Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all25 bible verses about
ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩክ ትኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርካን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩክ ይኸውን። መሶብካን መልወሲካን ብሩኽ ይኸውን። ንስካ ኣብ ምእታውካ ብሩክ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን። ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዐርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይወጹኻ፡ ካብ ቅድሜካ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙ። እግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርከካ እዩ። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሐሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኸድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሐለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኼቚመካ እዩ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኻ። ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኺህበካ፡ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርካን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሓካ እዩ። ዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኸ፡ እግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ሰማይ፡ ኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢካ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን። ግናኸ ኪኸውን እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ንምግልባሩ ድማ እንተ ዘይተጠቀቕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ርጉም ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮርውን ርጉም ትኸውን። መሶብካን መልወሲኻን ርጉም ይኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ድማ ርጉም ይኸውን። ንስኻ ኣብ ምእታውካ ርጉም ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ርጉም ትኸውን። ንኣይ ሐዲግካ ኽፉእ ስለ ዝገበርካ፡ ክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካ መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰደልካ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ዜብርሰካ፡ እግዚኣብሄር ፌራ ኼልግበልካ እዩ። እግዚኣብሄር ብምምሳንን ብዓሶን ብረስንን ብዋዕን ብሴፍን ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ኪወቕዓካ እዩ፡ ክሳዕ እትበርስ ድማ፡ ኪሰጕኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ሰማይካ ኣስራዚ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ከኣ ሓጺን ክትከውን እያ። እግዚኣብሄር ዝናም ምድርካ ተጐጓን ሓመድን ኪገብሮ እዩ፡ ክሳዕ እትጠፍእ፡ ካብ ሰማይ ኪወርደካ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ተሰዓሪ ይገብረካ፡ ብሓደ መገዲ ትወጾም፡ ብሾብዓተ መገዲ ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ትሀድም፡ ናብ ኵሎም መንግስትታት ምድሪ ድማ ትዛባዕ። ሬሳታትካ ንዂሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ ዚሰጎም ከኣ የልቦን። እግዚኣብሄር ከም ዘይትፍወስ ገይሩ ብናይ ግብጺ ሕበጥን ብምጕለንጭዋን ብዓበቕን ብመበላይን ገይሩ ኸኣ ኪወቕዓካ እዩ። እግዚኣብሄር፡ ብጽለላን ብዑረትን ብስምባድ ልብን ኪወቕዓካ እዩ። ዕዉር ብጸልማት ሃሰስ ከም ዚብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብል ኢኻ፡ ኣብ መገድታትካውን ኣይቐንዓካን፡ ወርትግ ጥቑዕን ዝሙትን ትኸውን፡ ዜድሕነካ ኸኣ የልቦን። ሰበይቲ ትሕጸ፡ ግናኸ ካልእ ይድቅሳ፡ ቤት ትሰርሕ፡ ግናኸ ኣይትነብራን፡ ወይኒ ትተክል፡ ፍረ ግና ኣይትእክበሉን። ብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይሕረድ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኣድግኻ ኻብ ቅድሜኻ ይዝረፍ፡ ኣይምለሰካን ከኣ፡ ኣባጊዕካ ንጸላእትኻ ይወሀባ፡ ዚረድኣካ ኸኣ የልቦን። ኣወዳትካን ኣዋልድካን ንኻልእ ህዝቢ ይወሀቡ፡ ኣዒንትኻ ድማ ምሉእ መዓልቲ እናርኣያኦም ብሃረርታኦም ቀባሕባሕ ይብላ፡ ኣብ ኢድካ ግና ሓይሊ የልቦን። ፍረ ምድርኻን ብዘሎ ጻዕርኻን ድማ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ። ወርትግ ከኣ ጥቑዕን ጽቑጥን ትኸውን። ኣዒንትኻ ዚርእያኦ ዅሉ ነገር ብምርኣይካ ኽትጽለል ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ብሕሱም ክትሐውየሉ ዘይትኽእል ሕበጥ ኣብ ብርክኻን ኣብ ዳንጋኻን ካብ ከብዲ እግርኻ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእስኻ ኺወቕኻካ እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስካን ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰደካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕንጨይትን ንእምንን፡ ከተምልኽ ኢኻ። ኣብቶም እግዚኣብሄር ናባታቶም ዚመርሓካ ዅሎም ህዝብታት ከኣ መገረምን መመሰልን መድረፍን ትኸውን። ኣብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ተምጽእ፡ ግናኸ ኣንበጣ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ሒደት ትእክብ። ወይኒ ትተክል ትዅስኵሶ ኸኣ፡ ግናኸ፡ ሓሰኻ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይትሰትየሉን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይትእክብን። ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኣውልዕ ይዀነልካ፡ ግናኸ፡ እቲ ኣውልዕካ ኺርግፍ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይትልከን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ትወልድ፡ ግናኸ፡ ተማሪኾም ኪኸዱ እዮም እሞ፡ ንኣኻ ኣይኰኑን። ኵሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ኵብኵብታ ኺወርሶ እዩ። ኣብ ማእከልካ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ልዕሌኻ ልዕል ልዕል ይብል፡ ንስኻ ግና ንታሕቲ ንታሕቲ ትወርድ። ንሱ ኼለቅሓካ እዩ፡ ንስኻ ግና ኣይተለቅሖን፡ ንሱ ርእሲ ኪኸውን እዩ፡ ንስኻ ግና ጭራ ትኸውን። እቲ ዝአዘዘካ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ክትሕሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪሰጐካን ኬርክበካን እዩ። ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ንትእምርትን ተኣምራትን ኪዀኑ እዮም። ኵሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገግልገልካዮ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ። ቋንቋኡ ዘይትሰምዖ ህዝቢ፡ ከም ንስሪ ዚነፍር ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ናባኻ ኼምጽእ እዩ። ጨካን ዝገጹ ህዝቢ፡ ገጽ ኣረጊት ርእዩ ዘይሐፍር፡ ንናእሽቱ ድማ ዘየናሕሲ። ክሳዕ እትጠፍእ ከኣ፡ ፍረ ኸብትኻን ፍረ ምድርኻን ኪበልዕ እዩ፡ ክሳዕ ዜጥፍኣካ፡ ስርናይ ዀነ፡ ወይኒ ዀነ፡ ዘይቲ ዀነ፡ ምውላድ ላምካ ዀነ፡ ምፍራይ ኣባጊዕካ ዀነ፡ ኣይገድፈልካን እዩ። እቲ ንስኻ እትኣምኖ ነዋሕትን ጽኑዓትን መናድቕካ ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኽሳዕ ዚፈርስ፡ ብዅሉ ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዜጽብበልካ ጸባብ፡ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን፡ ፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ። ኣባኻ እቲ ቚጽይጽይ ዚብልን ብዙሕ ሕንቁቕን ሰብ ንሓዉን ነታ ኣብ ሕቚፉ እትድቅስ ሰበይቱን ነቶም ዝተረፉ ትርፊ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ፡ ካልእ ነገር ኣይተርፎን እሞ፡ ካብቲ ዚበልዖ ስጋ ውሉዱ ንሓደ ኻባታቶም ምእንቲ ኸይህብ፡ ኣባኻ እታ ቚጽይጽይ እትብልን ሕንቅቕትን፡ ብሕንቃቔአን ቚጽይጽይ ምባላን ከብዲ እግራ ምድሪ ንምርጋጽ ክትፍትን ዘይደለየት ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ኣብ ሕቚፋ ዘሎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ድማ ብኽፉእ ዓይኒ ትርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ ዅሉ ነገር ስኢና እያ እሞ፡ ነቲ ኻብ መንጎ ኣእጋራ ዝወጸ መወዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሐቢኣ ኽትበልዖም እያ። ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽትገብሮ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ ነዚ ምስጉንን መፍርህን ዝዀነ ስም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከኣ እንተዘይፈራህካ፡ እግዚኣብሄር መቕዘፍትኻን መቕዘፍቲ ዘርእኻን ዜገርም፡ ብርቱዕ፡ ዓብዪ እሞ ዚድንጒ መቕዘፍቲ፡ ሕሱም እሞ ዚድንጒ ሕማም ኪገብር እዩ። ነቲ ዝፈራህካዮ ዅሉ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኺመልሶ እዩ እሞ ኺለግበካ እዩ። ክሳዕ እትጠፍእ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕዘፍትን ኬምጽኣልካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ቐደም ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፡ ብቝጽሪ ሒደት ክትተርፉ ኢኹም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ጽቡቕ ኪገብረልኩም ኬብዝሓኩምን ብኣኻትኩም ባህ ከም ዝበሎ፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ብምጥፋእኩምን ፋሕ ብምባልኩምን ባህ ኪብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ክትምንቈሱ ኢኹም። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ህዝብታት ፋሕ ኬብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ። ኣብ ማእከል እቶም ህዝብታት እቲኦም ከኣ ህድኣት ኣይትረክብን፡ ንኸብዲ እግርኻ ድማ ዕረፍቲ የልቦን፡ ኣብኡ ግና እግዚኣብሄር ዜንቀጥቅጥ ልብን ዝሐመቐት ዓይንን ዝማህመነት ነፍስን ኪህበካ እዩ። ህይወትካ ኣብ ቅድሜኻ ጠልጠል ትብል፡ ለይትን መዓልትን ከኣ ትፈርህ፡ ብህይወትካ ኣይትእመንን። በቲ እትፈርሆ ፍርሃት ልብኻን በቲ እትርእዮ ትርኢት ዓይንኻን ብጊሓት፡ ወይ እንተ ዚመሲ ደኣ፡ ክትብል፡ ምሸት ከኣ፡ ወይ እንተ ዚወግሕ ደኣ፡ ክትብል ኢኻ። በታ፡ ደጊም መሊስካ ኣይትርእያን፡ ዝበልኩኻ መገዲ፡ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብጺ ኺመልሰካ እዩ። ኣብኡ ድማ ባሮትን ኣግራድን ክትኰኑ፡ ንርእስኹም ናብቶም ጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም። ዚዕድግ ከኣ የልቦን።
