Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

men of valor


እያሱ 8:1-35 | 10 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱኣይትፍራህኣይትሸበርተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ውሰድተንስእ እሞ ናብ ዓይ ደይብርኤ፡ ኣነ ንንጉስ ዓይን ንህዝቡን ከተማኡን ሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ አሎኹ። ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮንዓይን ንንጉሳን ድማ ክትገብር ኢኻጥራይ ምርኮኣን ከብታን ንኣኻትኩም ማርኹብድሕሪ እታ ኸተማ ድብቕ ግበር፡ በሎ። እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ናብ ዓይ ኪድይብ ተንስኤ። እያሱ ድማ ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሐርዩ ብለይቲ ሰዶዶም። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞምርአዩ፡ ነታ ኸተማብድሕሪ እታ ኸተማ፡ ደብቑላካብታ ኸተማ ኣዚኹም ኣይትርሐቑ። ኵልኹም ከኣ እተዳሎኹም ኩኑ። ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ድማ፡ ናብታ ኸተማ ኽንቀርብ ኢና። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ኪቐባበሉና ምስ ወጹ፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሀድም ኢና። ሽዑ፡ ከምቲ ቐዳማይ ካብ ቅድሜና ይሀድሙ አለዉ፡ ኪብሉ እዮም እሞ፡ ወጺኦም ኪስዕቡናስ፡ ካብታ ኸተማ ኽሳዕ እንስሕቦም፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሀድም ኢና። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንእኣ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም፡ ድማ ካብቲ እተደበቕኩምሉ ተንሲእኩምነታ ኸተማ ሓዝዋ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነታ ኸተማ ምስ ሐዝኩምዋብሓዊ ተኵስዋከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ግበሩእንሆኣዚዘኩም አሎኹ። እያሱ ድማ ሰደዶም፡ ናብቲ ዚድበቑሉ፡ ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይንከይዶም ከኣ ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ዓይ ተቐመጡእያሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ህዝቢ ሐደረንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ህዝቢ ቘጺሩ ኸኣ፡ ንሱ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ናብ ዓይ ደየበ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ድማ ደየበቀሪቦም ከኣ ናብ መንጽር እታ ኸተማ መጺኦምበብሴሜን ዓይ ሰፈሩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዓይን ከኣ ለሰ ነበረኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ወሲዱኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ድብቕ ኣንበሮም። ንብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ድቡቓቱን ከምኡ ኣስፈርዎምእያሱ ከኣ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእከል እቲ ለሰ ኸደ። ኰነ ኸኣ፡ ንጉስ ዓይ እዚ ምስ ረአየሰብ እታ ኸተማ ቐልጢፎም ኣንጊሆም ተንስኡ እሞ፡ ንሱን ህዝቡንብጊዜኡ ንእስራኤል ንውግእ ኪቃባበልዎም፡ ናብ ቅድሚ እቲ ጐልጐል ወጹብድሕሪ እታ ኸተማ ደቢቖምሉ ኸም ዘለዉ ግና ኣይፈለጠን ነበረ። እያሱን ብዘለዉ እስራኤልን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኦም ከም እተሳዕሩብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ሀደሙ። ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢኪሰጕዎም ብኣውያት ተአከቡንእያሱ ድማ ሰጐጕዎካብታ ኸተማ ኸኣ ተሳሕቡኣብ ዓይኒ ኣብ ቤት-ኤልን ደድሕሪ እስራኤልን ኪስዕብ ዘይወጸ ሰብ ኣይተረፈን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሐዲጎምዋ፡ ደድሕሪ እስራኤል ሰዐቡእግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንዓይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዅናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮበሎ። እያሱ ከኣ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዅናት ናብ ከተማ ኣቢሉ ዘርግሖ። እቶም ተደቢቖም ዝነበሩ ድማ፡ ንሱ ኢዱ ምስ ዘርግሓቀልጢፎም ካብ ስፍራኦም ተንስኡ እሞ ጐይዮም ናብታ ኸተማ ኣተዉ ሐዝዋ ኸኣ፡ ቀልጢፎም ድማ ብሓዊ ተኰስዋ። እቶም ሰብ ዓይ ንድሕሪኦም ግልጽ እንተ በሉ፡ እንሆ ኸኣ፡ ትኪ እታ ኸተማ ንሰማይ ኪድይብ ረአዩ፡ ሽዑ ናብዚ ዀነ ናብቲ ኺሀድሙ ኽእለት ኣይነበሮምን፡ እቶም ንበረኻ ኣቢሎም ዝሀደሙ ህዝቢ ከኣ ናብቶም ሰጐጕቶም ኣቢሎም ተመልሱእያሱን ብዘለዉ እስራኤልን፡ እቶም ድቡቓት ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝደየበ ምስ ረአዩተመልሱ እሞ፡ ንሰብ ዓይ ቀተልዎምእቲኣቶም ከኣ ኪቀባበልዎም ካብ ከተማ ወጹ። ሽዑ እዚኣቶም በዚ፡ እቲኣቶም ከኣ በቲ፡ ኣብ ማእከል እስራኤል ኰኑ። ንሳቶም ድማሓደ እኳ ኸየትረፉን ከየምለቑንቀተልዎምንንጉስ ዓይ ከኣ ብህይወቱ ኸሎ ሒዞም፡ ናብ እያሱ ኣምጽእዎ። ኰነ ኸኣ፡ እስራኤል ነቶም ኵሎም ሰብ ዓይ ኣብቲ ዚሰጕዎም ዝነበሩ፡ ኣብ ግራውቲ ኣብ በረካ ቐቲሎም ምስ ወድኡ፡ ንሳቶም ክሳዕ ዚወድኡ ኸኣ ኵሎም ብስሕለት ሴፍ ምስ ወደቑ፡ ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ዓይ ተመልሱ እሞ፡ ንእኣ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ። እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዘወደቑ ዅሎም፡ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን ኵሎም ሰብ ዓይዓሰርተው ክልተ ሽሕ ኰኑ። እያሱ ድማ፡ ንብዘለዉ ሰብ ዓይ ክሳዕ ዜጥፍኦም፡ ነታ ዅናት ዝዘርሔት ኢዱ ኣይመለሳንእስራኤልከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝአዘዞከብትን ምርኮ እታ ኸተማ እቲኣን ጥራይ ማሪኾም ወሰዱእያሱ ኸኣ ንዓይ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ዑና ዅምራ ዘለኣለም ገበራንንጉስ ዓይ ድማ ክሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎጸሓይ ምስ ዐረበት ከኣ፡ እያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ኦም ኬውርድዎ ኣዘዘ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። ሽዑ እያሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ከረን ዔባል መሰውኢ ሰርሓሉ። ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ዝኣዘዞም፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸኣ ተጽሒፉ ዘሎመሰውኢ ኻብ ዘይተወቕረሓጺን ዘይተከዮ ኣእማን፡ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉመስዋእቲ ምስጋናውን ሰውኡ። እቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝጸሐፎ ሕጊ፡ ንሱ ኸኣ ከምኡ ኣብቲ ኣእማን ጸሐፎ። ድማ ኵሉ እስራኤልን ዓብይቱን መኳንንቱን ፈረዱንጓና ከም ወዲ ዓዲንታቦት በዝን በትን ኣብ መንጽር እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያን ካህናት፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ኪባረኹ ቕድም ዝአዘዞምፍርቆም ብሸነኽ ከረን ጌሪዚም፡ ፍርቆም ከኣ ብሸነኽ ከረን ዔባል ቈሙድሕርዚ ንብዘሎ ቓላት ሕጊ፡ ነቲ በረኸትን መርገምን፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ ኣንበቦ፡ ካብቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ እያሱ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን ኣንስትን ሕጻናትን ኣብ ማእከሎም ዝኸዱ ጓኖትን ዘይንበቦ ቓል ኣይነበረን

