Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

memorial day


ዮሃንስ 15:13 | 39 Helpful votes

ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን

Translation | Context
ዮሃንስ 14:27 | 9 Helpful votes

ሰላም እሐድገልኩምሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነንልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን

Translation | Context
እያሱ 4:1-9 | 7 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ምስ ተሳገረእግዚኣብሄር ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካብ ህዝቢ ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ንኣኻትኩም ውሰዱ፡ ካብዚ ኻብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቘማላ ቦታ፡ ንኣኻትኩም ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዒልኩም ምሳኻትኩም ናብ ማዕዶ ተማልእዎ። ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎኢልኩም ከኣ ኣዝዝዎም። ሽዑ እያሱ ነቶም ካብ ደቂ እስራኤልከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይዓሰተው ክልተ ሰብኣይ ኣዳልዩዎም ዝነበረ ጸውዖምእያሱ ድማ በሎምቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእከል ዮርዳኖስ ሕለፉነፍሲ ወከፍኩም ከኣ፡ ብቚጽሪ ነገድ ደቂ እስራኤልሓሓንቲ እምኒ ኣብ መመንኩብኩምን ኣልዕሉ። እዚ ኣብ ማእከልኩም ንምልክት ኪኸውን እዩ፡ ደቕኹም ብዚመጽእ ጊዜ፡ እዚ ኣእማን እዚ ንምንታይ እዩ፧ ኢሎም ምስ ዚጥይቑኹም፡ ሽዑ ንስኻትኩም፡ ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዘቋረጸ፡ ብዮርዳኖስ ክሳገር ከሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ኣቋረጸ፡ እሞ እዚ ኣእማን እዚ ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም ንመዘከርታ እዩ፡ ትብልዎምደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ እያሱ ዝኣዘዞም ከምኡ ገበሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝበሎ ድማ፡ ብቚጽሪ ነገዳት ደቂ እስራኤል ካብ ማእከል ዮርዳኖስ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዐሉ፡ ናብቲ ዝሓድሩሉ ድማ ምስኦም ተማልእዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣንበርዎእያሱ ድማ ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ዝቘማላ ቦታ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣቘመክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብኣ አሎ።

Translation | Context
መዝሙር 82:3-4 | 5 Helpful votes

ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎምንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም። ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፣ ካብ አእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:11 | 5 Helpful votes

እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:3 | 5 Helpful votes

ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ።

Translation | Context
ዘጸአት 13:3 | 4 Helpful votes

ሙሴ ድማ ንህዝቢ በለእግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ካብኣ ኣውጺኡኩም እዩ እሞ፡ ነዛ ኻብ ግብጺ ኻብ ባርነት ዝወጻእኩምላ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋብዅዕ ከኣ ኣይበላዕ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:22 | 4 Helpful votes

ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም።

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 4 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስንመንፈስንመፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context