Translation | Contextሽዑ መንፈስ ንየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ። እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ። የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ደው ኣበሎ። እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ። የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ አሎ፡ በሎ። ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዩ እሞ፡ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ። ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ። የሱስ፡ ማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ። ናብ ገሊላ ድሕር በለ። ናዝሬት ሐዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተበህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣህዛብ፡ ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም። የሱስ ካብኡ ነጀው፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ፡ ተንስሑ፡ እናበለ ኺሰብክ ጀመረ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረአየ። የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም። ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ። ካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረአየ እሞ ጸውዖም። ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ። የሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። ወሪኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ወጸ። ንዅሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጉዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ።
Translation | Contextዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ።
Translation | Contextበዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።
Translation | Contextየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል። መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ዅሉ ግበር። እታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ። እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን። ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር። ኣይትቕተል። ኣይትዘሙ። ኣይትስረቕ። ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር። ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ። ኵሎም ህዝቢ ድማ ነጕድን ሃልሃልታን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ኪተክኽን ረኣዩ። እቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ኣንቀጥቀጡ፡ ርሒቖም ድማ ደው በሉ። ንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢና፡ ኣምላኽ ግና፡ ምእንቲ ኸይንመውት፡ ኣይዛረበና፡ በልዎ። ሙሴ ኸኣ ነቶም ህዝቢ፡ ሓጢያት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ፍርሃቱ ኣብ ቅድሜኹም ኪኽወን፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘበኩም እዩ ዝመጸ እሞ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም። እቲ ህዝቢ ኣብ ርሑቕ ቈመ፡ ሙሴ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጣቓ ቐረበ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረብኩኹም፡ ባዕላትኩም ርኤኹም። ምሳይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፡ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። መሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሐርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻን፡ ኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩሉ ዅላ ቦታ ናባኻ መጺኤ ኽባርኸካ እየ። መሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ። ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲ፡ ብመሳልል ኣይትደይብ።
Translation | Contextፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
