Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን።
Translation | Contextሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ምስ ተሳገረ፡ እግዚኣብሄር ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካብ ህዝቢ ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ንኣኻትኩም ውሰዱ፡ ካብዚ ኻብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቘማላ ቦታ፡ ንኣኻትኩም ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዒልኩም ምሳኻትኩም ናብ ማዕዶ ተማልእዎ። ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎ፡ ኢልኩም ከኣ ኣዝዝዎም። ሽዑ እያሱ ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ዓሰተው ክልተ ሰብኣይ ኣዳልዩዎም ዝነበረ ጸውዖም። እያሱ ድማ በሎም፡ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእከል ዮርዳኖስ ሕለፉ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ፡ ብቚጽሪ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ ሓሓንቲ እምኒ ኣብ መመንኩብኩምን ኣልዕሉ። እዚ ኣብ ማእከልኩም ንምልክት ኪኸውን እዩ፡ ደቕኹም ብዚመጽእ ጊዜ፡ እዚ ኣእማን እዚ ንምንታይ እዩ፧ ኢሎም ምስ ዚጥይቑኹም፡ ሽዑ ንስኻትኩም፡ ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዘቋረጸ፡ ብዮርዳኖስ ክሳገር ከሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ኣቋረጸ፡ እሞ እዚ ኣእማን እዚ ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም ንመዘከርታ እዩ፡ ትብልዎም። ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ እያሱ ዝኣዘዞም ከምኡ ገበሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝበሎ ድማ፡ ብቚጽሪ ነገዳት ደቂ እስራኤል ካብ ማእከል ዮርዳኖስ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዐሉ፡ ናብቲ ዝሓድሩሉ ድማ ምስኦም ተማልእዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣንበርዎ። እያሱ ድማ ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ዝቘማላ ቦታ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣቘመ። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብኣ አሎ።
Translation | Contextንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም። ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፣ ካብ አእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም።
Translation | Contextእቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።
Translation | Contextከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ።
Translation | Contextሙሴ ድማ ንህዝቢ በለ፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ካብኣ ኣውጺኡኩም እዩ እሞ፡ ነዛ ኻብ ግብጺ ኻብ ባርነት ዝወጻእኩምላ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፡ ብዅዕ ከኣ ኣይበላዕ።
Translation | Contextከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም።
Translation | Contextቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።
Translation | Context