Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

miscarriages


መዝሙር 34:18-19 | 10 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ

Translation | Context
ሮሜ 8:18 | 8 Helpful votes

ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 139:13-16 | 6 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒመስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻንኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ

Translation | Context
ዘጸአት 23:26 | 5 Helpful votes

ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብንፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:14 | 5 Helpful votes

ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 5 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 4 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
መክብብ 11:5 | 4 Helpful votes

ከምቲ ንመገዲ ንፋስ ዘይትፈልጦ፡ ከምቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚውጡን ዘይትፈልጦ፡ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝነገረ ኣምላኽ ኣይትፈልጦን ኢኻ።

Translation | Context
መዝሙር 147:3 | 4 Helpful votes

ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስነቚሳሎም ይዘንን

Translation | Context
ሮሜ 9:11 | 4 Helpful votes

ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ገና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ

Translation | Context
ፊልጲ 4:6-7 | 3 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:10 | 3 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 49:15 | 2 Helpful votes

ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:8-9 | 2 Helpful votes

ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩምሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።

Translation | Context
እዮብ 1:21 | 2 Helpful votes

ሽዑ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ርእሱውን ላጸየ እሞ፡ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደስም እግዚኣብሄር ይባረኽኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ

Translation | Context
መዝሙር 139:16 | 2 Helpful votes

ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ

Translation | Context
ፊልሞን 1:12 | 2 Helpful votes

ከም ልበይ ጌርካ ተቐበሎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 65:23 | 2 Helpful votes

ንሳቶም ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም፡ ተርፎም ከኣ ምሳታቶም ኪነብር እዩ እሞ፡ ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩንብድንገት ዚሞቱ ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 34:4 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ

Translation | Context
ያእቆብ 5:13 | 2 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር

Translation | Context