Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

milk


1ይ ጴጥሮስ 2:2 | 11 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ

Translation | Context
እብራውያን 5:12 | 9 Helpful votes

ከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:2 | 8 Helpful votes

ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹምዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎንሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧

Translation | Context
እብራውያን 5:13 | 6 Helpful votes

ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 6:10 | 5 Helpful votes

እቶም ሰባት ከኣ ከምኡ ገበሩክልተ ዜጥብዋ ላም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ቘረንወን፡ ነተን ኣባትየን ድማ ኣብ ቤት ዐጸዉወን

Translation | Context
ኤርምያስ 11:5 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ በሎም፡ ከምቲ ሎም ዀይንዎ ዘሎ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ክህበኩም እየ፡ ኢለ ነቦታትኩም ዝመሐልክዎ ማሕላ ምእንቲ ኸጽንዕ፡ ነቲ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ፡ ካብ እቶን ሓጎዶ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ድምጸይ ስምዑዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኸኣ ግበሩ፡ ሽዑ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኰኑ፡ ኣነውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ኢሉ ዝኣዘዝክዎም ቃል ኪዳን ዘይሰምዕ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነ ድማ፡ ኣሜን ጐይታይኢለ መለስኩ

Translation | Context
እብራውያን 5:11-14 | 4 Helpful votes

ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር እንብሎ ነይሩናስንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ትርጉሙ ጭንቂ እዩ። ከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:7 | 4 Helpful votes

ኣየናይ ዓቀይታይ እዩ ገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ ዚኽተል፧ ወይኒ ተኺሉስ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን እዩ፧ ወይስ እናጓሰየ ኻብተን ዚጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰቲ መን እዩ፧

Translation | Context
ዘፍጥረት 18:8 | 4 Helpful votes

ርግኦን ጻልጣን እቲ ዘዳለዎ ብተይን ገይሩ ድማ ኣቕረበሎም። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ በልዑ

Translation | Context
መሳፍንቲ 4:19 | 4 Helpful votes

ንሱ ድማ፡ ጸሚኤ እየ እሞ፡ በጃኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒበላ። ንሳ ኸኣ ሓርቢ ጸባ ፈቲሓ ኣስተየቶ ኸደነቶውን

Translation | Context
ምሳሌ 27:27 | 3 Helpful votes

ጸባ ኣጣል ንምግብኻን ንምግቢ ስድራኻን ንቐለብ ኣግራድኻን ኪኣክል እዩ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 6:7 | 3 Helpful votes

ሕጂ ኸኣ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኩምኣርዑት ዘይተሰቕለንዜጥብዋ ኽልተ ላም ውሰዱ እሞ፡ ነተን ኣሓ ኣብቲ ሰረገላ ቚረንወን፡ ነተን ኣባትየን ከኣ ካብ ድሕሪኤን ናብ ቤት ምለስወን

Translation | Context
ዘጸአት 13:5 | 3 Helpful votes

ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ኸነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ፡ ንኣኻ ኺህበካ ኢሉ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ሽዑ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ሓልዎ

Translation | Context
ምሳሌ 30:33 | 2 Helpful votes

ርጕኦ እንተ ተሐቝነልኻይ የውጽእኣፍንጫ እንተ ተወቕዔደም የውጽእ፡ ከምኡ ኸኣ ኵራ ዚቕስቅስ ባእሲ የልዕል እዩ እሞ፡ ርእስኻ ልዕል ኣቢልካ ዕሽነት እንተ ገበርካ፡ ወይስ እከይ እንተ ሐሰብካ፡ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 13:27 | 2 Helpful votes

ከምዚ ኢሎም ድማ ኣዘንተዉሉናብታ ዝሰደድካና ሃገር በጻሕና፡ ብሓቂ ኸኣ ንሳ ጸባን መዓርን እተውሕዝ እያ፡ ፍሬኣ ኸኣ እዚ እዩ

Translation | Context
ኤርምያስ 32:22 | 2 Helpful votes

እታ ጸባን መዓርን እተውሕዝነቦታቶም ክትህባ ዝመሐልካሎም ሃገር ከኣ ሀብካዮም

Translation | Context
ህዝቅኤል 20:6 | 2 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ሃገር ግብጺ ኸውጽኦም፣ ናብታ ኣነ ዝሐሬኹሎም ጸባን መዓርን ዚውሕዛ፣ ካብ ኵለን ሃገራት እትበልጽ ሃገር ክእትዎም፣ ኢለ ኢደይ ኣልዐልኩሎም

Translation | Context
ህዝቅኤል 25:4 | 2 Helpful votes

ስለዚ እንሆ፣ ንደቂ ምብራእ ርስቶም ክትከውን፣ ድንኳናቶም ኪተኽሉልካ፣ ኣብ ማእከልካውን ሰፊሮም ኪሰርሑ ኽውፍየካ እየ። ንሳቶም ፍሬኻ ኺበልዑጸባኻውን ኪሰትዩ እዮም።

Translation | Context
ዮኤል 3:18 | 2 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ኣኽራን ኰልዒ ወይኒ ኪነትዑ፣ ኵርባታት ድማ ጸባ ኬውሕዙ፣ ካብ ኵሉ ርባታት ይሁዳ ኸኣ ማይ ጃሕጃሕ ኪብል እዩ። ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ኪፍልፍልንለሰ ሽጢም ድማ ኬስትያ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 7:22 | 2 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣብታ ሃገር ዝተረፈ ዘበለ ዂሉስ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓንቲ በኳር ኣርሕን ንኽልተ ኣባጊዕን ኪምግብ እዩ፡ ካብ ብዝሒ ጸባኤን እተላዕለ ኸኣ ጠስሚ ኺበልዕ እዩ።

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 5:1 | 2 Helpful votes

ሓብተይመርዓተየ፡ ናብ ገነተይ መጺኤከርበይን ምኡዝ ቀመማተይን ቀንጢበመዓር ወለላይን መዓረይን በሊዔወይነይን ጸባይን ሰትየ። ኣቱም ኣዕሩኸይብልዑስተዩፍትዋተየኣብዚሕኩም ስተዩ።

Translation | Context