Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሒዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ።
Translation | Contextበዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextእቲ ጽኑዕ ዝሃቐናኡ ኣባኻ ስለ እተማሕጸነ፡ ብሰላም፡ እወ ብሰላም ትሕልዎ።
Translation | Contextክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።
Translation | Contextነቶም ንጹሃን ብዘሎ ዂሉ ንጹህ እዩ፡ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና፡ እቲ ኣእምሮኦምን ሕሊናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የብሎምን።
Translation | Contextእቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም።
Translation | Contextንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።
Translation | Contextብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ፣ ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር እምህለል አሎኹ። ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፣ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር። መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ማህመነ፣ መገደይ ፈለጥካ፣ ኣብታ ዝሐልፋ መገዲ መፈንጠራ ሐብኡለይ። ኣብ የማን ጠምት እሞ ርኤ፣ ዚፈልጠኒ የልቦን፣ መዕቈቢ ሰአንኩ፣ ንነፍሰይ ግዲ ዚገብረላ የልቦን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻ መዕቈብየይ፣ ኣብ ምድሪ ህያዋን ግደይ ኢኻ። ኣብ ብዙሕ መከራ እየ ዘሎኹ እሞ፣ ኣውያተይ ስማዕ፣ ሐይሎምኒ እዮም እሞ፣ ካብ ሰጐጒተይ ኣናግፈኒ። ንስምካ ኸማሱስ፣ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኣያ፣ ሰናይ ክትገብረለይ ኢኻ እሞ፣ ጻድቃን ኪኸቡኒ እዮም።
Translation | Context