Translation | Contextኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ። ንእስራኤልውን በርትዖም። ኣብ ኲለን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ ድማ ወትሃደራት፡ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሐዘን ከተማታት ኤፍሬምን ሓለውቲ ኣቐመጠ። ዮሳፋጥ ድማ በተን ቀዳሞት መገድታት ኣቦኡ ዳዊት ይኸይድ ነበረ፡ ነቶም በዓላት ከኣ ኣይደለዮምን እሞ፡ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ። ነቲ ኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ደለዮ፡ ብትእዛዛቱ ኸኣ ከደ እምበር፡ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይከደን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ኣጽንዓ፡ ብዘለዉ ይሁዳ ድማ ንዮሳፋጥ ገጽ በረኸት ሀብዎ፡ ሃብትን ክብረትን ከኣ በዝሓሉ፡ ልቡ ብመገድታት እግዚኣብሄር ምስ ተብዔ፡ ነቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን ከኣ ካብ ይሁዳ ኣርሐቖ። ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ ንመኳንንቱ፡ ቤት-ሓዪልን ዖባድያን ዘካርያስን ንታንኤልን ሚካያን ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኺምህሩ ሰደዶም። ምሳታቶም ድማ ነቶም ሌዋውያን፡ ሸማዕያን ነታንያን ዘባድያን ዓሳሄልን ሸሚራሞትን ዮናታንን ኣዶንያን ጦብያን ጦብ-ኣዶንያን፡ እቶም ሌዋውያን፡ ምሳታቶም ከኣ እቶም ካህናት፡ ኤሊሻማዕን ዮራምን፡ ሰደደ። መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ሒዞም ድማ ኣብ ይሁዳ መሀሩ፡ ኣብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ዞይሮም ከኣ ነቲ ህዝቢ ይምህሩ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ ዂለን መንግስትታት ኣብተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ ሃገራት ድማ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኰነ እሞ፡ ምስ ዮሳፍጥ ኣይተዋግኡን። ካብቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ገሊኦም ንዮሳፋጥ ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ፡ ብሩርውን ገበሩሉ፡ ዓረባውያን ድማ ጤለ በጊዕ፡ ሾብዓተ ሽሕን ሚእትን ድዑል፡ ሾብዓተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ከኣ ምኩት ኣምጽኡሉ። ዮሳፋጥ ከኣ ኣዝዩ ልዕል ክሳዕ ዚብል እናዐበየ ኸደ፡ ኣብ ይሁዳ ድማ ዕርድታትን ከተማታት መዛግብትን ሰርሔ። ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ብዙሕ ዕዮታት ነበሮ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ተዋጋእቲ ሰባት፡ ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎ። ቊጽሮም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከኣ እዚ እዩ፡ ናይ ይሁዳ ሓላቑ ኣሽሓት፡ ዓድና እቲ ሓለቓ፡ ምስኡ ድማ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ዮሓናን እቲ ሓለቓ፡ ምስኡውን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ፡ ድሕሪኡ ድማ እቲ ርእሱ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር ዝወፈየ ኣማስያ ወዲ ዚክሪ፡ ምስኡ ኸኣ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ፡ ካብ ብንያም ድማ እቲ ሓያል ጅግና ኤልያዳዕ፡ ምስኡውን ቀስትን ዋልታን ዝሐዙ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ፡ ድሕሪኡ ድማ ዮዛባድ፡ ምስኡ ኸኣ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ንውግእ እተዳለዉ፡ ብዘይ እቶም እቲ ንጉስ ኣብተን ዕሩዳት ከተማታት ኣብ ብዘላ ይሁዳ ዘቐመጦም፡ ነቲ ንጉስ ዜገልግልዎ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ረሲእ ሰንከልከል ዚብል ጻድቕ፡ ከምቲ ኣተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዔላን እዩ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
Translation | Contextብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፡ ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ። ኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮም፡ ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዪም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዋም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም። ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ፡ ብሓቂ ይብለኩም አሎኹ። እምብኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረ፡ ከምእውን ንሰብ ዝመሀረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ። ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም አሎኹ። ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ። እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ። እታ መወዳእታ ቆድራንቴን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኣ ኸም ዘይትወጽእ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ። ነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። ንሰበይቱ ዚፈትሓ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባ፡ ተባህለ። ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ። ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም ተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። ካብ ጸጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞ፡ ብርእስካ እኳ ኣይትምሐል። ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ። ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ። ነቲ ኪማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደሊ፡ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሐበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። ንዝለመነካ ሀቦ፡ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ። ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ፍጹማት ኩኑ።
