Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ወሰነ ወሰን ጸጒሪ ርእስኹም ኣይትቚረጹ፡ ወሰነ ወሰን ጭሕምኻውን ኣይትቚረጽ።
Translation | Contextወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔ፡ ሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧
Translation | Contextነቲ ጸጕሪ ርእሶምሲ በብሓጺሩ ደኣ ኪቘርጽዎ እዮም እምበር፣ ርእሶም ኣይኪላጽዩን፣ ጸጕሮም ድማ ኣይኬነሑን እዮም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ናዝራዊ ኪኸውን ንእግዚኣብሄር ኪፍለ እንተ ተመባጽዔ፡ ካብ ወይንን ካብ ዜስክር መስተን ይፈለ፡ ዝመጸጸ ወይኒ ዀነ ወይ ዝመጸጸ ዜስክር መስተ ኣይስተ፡ ገለ ኻብ ወይኒ እተጸምቈ ኣይስተ፡ ካብ ወይኒ ድማ ብሰዊቱ ዀነ ወይ ብንቚጹ ኣይብላዕ። ብዅለን መዓልትታት ናዝራዊነቱ ፍሬኡ ዀነ ገፈሉ ዀነ፡ ገለ ኻብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ። ብዅለን መዓልታት መብጽዓ ናዝራዊነቱ መላጸ ናብ ርእሱ ኣይሕለፍ፡ እተን ንእግዚኣብሄር እተፈልየለን መዓልትታት ክሳዕ ዚመልኣ፡ ቅዱስ ይኹን፡ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ የንውሕ። በተን ንእግዚኣብሄር እተፈልየለን ኲለን መዓልትታት ናብ ምዉት ሰብ ኣይእቶ። ናዝራዊነቱ ንኣምላኽ ኣብ ርእሱ እዩ እሞ፡ በቦኡን በዲኡን ብሓዉን ብሓብቱን ብሞቶም ኣይርከስ። ብዅለን መዓልትታት ናዝራዊነቱ ንሱ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ። ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተ እሞ ርእሲ ናዝራዊነቱ እንተረኸሰ፡ በታ ዚነጽሃላ መዓልቲ ርእሱ ይላጺ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ይላጽዮ። ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ናኣሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን የምጽእ። እቲ ኻህን ድማ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ይሰውእ። ካብቲ በቲ ምዉት ዝገበሮ ሓጢኣት የተዐርቆ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ርእሱ ይቐድስ። መዓልትታት ናዝራዊነቱ ንእግዚኣብሄር ይፍለ፡ ንመስዋእቲ በደል ድማ ገንሸል ዓመት የምጽእ። እቲ ናዝራዊነቱ ስለ ዝረኸሰ፡ እተን ቀዳሞት መዓልትታት ከንቱ ዀና። ሕጊ ናዝራዊ ኸኣ እዚ እዩ፡ መዓልትታት ናዝራዊነቱ ምስ መልአ፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የምጽእዎ። መስዋእቱ ድማ ንዚሐርር መስዋእቲ ጐደሎ ዜብሉ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ጐደሎ ዜብላ ሽበን ዓመት፡ ንመስዋእቲ ምስጋናውን ጐደሎ ዜብሉ ድዑል፡ ሓደ መሶብ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዔ፡ ዘይበዅዔ ቕጫታትን፡ ዘይቲ እተለኸየ ዘይበዅዔ ረቀቕቲ ቕጫታትን ምስኡ ኸኣ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። እቲ ኻህን ከኣ ናብ ቅድሚ እግዚብሄር የቕርቦ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣቱን ንዚሐርር መስዋእቱን ይሰውኣዮ። ነቲ ድዑል ድማ ምስቲ ዘይበዅዔ መሶብ እንጌራ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ይሰውኣዮ። እቲ ኻህን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ከኣ ይሰውእ። እቲ ናዝራዊ ድማ ነቲ ርእሲ ናዝራዊነቱ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ይላጽዮ። ነቲ ጸጕሪ ርእሲ ናዝራዊነቱ ወሲዱ ኸኣ ናብቲ ትሕቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘሎ ሓዊ የእትዎ። ነቲ ናዝራዊነቱ ምስ ላጸየ ድማ፡ እቲ ኻህን ነታ ዝበሰለት ኢድ ድዑል ይውሰድ። ካብቲ መሶብ ከኣ ሓደ ዘይበዅዔ ቕጫን ሓደ ዘይበዅዔ ረቂቕ ቅጫን ገይሩ ኣብ ኢድ እቲ ናዝራዊ የንብር። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምውዝዋዝ ይወዝውዞ። እዚ ምስቲ ዚውዝወዝ ሓኸለን ዚለዐል እግርን ነቲ ኻህን ይቀደስ። ድሕርዚ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ይስተ። ብጀካ እቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሕጊ እቲ እተመባጽዔ ናዝራውን ናይ ናዝራዊነት መስዋእቱ ንእግዚኣብሄርን እዚ እዩ። ከምቲ ሕጊ ናዝራዊነቱ፡ ከምቲ እተመባጽዖ መብጾዓ ኸምኡ ይግበር። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ባርኽዎም፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሐሉኻን። እግዚኣብሄር ገጹ የብርሃልካ፡ ጸጋ ኸኣ ይሀብካ። እግዚኣብሄር ገጹ ይምለሰልካ፡ ሰላም ድማ ይሀብካ። ከምዚ ገይሮም ስመይ ኣብ ደቂ እስራኤል የንብሩ፡ ኣነ ከኣ ክባርኾም እየ።
Translation | Contextርእሶም ላጽዮም ኣየብርሑ፡ ወሰነ ወሰነ ጭሕሞም ድማ ኣይላጽዩ፡ ኣብ ስጋኦም ከኣ ብጣሕ ኣይብጥሑ።
Translation | Contextሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም አሎኹ። ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ። ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር። ሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበት፡ እዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቚራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዜነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን። ስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ። ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎ፡ ሰበይቲ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔ፡ ሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ። ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዚፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ነቲ ዘቘጥዖ ወለዶ ደርብይዎን ወጊድውን እዩ እሞ፡ ጸጒሪ ርእስኺ ቘሪጽኪ ደርብዪ፡ ኣብ በረኽቲ ደዪብኪ ድማ ዋይዋይ በሊ።
Translation | Contextሽዑ ሓኑን ንገላዉ ዳዊት ወሲዱ፡ ፈፈረቓ ጭሕሞም ድማ ላጽዩ፡ ፈረቓ ኽዳውንቶም ከኣ ከክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም።
Translation | Contextጳውሎስ ግና ድሕርዚ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቶም ኣሕዋት ተሳናበተ። መብጽዓ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ክንክሬኣ ርእሱ ምስ ተላጸየ ኸኣ፡ ምስ ጵርስኪላን ኣኪላስን ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ።
Translation | Contextስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ።
Translation | Contextንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።
Translation | Contextእቲ ጸጒሪ ርእሱ ድማ ይኸብዶ ነበረ እሞ፡ ቈረጾ። ኣብ ዐዓመት ከኣ እዩ ዚቘርጾ ዝነበረ፡ ምስ ቈረጾ ድማ ነቲ ጸጒሪ ርእሱ መዘኖ፡ ብሚዛን ንጉስ ከኣ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ኰነ።
Translation | Context