Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።
Translation | Contextየሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።
Translation | Contextኣብ ማእከል ኣህዛብ ክብረቱ፡ ኣብ ኲሎም ህዝብታት ተኣምራቱ ንገሩ።
Translation | Contextብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።
Translation | Contextንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒ፡ በልኩ።
Translation | Contextግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ፡ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ ከመዮ፡ ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ፡ እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧
Translation | Contextንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextመንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡
Translation | Contextእዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።
Translation | Contextበሎም ከኣ፥ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ።
Translation | Contextሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ።
Translation | Contextከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑ። ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ኬሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሀቦም። መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ንሕሙማት ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾም። በሎም ድማ፡ ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡ፡ በትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሃሉኹም። ኣብታ ዝኣቶኩምዋ ቤት ድማ፡ ኣብኣ ኹኑ፡ ካብኣውን መገድኹም ኪዱ። ኣብቲ ዘይቅበሉኹም ዘበለ ኸኣ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ኪኸውን፡ ተጐጓ እግርኹም ንገፉ። ወጺኦም ድማ ዓዲ ንዓዲ እናዞሩ፡ ወንጌል ይሰብኩ ኣብ ኵሉውን የሕውዩ ነበሩ። ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ነቲ ብኣኡ እተገብረ ነገር ሰሚዑ ተዋለወለ። ሓያሎ ሰባት፡ ዮሃንስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ገሊኦም፡ ኤልያስ ተራእዩ፡ ገሊኦም ከኣ፥ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ እዩ፡ በሉ። ሄሮድስ ከኣ፥ ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ። እዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘሎኹ ደኣ መን እዩ፧ በለ፡ ኪርእዮውን ይደሊ ነበረ። ሃዋርያት ድማ ምስ ተመለሱ፡ ዝገበርዎ ዘበለ ነገርዎ። ንበይኖም ድማ፡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተ-ሳይዳ እትብሀል ከተማ ምስኡ ወሰዶም። እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ሰዓብዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም፡ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኸኣ ነገሮም፡ ምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም። ምድሪ ኺመሲ ጀመረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ቀሪቦም፥ ኣብዚ ኣብ በረኻ ኢና ዘሎና እሞ፡ ኣዞም ህዝቢ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ዓድታትን ገዛታትን ከይዶም ኪሐድሩ ዚብላዕውን ኪረኽቡ፡ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ንሕና ኼድና፡ ነዚ ዅሉ ህዝብዚ መብልዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሳና ዘሎስ ካብ ሐሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ፡ በሉ። ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ይዀኑ ነበሩ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥ በብሓምሳ እናሰራዕኩም ኣቐምጥዎም፡ በሎም። ከምኡ ገበሩ ንዅሉምውን ኣቐመጥዎም። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ጠመተ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ኬቕርብሎም ሃቦም። ኵሎም በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቈረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ። ኰነ ድማ፡ ንበይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱውን፥ ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ገሊኦም፡ ኤልያስ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦምውን፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ፡ ዚብሉ አለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፥ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ድማ ገንሖም፡ እዚ ንሓደ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም እሞ፥ ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኪነዓቕን ኪቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ በሎም። ንዅሎም ከኣ፥ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ። ምድሓን ነፍሱ ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና፡ ንሱ ኼድሕና እዩ። ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ፡ ብኣይን ብቓለይን ዚሐፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ። ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሉም ዘለዉ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ድሕሪ እዚ ዘረባዚ ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ ኸኣ ዀነ፡ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡ፡ ክጽሊ ናብ ከረን ደየበ። ኪጽሊ ኸሎ፡ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳዉንቱውን ብርቅርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ። እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዛራረቡ ነበሩ። ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጸም ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ። ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዘለውን ግና ድቃስ ከቢድዎም ነበረ። ምስ ተባራበሩ፡ ግርማኡን ክልተ ሰብ ድማ ምስኡ ደው ዝበሉን ረኣዩ። ኰነ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብኡ ኺፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፥ መምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፥ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስ፡ በሎ። ዚብሎ ኣይፈልጥን ነበረ። ንሱ እዚ ኪዛረብ ከሎ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብ ደበና ኺኣትዉ ኸለዉ ኸኣ፡ ፈርሁ። ካብቲ ደበና ድማ፥ እቲ ዝሐሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። እቲ ድምጺ ኺመጽእ ከሎ፡ ንየሱስ በይኑ ረከብዎ። ንሳቶምውን ስቕ በሉ፡ ሽዑ ቅነ ዝረአይዎ ነገር ንሓደ እኳ ኣይነገሩን። ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ። እንሆ ኸኣ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፥ ዎ መምህር፡ ሓደ ንሱ እዩ ውሉደይ እሞ፡ ነዚ ወደይ ክትርእየለይ እልምነካ አሎኹ፡ እናበለ ጨርሔ። እንሆ፡ መንፈስ ይሕዞ፡ ብኡብኡ ይብህርር፡ ፈንጠራዕራዕውን የብሎ፡ እናዕፈሮ፡ እናቀጥቀጦ ብጻዕሪ ይሐድጎ። ንደቀ መዛሙርትኻ ኼቅጽእዎ ለሚነዮምሲ፡ ምውጻኡ ስኢኖም፡ በለ። የሱስ ከኣ፥ ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝከ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን እየ፧ ንወድኻ ናብዚ ኣምጻዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ ጋኔን ኣንፈጥፈጦ ጠንቀላዕላዕውን ኣበሎ። የሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገኒሑ፡ ነቲ ቘልዓ ኣሕወዮ ነቦኡውን ሃቦ። ኵላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኵላቶም በቲ የሱስ ዝገበሮ ዅሉ ኼስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪውሃብ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገርዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትዉዎ፡ በሎም። ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ እዚኣ ኣየስተውዓልዋን፡ ከየስተብህልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባ እዚኣ ኸይሐትዎውን ፈርሁ። ካባታቶምሲ መኖም ከም ዚዓቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ ኣተዎም። የሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ርእዩ፡ ሕጻን ወሰደ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፥ ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነዚ ዝለአኸኒ ይቅበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኵልኹም ዚንእስ፡ ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ፡ በሎ። ዮሃንስ ከኣ፥ መምህር፡ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ምሳና ስለ ዘይሰዓበ፡ ከሊእናዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ዘይከራኸረኩም ዘበለ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣይትኽልእዎ፡ በሎ። ኰነ ድማ፡ መዓልትታት ዕርገቱ ምስ ቀረባ፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መለሰ። ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፡ ከይዶም ኬዳልዉሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ናይ ሰማርያ ኣተዉ። ንሳቶም ግና፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መሊሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣይተቐበልዎን። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ ነዚ ምስ ረኣዩ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉ። ምልስ ኢሉ፥ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ። ኰነ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሓደ፥ ጐይታይ፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ኽስዕበካ እየ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ ኣለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጽግዓላ ስፍራ የብሉን፡ በሎ። ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር፡ በሎ። ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎ። የሱስ ግና፥ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Context