Translation | Contextኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን፣ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ።
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧ ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧
Translation | Contextእቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።
Translation | Contextሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሐረደ ወይ እንተ ሸጠ፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፡ ኣብ ክንዲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ በጊዕ ይኽሐስ። ሰራቒ ጥሒሱ ኺኣቱ ኸሎ እንተ ተረኽበ፡ ወቒዖምዎ፡ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ዕዳ ደም የብሉን። ጸሓይ እንተ በረቐቶ ግና፡ ዕዳ ደም አለዎ። እቲ ሰራቒ ኸኣ ዝሰረቖ ይምለስ። ገንዘብ እንተ ሰኣነ ግን ኣብ ክንዲ እቲ ዝሰረቖ ይሸየጥ። እቲ ዝሰረቖ፡ ብዕራይ ኰነ ወይ ኣድጊ ወይ በጊዕ፡ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኸበ፡ ካዕበት ገይሩ ይኽፈል። ሰብ ግራት ወይ ኣታኽልቲ ወይኒ እንተ ኣብልዔ፡ ማሉ ፈንዩ ናብ ግራት ካልእ ይብላዕ እንተ ሐደጎ፡ ካብ ግራቱ እታ ዝበለጸት፡ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸኣ እታ ዝበለጸት ይኽሐስ። ሓዊ ወጺኡ ሓጹር እንተ ረኸበ፡ እሞ ቅሚጦ ወይ ዘይዕጹድ ወይ ግራት እንተ በልዔ፡ እቲ ሓዊ ዘንደደ ኻሕሳ ይኽሐስ። ሰብ፡ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ፡ ጐረቤት ኺሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሀቦ እሞ ካብ ቤት እቲ ሰብ እንተ ተሰርቀ፡ እቲ ሰራቒ ኸኣ እንተ ተረኸበ፡ ካዕበት ገይሩ ይኽሐስ። እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኽበ፡ እቲ በዓል ቤት ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቕረብ፡ ኢዱ ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኸም ዘይዘርግሔ ይምሐል። ብዝዀነ ነገር እንተ ኸሰሰ፡ ብዛዕባ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ክዳን ኰነ ወይ ማንም ዝጠፍኤ ኣቕሓ፡ እቲ ሓደ፡ እዚ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነገር ክልቲኦም ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይምጻእ። እቲ ኣምላኽ ዝፈረዶ ንብጻዩ ኻዕበት ይኽሐሶ። ሰብ ኪሕልወሉ ኢሉ፡ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝዀነ እንስሳ፡ ሕድሪ እንተ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ወይ እንተ ተሰብረ፡ ወይ ዝረኣዮ ዜልቦ እንተ ተዘምተ፡ ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኢዱ ኸም ዘይዘርግሔ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ማሕላ እግዚኣብሄር ይኹን። እቲ ዋናኡ ድማ ማሕላ ይቀበል፡ እቲ ኸኣ ኣይኽሐስ። ካብኡ እንተ ተሰርቀ ግና፡ ነቲ ዋናኡ ይተክኣሉ። ኣራዊት እንተ በትበቶ ኸኣ፡ ነቲ እተበትበተ ንምስክር ኪዀኖ የምጽኣዮ፡ ተኽኣ ግና ኣይሀብ። ሰብ ካብ ብጻዩ ገለ እንተ ለመነ፡ ዋናኡ ኸየሎ ኸኣ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ሞተ፡ ካሕሳ ይኽሐሶ። እቲ ዋና ምስኡ እንተ ነበረ ግና፡ ኣይኽሐስ፡ ተኻርዩ እንተ ዀነ፡ ብኽራዩ አትዩ እዩ። ሰብ ዘይተሐጽየት ጓል እንተ ኣስሐተ፡ እሞ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ገዝሚ የግዝማ። ኣቦኣ፡ ኣይህበካን፡ ኢሉ እንተ ኸልኦ፡ ከም ገዝሚ ኣዋልድ ገንዘብ ይኽፈል። ንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ። ምስ እስስሳ ዚድቅስ ኵሉ ሞት ይሙት። ብጀካ ንእግዚኣብሄር ጥራይ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስውእ ይጽነት። ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ንስድተኛ ኣይትዐምጾ ወይ ኣይትጽቀጦ። ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም። እንተ ገፋዕካዮም፡ እሞ ኣባይ እንተ ጠርዑ፡ ጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ። ኵራይ ይነድድ እሞ፡ ብሴፍ እቐትለኩም። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታት፡ ደቕኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ። ካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖ። ክዳን ብጻይካ ታሕዚ እንተ ሐዝካ ጸሓይ ከይዐረበት ምለሰሉ። እቲ ስጋኡ ዚኸድነሉ ኽዳኑ፡ ንሱ ጥራይ እዩ እሞ፡ ብምንታይ ኪድቅስ፧ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፡ እንተ ጠርዓለይ ክሰምዖ እየ። ንኣምላኽ ኣይትጽረፍ፡ ንመስፍን ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም። ካብ ምልኣት ሪቕካን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ንምቕራብ ኣይትደንጕ። ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንኣይ ሀበኒ። ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕካን ድማ ከምኡ ግበር። ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ትህበኒ። ቅዱሳት ሰባት ትዀኑኒ። ኣብ መሮር ኣራዊት ዝሐዞ ስጋ ኣይትብልዑ፡ ነኽላባት ደርብይዎ።
