Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ወሰነ ወሰን እዚ ርባ በዝን በትን ኵሉ ኦኣይነት ፈራዪ ኣእዋም ኪበቍል እዩ። ኣቍጽልቱ ኣይኪጽምሉን፣ ፍሬኡውን ኣይኪውዳእን እዩ። ማያቱ ካብቲ መቕደስ እዩ ዚፍልፍል እሞ፣ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኺፈሪ፣ ፍሬታቱ ንምግቢ፣ ኣቍጽልቱ ድማ ንመድሓኒት ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextኢሳይያስ ግና፡ ጽባጥ በለስ ገይሮም፡ ነቲ ዝሐበጠ ይለብጥዎ እሞ ኪሐዊ እዩ፡ ኢሉ ነበረ።
Translation | Contextሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።
Translation | Contextደጊም ስለ ኽብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ።
Translation | Contextየሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን።
Translation | Contextናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮ።
Translation | Contextንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣
Translation | Contextዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን፧ ፈዋሲዶኸ ኣብኡ የልቦን እዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ቚስሊ ጓል ህዝበይ ተሰፈፉ ዘይሐዊ፧
Translation | Contextእታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ።
Translation | Contextንሱ የቚስልን ይዘንንን፡ ንሱ ይወቅዕ ኣእዳው የሕውያ።
Translation | Contextኣቲ ድንግል ጓል ግብጺ፡ ናብ ጊልኣድ ድይቢ፡ ቅዲት ከኣ ውሰዲ። ንኸንቱ ኣፋውስ ተብዝሒ ኣሎኺ፡ ኣየሕውየክን እዩ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ።
Translation | Contextምስኡ ድማ ኸደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ሰዐብዎ፡ ይደፍእዎውን ነበሩ። ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኵሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን። ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬዅ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ አላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ተንከየት። ብኡብኡ ዓይኒ ደማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማማ ከም ዝሐወየት ከኣ ንነፍሳ ተፈለጣ።
Translation | Contextተመለስ እሞ ንህዝቅያስ፡ ነቲ መስፍን ህዝበይ፡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ንብዓትካ ርእየ፡ እኔኹ፡ ከሕውየካ እየ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ። ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ አሎኹ፡ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከኣ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላ እየ። ኢሳይያስ ድማ፡ ጐጎ በለስ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኣምጺኦም ከኣ ኣብቲ ቚስሊ ገበረሉ እሞ፡ ሐወየ። ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ እግዚኣብሄር ከም ዘሕወየንን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብከ፡ ምልክቱ እንታይ እዩ፧ በሎ።
Translation | Contextንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፣ ነቚሳሎም ይዘንን።
Translation | Contextክትስፈፊ ኢሉ፡ ነገርኪ ዚጣበቐልኪ የልቦን፡ ዜሕዊ ፈውሲ ከኣ የብልክን።
Translation | Context