከኣ ነበሩ።

Translation | Context