Translation | Contextኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰት፡ ንቃየል ከኣ ወለደት፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ፡ ድማ በለት። ደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደት። ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ቃየል ከኣ ዓያዪ ምድሪ ዀነ። ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ። ኣቤል ከኣ ካብ ብዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጽኤ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረአየ። ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረአየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ዀረየ፡ ገጹ ድማ ጸለመ። እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥ ስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ፧ ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ አላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ፡ በሎ። ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል ተዛረቦ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሮር ከለዉ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦ፡ ቀተሎ ድማ። እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥ ኣቤል ሓውካ፡ ኣበይ አሎ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፥ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ድምጺ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ። ሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡ ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን እያ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ኩን፡ በለ። ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፥ በደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዪ እዩ። እንሆ፡ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጐኒ አሎኻ፡ ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዚረኽበኒ ዘበለ ዅሉ ኪቐትለኒ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ፥ እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ ሾብዓተ ካዕበት ሕነ ኺፍደዮ እዩ፡ በሎ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉ። ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ፡ ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠ። ቃየል ከኣ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰት፡ ንሄኖክ ድማ ወለደት። ንሱ ኸኣ ከተማ ሰርሔ፡ ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኣውጽኣላ። ንሄኖክ ከኣ ኢራድ ተወልደሉ። ኢራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደ። ሜሁያኤል ከኣ ንሜቱሳኤል ወለደ። ሜቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ። ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፡ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ። ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳውንቲ ዚነብሩን ማሎም ዚጓስዩን ኰነ። ስም ሓዉ ኸኣ ዮባል እዩ። ንሱ ኸኣ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኰነ። ጺላ ድማ ንቱባል-ቃይን ወለደት። ንሱ ኸኣ ካብ ኣስራዝን ሓጺንን ኵሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ። ሓውቲ ቱባል-ቃይን ድማ ናዕማ እያ። ላሜክ ድማ ነንስቱ በለን፥ ዓዳን ጺላን፡ ቃለይ ስምዓ፡ ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ጽን በላ፡ ስለ ቝስለይ ሰብኣይ፡ ስለ ስምብራተይ ድማ ጐበዝ ቀተልኩ። ንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ እንተ ዝፈድዮስ፡ ንላሜክ ከኣ ሰብዓን ሾብዓተን ካዕበት። ኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደት፡ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ። ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ። ስሙ ኸኣ ሄኖስ ኣውጽኣሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
