Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት ኪሰርሑሉ ልኡኻትን ኦም ጽሕድን ነደቕትን ጸረብትን ሰደደሉ።
Translation | Contextንነደቕትን ንወቐርቲ እምንን ንምዕዳግ ኣእዋምን ውቑር እምንን ንምጽጋን እቲ ፍራሳት ቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን፡ ንምጽጋን እታ ቤት ዝወጸ ዂሉ ድማ ይህብዎም ነበሩ፡
Translation | Contextሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።
Translation | Contextነታ ሰማዒት እዝንን፡ ነታ ረኣዪት ዓይንንሲ፡ ንኽልቲኤን እግዚኣብሄር እዩ ዝገበረን።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።
Translation | Contextከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም።
Translation | Contextብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።
Translation | Contextነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፣ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ።
Translation | Contextካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ አሎ። እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ።
Translation | Context