Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ምስናይዚ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብትእምርትን ብተኣምራትን በበይኑ ብዝዀነ ሓይልታትን ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን እናመስከረ፡ ንሱ ኸኣ ብጐይታ ኺንገር ዝጀመረ፡ ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ኣባና ዝጸንዔስ፡ ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚኣክል ምድሓን ዕሽሽ ካብ እንብል፡ ከመይ ጌርና ኽንመልቝ ይከአለና፧
Translation | Contextእቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።
Translation | Contextየሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
Translation | Contextንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።
Translation | Contextንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።
Translation | Contextግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ።
Translation | Contextቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።
Translation | Contextትእምርትታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብሪ ሓይልታትን ኣባካትኩም ብዅሉ ትዕግስቲ ተገብረ።
Translation | Contextእምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።
Translation | Contextፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ።
Translation | Contextኣብኡ ነዊሕ ወርሓት ተቐመጡ። በቲ ትእምርትን ተኣምራትን በእዳዎም እናገበሩ፡ ንቓል ጸጋኡ ምስክር ዝሀበ ጐይታ ተኣሚኖም፡ ብትብዓት ተዛረቡ።
Translation | Context