Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
Translation | Contextእታ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዋሲ ዝርኤካዮ፣ ንሳቶም ምስ ዘርኢ ሰብ ኪተሃዋወሱ፣ ግናኸ፣ ከምቲ ሓጺን ምስ መሬት ዘይላገብ፣ ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም።
Translation | Contextካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።
Translation | Contextሕጋጋተይ ሐልዉ፡ ማልካ ምስ ካልእ ዓይነት ኣይተታሉ። ንግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኣያ፡ ካብ ክልተ ዓይነት እተሐወሰ ዓለባ ኣይትከደን።
Translation | Contextእዚ ነገር እዚ ምስ ተወድኤ ድማ፡ እቶም ሓላቑ ናባይ ቀሪቦም ከምዚ በሉ፡ ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንሲ ኻብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈልዩን፡ ኤረ ኸምቲ ናይ ከነኣናውያን፡ ናይ ሔታውያን፡ ናይ ፈረዛውያን፡ ናይ ይቡሳውያን፡ ናይ ዓሞናውያን፡ ናይ ሞኣባውያን፡ ናይ ግብጻውያን፡ ናይ ኣሞራውያን ጽያፍ ይገብሩ ኣለው። እዚ ኸኣ ንኣታቶምን ንደቆምን ካብ ኣዋልዶም ስለ ዝወሰዱ፡ ነቲ ቅዱስ ዘርኢ ምስ ኣህዛብ እዘን ሀገራት እዚኤን ስለ ዝጸንበሩ እዩ። ነዚ ዓመጻ እዚ ዝጀመረውን ኢድ እቶም ሓላቑን መኳንንትን እዩ።
Translation | Contextኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ።
Translation | Contextኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ። ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድ፡ ቀልጢፉ ኸኣ የጥፍኣካ።
Translation | Contextደድሕሪ ኣማልኽቶም ምስ ዚምንዝሩን፡ ንኣማልኽቶም ከኣ ምስ ዚስውኡን፡ ከይዕድሙኻ እሞ ካብ መስዋእቶም ከይትበልዕ፡ ኣዋልዶም ድማ ነወዳትካ ኸይትወስድ፡ እተን ኣዋልዶም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽተን ኪምንዝራ ኸለዋ ንደቅኻ ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከየመንዝራኦም፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ።
Translation | Contextበተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ካብ ኣንስቲ ኣሽዶዳውያን፡ ዓሞናውያን፡ ሞኣባውያን ዘእተው ኣይሁድ ርኤኹ። እቶም ደቆም ከአ ፈረቓኦም ብዘረባ እሽዳድ ወይስ ናይ ዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ይዛረቡ ነበሩ እምበር፡ ብዘረባ ኣይሁድ ምዝራብሲ ኣይኽእሉን ነበሩ። ተቐጢዔ ድማ ረገምክዎም፡ ካባታቶም ከአ ንሓያሎ ሰባት ወቓዕኩ፡ ጸጉሮምውን ነጼኹ፡ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ፡ ካብ ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩምን ንርእስኻትኩምን ኣይትውሰዱ፡ ኢለ ድማ ብኣምላኽ ኣምሓልክዎም። በልኩውን፡ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤልሲ በዚ ነገር እዚዶ ኣይኮነን ዝበደለ፡ ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸኣ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግናኸ ንእኡውን ጓኖት ኣንስቲ ናብ ሓጢኣት ኣስሓታኦ። እዚ ዅሉ ዓብዩ ኽፍኣት ክትገብሩ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምውሳድ ንኣምላኽና ኽትዕምጹዶ ብሓቂ ንኣኻትኩም ክንእዝዝ ኢና።
Translation | Contextንጉስ ሰሎሞን ብዘይ ጓል ፈርኦን ድማ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፡ ሞኣባውያን፡ ዓሞናውያን፡ ኤዶማውያን፡ ሲዶናውያን፡ ሔታውያን ፈተወ፡ ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ብዛዕባኦም፡ ንሳቶም ንልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ኬዘንብልዎ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ኣይትኺዱ፡ ንሳቶም ከኣ ናባኻትኩም ኣይምጽኡ፡ ዝበሎም ህዝብታት፡ ሰሎሞን ብፍቕሪ ምሳታተን ጠበቐ። ሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱ ኸኣ ልቡ ኣዘንበላኦ። ኰነ ድማ፡ ብጊዜ እርግና ሰሎሞን እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን። ሰሎሞን ከኣ ደድሕሪ ኣስታርተ፡ እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ደድሕሪ ሚልኮም፡ ጽያፍ ዓሞናውያንን ከደ። ሰሎሞን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሩ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ኣይሰዐቦን። ሽዑ ሰሎሞን ንከምሽ ጽያፍ ሞኣብን፡ ንሞሌኽ ጽያፍ ደቂ ዓሞንን፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር የሩሳሌም ዘሎ ኸረን በረኽቲ ሰርሔ። ንዂላተን እተን ጓኖት ኣንስቱ፡ ንኣማልኽተን ዚዐጥናን ዚስውኣን ከኣ፡ ከምኡ ሰርሓለን። እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፡ ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝዘንበለ፡ ተቘጥዖ። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ድማ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኽይከይድ ኣዚዝዎ ነበረ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ግና ኣይሐለዎን። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን በሎ፡ እዚ ኣባኻ ስለ እተገብረ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ኺዳነይን ሓጋጋትን ድማ ስለ ዘይሐሎካዮ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ። እዚ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን፡ ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝቐዳ። ግናኸ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ኣይቀዳን እየ፡ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሐሬኽዋ የሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ተጻራሪ ሃዳድ ኤዶማዊ ኣተንስኣሉ፡ ንሱ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ኤዶም ነበረ። ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ኤዶም ከሎ፡ ዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ነቶም ቅቱላት ኪቐርብ ምስ ደየበ፡ ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዅሉ ተባዕታይ ኪቐትል ከሎ፡ ዮኣብን ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዂሉ ተባዕታይ ክሳዕ ዜጽንቱስ፡ ኣብኡ ሹድሽተ ወርሒ ተቐመጡ። ሃዳድ ከኣ፡ ንሱን ገለ ኤዶማውያንን ካብ ገላዉ ኣቦኡ ድማ ምስኡ ዀይኖም ናብ ግብጺ ኪኸዱ ሀደሙ፡ ሃዳድ ሽዑ ንእሽቶ ቘልዓ ነበረ። ካብ ሚድያን ተላዒሎም ከኣ ናብ ጳራን መጹ፡ ካብ ጳራን ሰባት ወሲዶም ድማ ናብ ግብጺ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ መጹ። ንሱ ኸኣ ቤት ሀቦ፡ ቀለብውን ኣዘዘሉ፡ ምድሪ ድማ ሀቦ። ሃዳድ ከኣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ብዙሕ ሞገስ ረኸበ፡ ንሱ ድማ ሓብቲ ሰበይቱ፡ ሓብቲ ንግስቲ ታሕጵኔስ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ። እዛ ሓብት ታሕጵኔስ ከኣ ጌኑባት ዚብሀል ወዲ ወለደትሉ። ታሕጵኔስ ድማ ኣብ ቤት ፈርኦን ጡብ ኣሕደገቶ፡ ጌኑባት ከኣ ኣብ ቤት ፈርኦን ኣብ ማእከል ደቂ ፈርኦን ነበረ። ሃዳድ ድማ ኣብ ግብጺ ኸሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝደቀሰ፡ ዮአብ ሓላቓ ሰራዊትውን ከም ዝሞተ፡ ምስ ሰምዔ፡ ሃዳድ ንፈርኦን፡ ናብ ሃገረይ ክኸይድሲ ኣሰናብተኒ፡ በሎ። ፈርኦን ግና፡ እንሆ፡ ናብ ሃገርካ ኽትከይድ እትደልስ፡ ምሳይ ከሎኻ እንታይ ጐዲሉካ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገለ እኳ፡ ግናኸ ኣሰናብተኒ ደኣ፡ በሎ። ኣምላኽ ድማ ካልእ ተጻራሪ፡ እቲ ኻብ ጐይትኡ ኻብ ሃዳድ-ዔዘር ንጉስ ጾባ ዝሀደመ ሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ ኣተንስኣሉ፡ ንሱ፡ በታ ዳዊት ንሰብ ጾባ ዝቐተለላ ጊዜ፡ ሰባት ኣኪቡ ሓለቓ ጭፍራ ዀነ። ናብ ደማስቆ ኸይዶም ኣብኡ ተቐመጡ። ኣብ ደማስቆውን ነገሱ። ንሱ ድማ ምስቲ ሃዳድ ዝገበሮ ኽፉእ ብዂሉ ዘመን ሰሎሞን ጸረ እስራኤል ኰይኑ ነበረ እሞ፡ ንእስራኤል ጸየፎ፡ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኸኣ ነገሰ። የሮብዓም ጊልያ ሰሎሞን፡ ወዲ ናባጥ ኤፍራታዊ፡ ካብ ጸሬዳ፡ ስም ኣዲኡ ጽሩዓ፡ ንሳ ከኣ መበለት ነበረት፡ ንሱ ድማ ኢዱ ኣብ ንጉስ ኣልዐለ። እቲ ኢዱ ኣብ ንጉስ ዘልዐሎ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ፡ ሰሎሞን ንሚሎ ሰርሓ፡ ነቲ ፍራስ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ውን ጸገኖ። የሮብዓም ድማ ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ከኣ እቲ ጐበዝ፡ ንሱ ትጉህ ዓያዪ ኸም ዝዀነ ርእዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ዕዮ ቤት ዮሴፍ ኣመዘዞ። ኰነ ድማ፡ በቲ ዘመን እቲ የሮብዓም ካብ የሩሳሌም ወጸ፡ ነብዪ ኣሒያ እቲ ሺሎናዊ ኸኣ ኣብ መገዲ ረኸቦ። ንሱ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ። ክልቲኦም ከኣ በይኖም ኣብ መሮር ነበሩ። ኣሒያ ድማ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቚራጽ ቈራረጾ። ንየሮብዓም ከኣ በሎ፡ ዓሰርተ ቒራጽ ንኣኻ ውሰድ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ እሞ፡ እንሆ፡ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን ክቐዳ እየ፡ ዓሰርተ ነገድ ድማ ንኣኻ ኽህበካ እየ። ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌምን ግና እቲ ሓደ ነገድ ንእኡ ይኹን። ንኣይ ሐዲጎም ንኣስታርተ፡ ነታ ኣምላኽ ሲዶናውያን፡ ንኸሞሽ ኣምላኽ ