Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ። ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዂሎም ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ።
Translation | Contextድማ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት፡ ንኣኻ ሾብዓተ ሳዕ ሾብዓተ ዓመት ጌርካ ቚጸር፡ ዘበን እቲ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ። ሽዑ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ መለኸት ንፋሕ፡ ብመዓልቲ ዕርቂ ኣብ ብዘላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ። ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ። ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዂሎም ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ። እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ኣይትዝርኡ፡ እቲ ባሊጉ ኣብኣ ዝበቘለ ኸኣ ኣይትዕጸዱ፡ እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ። እዚኣ ዓመት እልልታ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ካብ ግራት ዝአተወ ብልዑ።
Translation | Contextንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ። ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ። ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ኪሀንጹ፡ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኬቚሙ፡ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝዐነዋ ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም። ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሴታትኩም ኪጓስዩ፡ መጻእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም። ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሄር ክትስመዩ ኢኹም፡ ሰብ ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብለኩም እዩ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ ብኽብሮም ድማ ክትከብሩ ኢኹም። ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡ፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና ኤፍቅሮ፡ ንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ እሞ፡ ኢዶም ብሓቂ ኽፈድዮም፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ምስኦም ክኣቱ እየ። ዘርኦም ድማ ኣብ ኣህዛብ፡ ትውልዶም ከኣ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ኪኸውን እዩ። እቶም ዚርእይዎም ኲሎም እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ኪፈልጡ እዮም። ከምቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ዝደፍኤ መርዓዊ፡ ከምታ ብስልማት እተሰለመት መርዓት፡ እግዚኣብሄር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒ፡ ብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስ፡ ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ አሎ። ከምቲ ምድሪ ብቋልያኣ እተውጽእ፡ ከምቲ ኣታኽልቲ ኸኣ ዘርኡ ዜብቊል ከምኡውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ኣህዛብ ጽድቅን ምስጋናን ኬብቊል እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ኣብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ አቶኹም፡ እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ተብዕል። ሹድሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ ሹድሽተ ዓመት ከኣ ወይንኻ ጠጥፍ፡ ፍሬኣ ድማ ኣክብ። በታ ሳብዐይቲ፡ ዓመት ግና ነታ ምድሪ ሰንበት ዕርርፍቲ፡ ሰንበት እግዚኣብሄር ይኹን፡ ግራትካ ኣይትዝራእ ወይንኻውን ኣይትጠጥፍ። ባልጋ ቐሪምካ ኣይትዕጸድ፡ እቲ ኸይጠጠፍካዮ ዝፈረየ ኣስካል ወይንኻ ድማ ኣይትቐንጥብ። ነታ ምድሪ ዓመት ሰንበት ዕረፍቲ ይኹን። ሰንበት እታ ምድሪ ንኣኻን ንግዙእካን ንግዝእትኻን ንወዓላይካን ነቲ ምሳኻ ዚነብር ስደተኛን ምግብኹም ይኹን። ኲሉ ፍሬኣ ንማልካን ኣብ ምድርኻ ንዘለዉ እንስሳን ቀለብ ይኹን። ድማ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት፡ ንኣኻ ሾብዓተ ሳዕ ሾብዓተ ዓመት ጌርካ ቚጸር፡ ዘበን እቲ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ። ሽዑ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ መለኸት ንፋሕ፡ ብመዓልቲ ዕርቂ ኣብ ብዘላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ። ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ። ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዂሎም ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ። እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ኣይትዝርኡ፡ እቲ ባሊጉ ኣብኣ ዝበቘለ ኸኣ ኣይትዕጸዱ፡ እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ። እዚኣ ዓመት እልልታ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ካብ ግራት ዝአተወ ብልዑ። በዛ ዓመት እልልታ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ። ገለ ንብጻይካ እንተ ሸጥካሉ፡ ወይ ካብ ኢድ ብጻይካ ገለ እንተ ተሻይጥካ፡ ሓደ እኳ ንሓዉ ኣይዐምጽ። ብቚጽሪ ዓመታት ድሕሪ ዓመት እልልታ ኻብ ብጻይካ ተሻየጥ፡ ንሱ ድማ ብቚጽሪ ዓመታት ፍሬኡ ይሽጠልካ። ብቚጽሪ ዓመታት ፍረ እዩ ዚሸጠልካ እሞ፡ ብመጠን ምብዛሕ ዓመታት ዋጋ ኣብዝሕ፡ ብመጠን ምውሓድ ዓመታት ድማ ዋጋ ኣውሕድ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይዐምጽ፡ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ። ሕጋጋተይ ግበሩ ፍርድታተይውን ሐልዉን ግበርዎን። ኣብታ ሃገር ድማ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም። እታ ምድሪ ኸኣ ፍሬኣ ትህብ እሞ፡ በሊዕኩም ትጸግቡ። ኣብኣውን ብህድኣት ትነብሩ። እንሆ፡ ኣይዘራእናን ፍረ ድማ ኣየእቶናን፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ደኣ እንታይ ክንበልዕ ኢና፡ እንተ በልኩም፡ ሽዑ በታ ሳድሰይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፡ ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን ፍረ ኸኣ ከተፍርየልኩም እያ። በታ ሳምነይቲ ዓመት ድማ ክትዘርኡ ኢኹም፡ ካብ ነባር እኽሊ ከኣ ክትበልዑ ኢኹም። ክሳዕ እታ ታስዐይቲ ዓመት፡ ፍሬኣ ኽሳዕ ዚአቱ፡ እቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም። ምድሪ ናተይ እያ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፡ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ርስትኹም፡ እታ ምድሪ ብዋጋ ተበጀውዋ። ሓውካ እንተ ተሸገረ እሞ ካብ ርስቱ ገለ እንተሸጠ፡ እቲ ዚቐርቦ ዘመዱ መጺኡ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ይበጀዎ። ዚብጀዎ ዘመድ እንተ ዜብሉ፡ ንሱ ግና ኢዱ እንተ መልኣሉ፡ ንምብጃው ዚአክልውን እንተ ረኸበ፡ እተን እተሸጠትለን ዓመታት ይቚጸር፡ እቲ ዝተረፎ ነቲ እተሻየጠ ሂቡ፡ ናብ ርስቱ ይምለስ። ንመምለሲኡ ዚአክል ኣብ ኢዱ እንተ ዘይረኸበ ግና፡ እቲ እተሸጠ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ኣብ ኢድ ተሻያጢኡ ይጽናሕ። በታ ዓመት እልልታ ሓራ ይውጻእ፡ ንሱ ድማ ናብ ርስቱ ይመለስ። ሰብ ኣብ እተዐርደት ከተማ ዘላ ቤት እንተ ሸጠ፡ እታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትመልእ ይበጀዋ፡ ጊዜ ምብጃዋ ዓመት ምሉእ ይኹን። ክሳዕ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይተበጀወት ከኣ፡ እታ ኣብ እተዐርደት ከተማ ዘላ ቤት ንሓዋሩ ነቲ እተሻየጣ ንውሉድ ወለዶኡ ትኹን፡ ብዓመት እልልታ ሓራ ኣይትወጽእን። ኣብ ዙርያኤን ቀጽሪ ኣብ ዜብለን ዓድታት ዘለዋ ኣባይቲ ግና ምስ ግራውቲ ሃገር ይተሐሰባ፡ በጃ ይውሀበን፡ ብዓመት እልልታ ድማ ሓራ ይውጽኣ። ብዛዕባ ኸተማታት ሌዋውያን ግና ነተን ኣብ ከተማታት ርስቶም ዘለዋ ኣባይቲ ኺብጀውወን፡ ንሌዋውያን ናይ ዘለኣለም ስርዓት ይኹን። እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ ኸኣ፡ ንሳተን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቶም እየን እሞ፡ ሓደ ኻብ ሌዋውያን እንተ ተበጀወ፡ ሽዑ እታ እተሸጠት ቤትን እታ ናይ ርስቱ ኸተማን ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኣ። ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘላ ግራት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ርስቶም እያ እሞ፡ ኣይትሸየጥ። ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድ። ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፡ ሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበር። ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦ፡ እኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ። ኣምላኽ ክዀነኩምን ምድሪ ኸነኣን ክህበኩምን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ሓውካ ድማ ምሳኻ ኸሎ እንተ ደኸየ፡ ርእሱ ኸኣ እንተ ሸጠልካ፡ ከም ባርያ ጌርካ ኣይትግዝኣዮ፡ ከም በዓል ዓስብን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ክሳዕ ዓመት እልልታ የገልግልካ። ሽዑ ንሱ፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ካባኻ ሓራ ይውጻእ እሞ፡ ናብ ዓሌቱ ይመለስ፡ ናብ ርስቲ ኣቦታቱ ኸኣ ይመለስ። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም እሞ፡ ባርያ ኸም ዚሽየጥ ኣይሸየጡ። ኣበርቲዕካ ኣይትግዝኣዮ፡ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ። ንኣኻ ዚዀኑ ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ግና ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ህዝብታት፡ ካባታቶም ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ተሻየጡ። ካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዚነብሩ ጓኖት፡ ካባታቶምን ኣብ ሃገርኩም ካብ እተወልዱ ዓሌቶምን ተሻየጡ፡ ጥሪት ይኹኑኹም። ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፡ ብኣታቶም ንዘለኣለም ክትግልገሉ ኢኹም። ብናይ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ንሓዉ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ። ጓና ወይ ምሳኻ ዘሎ ጸጋዕተኛ እንተ ሀብተመ፡ ሓደ ሓውካ ኸኣ ምስኡ ኸሎ እንተ ደኸየ እሞ ንርእሱ ኣብቲ ምሳኻ ዚነብር ጓና፡ ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ዓሌት ጓና እንተ ሸጠ፡ ድሕሪ ምሻጡ ይበጀውዎ፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይበጀዎ። ሓው ኣቦኡ ወይ ወዲ ሓው ኣቦኡ ይበጀዎ፡ ወይ ካብ ዓሌቱ፡ ካብ ዘመድ ስጋኡ ሓደ ይበጀዎ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ረኸበ፡ ንርእሱ ይበጀዋ። ካብታ እተሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት እልልታ ምስቲ እተሻየጦ ዀይኑ ይጸብጽብ፡ እቲ ዋጋ መሸጣኡ ብመጠን ቊጽሪ ዓመታት ይኹን፡ ከም መጠን መዓልትታት ወዓላይ ምስኡ ይኹን። ገና ብዙሕ ዓመታት እንተሎ፡ ብእኤን መጠን ዋጋ መበጀዊኡ ኻብቲ ገንዘብ መሸጣኡ ይምለስ። ክሳዕ ዓመት እልልታ ቕሩብ ዓመታት ተሪፉ እንተሎ፡ ምስኡ ጸብጺቡ ኸም መጠን ዓመታቱ ዋጋ መበጀዊኡ ይምለስ። ከም ዓሰባ ዓመት ንዓመት ምስኡ ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ። በዚ እንተ ዘይተበጀወ ኸኣ፡ ንሱ ደቁ ኸኣ ምስኡ ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኡ። ደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextበዛ ዓመት እልልታ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ።
Translation | Contextሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።
Translation | Contextድማ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት፡ ንኣኻ ሾብዓተ ሳዕ ሾብዓተ ዓመት ጌርካ ቚጸር፡ ዘበን እቲ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ።
Translation | Contextንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡
Translation | Contextእምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ።
Translation | Contextበታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ድኻ ህዝብኻ ምእንቲ ኺበልዓ፡ ትዕረፍ ሕደጋ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕካን ድማ ከምኡ ግበር።
Translation | Contextጸላእተይ እንተ ዘይተዐወተለይ፣ በዚ ንስኻ ኸም ዝበሀግካኒ እፈልጥ አሎኹ።
Translation | Contextደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ አላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም። ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ። ንስኻትኩምውን፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ቀደም ብእኡ ትመላለሱ ኔርኩም። ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባርን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን። እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ። ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ። ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም። ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ። ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ኣቱም ሰብኡት፡ ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን። ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም። ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ፡ ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራህኩም ተኣዘዝዎም። ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም። እቲ ዝዓመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፡ ኣድልዎ ገጽውን የብሉን።
Translation | Contextስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተገልጸሉ፡ በሎውን፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ነዛ ቦታ እዚኣውን ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ንኣይ ሐርየያ አሎኹ። ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዐጾኽዎ፡ ነንበጣውን ንምድሪ ኺበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፡ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፡ እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ። ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ፡ ኣእዛነይውን ጽን ኪብላ እየን። ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘለኣለም ኣብኣ ኪኸውን፡ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኲሉጊዜ ኣብኣ ኪዀና ሐርየያን ቀዲሰያን አሎኹ። ንስኻ ድማ ከምቲ ዂሉ ዝኣዘዝኩኻ ኽትገብር፡ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ ጌርካ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላለስካ፡ ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት፡ ኣብ እስራኤል ዚገዝእ ሰብ ኣይኪሰኣንካን እዩ፡ ኢለ ኺዳን ዝኣቶኹሉ፡ ንዝፋን መንግስትኻ ኸጽንዖ እየ። ንስኻትኩም ግና ተመሊስኩም ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን እንተ ሐደግኩምዎ፡ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን፡ ሽዑ ኻብዛ ዝሀብክዎም ምድረይ ክምንቊሶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየ፡ ኣብ መንጎ ዂሎም ህዝብታት ድማ መመሰልን መድረፍን ክገብራ እየ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። ከምቲ ጽሑፍ፡ ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሃንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ። ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ። ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸተኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም። ክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ኬጽንዖስ፡ ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ፡ እብል አሎኹ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ። ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን እዝምር አሎኹ፡ ዚብል፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ። ከም ብሓድሽውን፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሐጐሱ፡ ይብል። መሊሱ ኸኣ፡ ኲላትኩም ኣህዛብ፡ ንጐይታ ኣመስግንዎ፡ ብዘለዉ ህዝብታትውን ይወድስዎ፡ ይብል። ኢሳይያስ ድማ ደጊሙ፡ እቲ ሱር እሴይ ኪኸውን እዩ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ኪገዝእ ዚትንስእ፡ ብእኡውን ኣህዛብ ተስፋ ኺገብሩ እዮም፡ ይብል። ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም። ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምሲ ብጽቡቕ ነገር ምሉኣት ምዃንኩም ብልጠት ዘበለ ዂሉ ኸም ዝመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም ምምዕዓድውን ከም ዚዀነልኩም፡ ኣነ ባዕለይ ተረዲኤዮ አሎኹ። ግናኸ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሰ ምስዋእ ኣህዛብ ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ ብወንጌል ኣምላኽ እናኣገልገልኩ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ነህዛብ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ጸጋ ኸም ዘዘክረኩም ኰይነ፡ ብሓደ ወገን ኣዝየ ደፊረ ጸሐፍኩልኩም። እምብኣርሲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፡ ብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፡ ንምእዛዝ ኣህዛብ፡ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዘይገበሮስ ክዛረበሉ እኳ ኣይደፍርን እየ እሞ፡ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምከሓሉ አሎኒ። ከምዚ ኻብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ። ከምቲ፡ ብእኡ ዘይተነግረሎም ኪርእይዎ እዮም፡ እቶም ዘይሰምዑውን ኬስተብህሉ እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሃንጽሲ፡ ኣብቲ ክርስቶስ እተሰምየሉ ዘበለ፡ ወንጌል ከይሰብኽ፡ ክብረተይ ገይረዮ አሎኹ። ስለዚ ኸኣ ናባኻትኩም ካብ ምምጻእ ብዙሕ ሳዕ ተኸልከልኩ። ሕጂ ግና ኣብዚ ሃገር እዚ ስፍራ ስለ ዜብለይ፡ ናባኻትኩም ምምጻእውን ካብ ብዙሕ ዓመታት ሒዘ ስለ ዝናፈቕኩ፡ ንስጳንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ክሐልፍ ከሎኹ ኽርእየኩም፡ ቅድም ቅሩብ ብምርኣይኩም ምስ ጸገብኩ፡ ካብኡ ንንየው ድማ ብኣኻትኩም ክስነ ተስፋ እገብር አሎኹ። ሕጂ ግና መቄዶንያን ኣካይያን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ናይ ቅዱሳን ድኻታት ገንዘብ ኬዋጽኡ ፈትዮም ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ቅዱሳን እናኣገልገልኩ ናብ የሩሳሌም እኸይድ አሎኹ። ሰሚሮምዎ እዮም እሞ፡ ሰብ ኢዶምውን እዩም። ካብቲ መንፈሳዊ ርካቦም እቶም ኣህዛብ ካብ ተማቐሉስ፡ ንሳቶም ድማ በቲ ንስጋኦም ዜድሊ ኼገልግልዎም፡ ዚግባእ እዩ። እምብኣርሲ እዚ ምስ ወዳእኩ፡ እዚ ፍረ እዚውን ምስ ሐተምኩሎም፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ንስጳንያ ክኸይድ እየ። በቲ ናባኻትኩም ምምጻኤይ ከኣ ብምልኣት በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመጻእኩ፡ እፈልጥ አሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ካብቶም ኣብ ኣይሁድ ዘለዉ ዘይኣምኑ ኽድሕን፡ ኣገልግሎተይ ንየሩሳሌምውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ኪኸውን፡ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዓርፍሲ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ብሓጐስ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም አሎኹ። ኣምላኽ ሰላም ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።
Translation | Contextንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።
Translation | Context