Translation | Context
መሳፍንቲ 6:12 | 6 Helpful votes

ንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣታ ሓያል ጅግና እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፡ ከኣ በሎ

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 12:8 | 4 Helpful votes

ገለ ኻብ ጋዳውያን ከኣ ዓልዮም ናብ ዳዊት ኣብቲ እምባ ኣብ በረኻ መጹ፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ንውግእ ዕሉማትብዋልታን ኲናትን እተሰለፉ ሰባትገጾም ከኣ ንገጽ ኣናብስ ይመስሉ፡ ከም ሶስሓ ድማ ኣብ ኣኽራን ቅልጡፋት ነበሩ፡

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:9-10 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነትቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩምሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:7 | 3 Helpful votes

ኣቱም ሰብኡትጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገትከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወንከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ

Translation | Context
መሳፍንቲ 11:1-12 | 3 Helpful votes

ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ድማ፡ ንሱ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲሓያል ጅግና ነበረ ጊልዓድ ንይፍታሕ ወለደሰበይቲ ጊልዓድ ድማ ኣወዳት ወለደትሉደቂ እታ ሰበይቱ ምስ ዐበዩ ኸኣ፡ ንይፍታሕ፡ ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትወርስን ኢኻ፡ ኢሎም ሰጐጕዎ። ሽዑ ይፍታሕ ካብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ጦብ ከኣ ተቐመጠ። ናብ ይፍታሕ ድማ ከንቱታት ሰባት ተአከቡ፡ ምስኡ ኸኣ ወጹድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ኸኣ ኰነ፡ ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ተዋግኡ። እቶም ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ኸለዉ፡ እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ ካብ ምድሪ ጦብ ኬምጽእዎ ኸዱንይፍታሕ ከኣ፡ ንዓ ሐለቓና ኹን እሞ ምስ ደቂ ዓሞን ክንዋጋእበልዎይፍታሕ ድማ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን ጸሊእኩምንስ፡ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጐጕኩምኒ፧ ሕጂ ደኣ እንተ ጸበበኩም ከመይ ናባይ ትመጹበሎም። እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፡ ምሳና ኼድካ ንደቂ ዓሞን ክትዋጋእ እሞ ንዅልና ሰብ ጊልዓድ ሓለቓና ኽትከውን፡ ስለዚ ኢና ሕጂ ናባኻ እተመለስናበልዎይፍታሕ ከኣ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ምስ ደቂ ዓሞን ክዋጋእ እንተ መለስኩምኒእግዚኣብሄርውን ንኣታቶም ኣብ ኢደይ እንተ ሀበኒ፡ ሽዑ ኣነዶ ሐለቓኹም ክኸውን እየ፧ በሎም። እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕከም ዘረባኻ እንተ ዘይገበርና፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሰማዒ ይኹን፡ በልዎ። ሽዑ ይፍታሕ ምስቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ከደ፡ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ሓለቓን ፈራድን ገበርዎ። ይፍታሕ ድማ ኵሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ሚጽጳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዛረበይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን፡ ናባይ መጺእካ ንሃገረይ እትዋግኣስ፡ ምሳይ እንታይ አሎካ፧ ኪብልዎ ልኡኻት ሰደደሉ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 25:5-6 | 2 Helpful votes

ኣማስያ ድማ ንይሁዳ ኣኪቡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ደው ኣበሎም፡ ንብዘላ ይሁዳን ብንያምን መምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ከኣ ሰርዖም። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዘለዉ ቘጸሮምኲናትን ዋልታን ሒዞም ናብ ውግእ ዚወጹ ዘበሉ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብኡት ከም ዝዀኑ ረኸቦምብሚእቲ ታለንት ብሩር ገይሩ፡ ካብ እስራኤል ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ተኻረየ

Translation | Context
መዝሙር 144:1 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር እምባይነእዳወይ ውግእነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረይባረኽ

Translation | Context
ዮሃንስ 1:1-51 | 2 Helpful votes

ቃል ብመጀመርታ ነበረእቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረእቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረእዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦንህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህጸልማት ግና ኣይሐዞንዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረንእቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረኣብ ዓለም ነበረዓለምውን ብእኡ ዀነትዓለም ግና ኣይፈለጠቶንናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎንነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ስጋ ዀነጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤናዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረእቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልናሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦንእቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲንሱ ኣግሃዶኣይሁድንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎንሱ ኸኣኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻኣይኰንኩንኢሉ መለሰሎምሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብልበልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስከምቲ ነብዪ ኢሳይያስመገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑዝበሎኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎምእቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእንሱ እዩኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ። እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞእንሆሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽበለ። እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩዮሃንስ ድማመንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹኢሉ መስከረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፥ እቲመንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎንኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞእንሆገንሸል ኣምላኽበለ። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖምንየሱስ ሰዓብዎየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩእንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢትርጉሙ መምህርኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በልዎ። ንሱ፥ ንዑ ርኣዩበሎምመጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረትካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞንመሲህክርስቶስ ዝትርጉሙረኺብናዮበሎናብ የሱስውን ኣምጽኦየሱስ ከኣ ጠሚትዎንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ - ጴጥሮስ ዝትርጉሙክትብሃል ኢኻበሎንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞስዓበኒበሎፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ-ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉየሱስወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬትረኺብናዮበሎናትናኤል ድማካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎፊልጶስውንንዓ ርኤበሎየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮብዛዕባኡእንሆጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊበለናትናኤልኣበይ ትፈልጠኒበሎየሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይ ጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካኢሉ መለሰሉናትናኤል ድማረቢንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻኢሉ መለሰሉየሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱመላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።

Translation | Context
ራእይ 12:7-11 | 2 Helpful votes

ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎምኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየመላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን

Translation | Context