Translation | Contextኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፣ ኣቱም ደቂ ያእቆብል ስለዚ ኣይጠፋእኩምን።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextሽዑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም፡ ደቀ መዛሙርትኻ እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ፡ ኢዶም ኣይሕጸቡን እዮም እሞ፡ ስለምንታይ ስርዓት ዓባይቲ የፍርሱ አለዉ፧ በልዎ። ንሱ መሊሱ በሎም፡ ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ አሎኹም፧ ኣምላኽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ድማ፡ ነቦኡ ኰነ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ ሞት ይሙት፡ በለ። ንስኻትኩም ግና፡ ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ መባእ ጌርዮ እየ፡ ዚብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡ ትብሉ። ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ። ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ። ነቶም እኩባት ሰብ ጸዊዑ በሎም፡ ስምዑ ኣስተውዕሉ፡ ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዚአቱስ ንሰብ ኣየርክሶን። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዐንቀፉስ ፈሊጥካዶ፧ በልዎ። ንሱ ግና መለሰ በለውን፡ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ። ሕደግዎም፡ ዕዉራትን መራሕቲ ዕዉራትን እዮም። ንዕዉርስ ዕዉር እንተ መርሖ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ። ጴጥሮስ፡ እዛ ምስላ እዚኣ ዀታ ተርጕመልና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ በለ፡ ንስኻትኩምውንዶ ኽሳዕ ሕጂ ኣየስተውዐልኩምን፧ ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ፡ እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሐጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን። የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። እንሆ ድማ፡ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ወሰን እቲ ምድሪ መጸት። እናጨርሔት ድማ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ አሎ እሞ፡ ምሐረኒ፡ በለት። ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ድድሕሬና ትጠርዕ አላ እሞ ኣፋንዋ፡ ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ግና፡ ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልኣኽኩን፡ ኢሉ መለሰ። ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ርድኣኒ፡ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ንሱ ኸኣ መለሰ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ፡ በላ። ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት። ሽዑ የሱስ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ፡ ኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት። የሱስ ካብኡ ሓሊፉ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ መጸ። ናብ ከረን ደዪቡ ኸኣ ተቐመጠ። ብዙሓት ሰብ ድማ፡ ሓንካሳት፡ ዕውራት፡ ጸማማት፡ ቈራያት፡ ብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም፡ ናብኡ መጹ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ውን ኣንበርዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም። እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ፡ ቈራያት ኪሐውዩ፡ ሓንካሳት ኪኸዱ፡ ዕዉራትውን ኪርእዩ ርእዮም ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ ዚበልዕዎ ስለ ዜብሎም፡ የደንግጹኒ አለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ፡ ጾሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ህዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ክንደይከ እንጌራ አሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ ሒደት ድማ ዓሳ፡ በልዎ። ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። ነተን ሾብዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ አመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ሀቦም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ሀብዎም። ኵሎም በሊዖም ጸገቡ። ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ሾብዓተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ። እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣርባዕተ ሽሕ፡ ሰብኣይ ነበሩ። ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሳናበተ፡ ናብ ጃልባ አትዩ ናብ ወሰን መግደላ መጸ።
Translation | Contextእቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።
Translation | Contextኵሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገግልገልካዮ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ።
Translation | Context