Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

marriage in heaven


ማቴዎስ 22:30 | 30 Helpful votes

ኣብ ትንሳኤስ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዮም እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን

Translation | Context
ሉቃስ 20:34-36 | 23 Helpful votes

የሱስ ከኣ በሎም፥ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ የእትዉን የተኣታትዉን እዮም። እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዚበቕዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምኳኖም ውሉድ ኣምላኽ እዮምከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑውን፡ ድሕርዚ ኺሞቱ ኣይከአሎምን እዩ፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም።

Translation | Context
ማርቆስ 12:22-25 | 14 Helpful votes

ሾብዓቲኦም ከኣ ሓድጊ ኣይሐደጉንድሕሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተትሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ምስ ተንስኡስሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ የሱስ ከኣ፥ መጻሕፍቲ ዀነ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰንኩምን እትስሕቱ ዘሎኹም፧ ካብ ምዉታት ምስ ተንስኡስከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት እዮም ዚዀኑ እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም

Translation | Context
ማቴዎስ 22:23-30 | 9 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ትንሳኤ የልቦንዚብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጹ። ከምዚ ኢሎም ድማ ሐተትዎ፡ መምህርሙሴሰብኣይ ውሉድ ከይሐደገ እንተ ሞተ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ፡ ነቲ ሓዉ ኸኣ ዘርኢ የቑመሉበለ። ኣባናኸስ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ዓብዪ ሰበይቲ ምስ ኣእተወሞተውሉድ ኣይነበሮን እሞ፡ ነታ ሰበይቱ ንሓዉ ሐደጋከምኡ ኸኣ ኻልኣይ፡ እቲ ሳልሳይውን፡ ክሳዕ እቲ ሳብዓይድሕሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተትኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ኻብዞም ሾብዓተ እዚኣቶ፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ የሱስ መለሰ በሎምውንመጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ አሎኹም። ኣብ ትንሳኤስ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዮም እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን

Translation | Context
ሮሜ 7:2 | 9 Helpful votes

ሰበይቲሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ።

Translation | Context
ሮሜ 7:1-25 | 6 Helpful votes

ወይስ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ሕጊ ዚፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ምሉእ ዕድሜኡ ሕጊ ኸም ዚመልኮዶኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሰበይቲሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ። እምብኣርሲ ሰብኣያ ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነትዘማዊት እያ እትብሀል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጺኣ እያ እሞ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ኣይዘማዊትን እያ። ኣሕዋተየከምኡ፡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽትፈሪንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም። ኣብ ንብረት ስጋ ኸሎናንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈሪ ብሕጊ ተናቓኒቑ፡ ኣብ ኣካላትና ትምኒት ሓጢኣት ይዓዪ ነበረ። ሕጂ ግና ብኣረጊት ንብረት ፊዴል ዘይኰነስብሓዳስ ንብረት መንፈስ ክንግዛእካብቲ ሒዙና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና። እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። እቲ ሕጊ፡ ኣይትመነእንተ ዘይብልሲንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት ብትእዛዝ ምኽንያት ወሲዱትምኒት ዘበለ ኣለዓዐለለይቀደም ብዘይ ሕጊ ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩሓጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሐተኒ ብእኡውን ቀተለኒ እሞ፡ እቲ ንህይወት እተዋህበ ትእዛዝ ንኣይ ንሞት ኰይኑኒ ረኸብክዎእምብኣርሲ እቲ ሕጊ ቅዱስ እዩ፡ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ። እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንኣይ ሞት ዝዀነኒያእ ኣይፋሉንሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ እምበር፡ ሓጢኣት በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ካብ ዜምጽእ፡ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ሓጢኣት ብትእዛዝ ገይሩ ኣዝዩ ሓጢኣት ኪኸውን እዩ። ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ አሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እሰምር አሎኹ። ስለዚ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። ፍቓድሲ አሎኒምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ አሎኹ እሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ፡ ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዜልቦእፈልጥ አሎኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እምብኣርሲ ኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:9 | 3 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:7-8 | 2 Helpful votes

ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ። ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩጽቡቕ እዩእብል አሎኹ።

Translation | Context