Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን።
Translation | Contextሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።
Translation | Contextካብ ወልዶ ንወለዶ ግብርታትካ ይንእዱ፣ ስልጡን ተግባርካውን የውርዩ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶም፡ ብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪ፡ ኣብቲ ደሓር ኪግለጽ ዘልዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም አሎኹ፡ ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣቱም መንእሰይ፡ ከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዐጠቑ።
Translation | Contextንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።
Translation | Contextእዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከአሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሃቦም።
Translation | Contextነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፣ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።
Translation | Contextዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ። ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ።
Translation | Contextምኽፋት ቃልካ የብርህ፣ ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ።
Translation | Contextንጠቢብ ትምህርቲ ሀቦ እሞ ወሲኹ ኺጠብብ፡ ንጻድቕ ምሀሮ እሞ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።
Translation | Contextከምዚ፡ ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም፡ ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር፡ ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን፡ ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና።
Translation | Contextእተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡
Translation | Contextተንሲኡ ኸኣ ከደ። እንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኪሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ። ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ። መንፈስ ከኣ ንፊልጶስ፡ ሕለፍ፡ ናብቲ ሰረገላ ቕረብ፡ በሎ። ፊልጶስ ናብኡ ጐየየ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ኬንብብ ሰምዖ እሞ፡ እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧ በለ። ንፊልጶስ ከኣ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ።
Translation | Contextእቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ።
Translation | Contextከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።
Translation | Contextምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመላለስ ግና ሕሱም ይኸውን።
Translation | Contextኣቱም መንእሰይ፡ ከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዐጠቑ። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
Translation | Contextእቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።
Translation | Contextስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።
Translation | Context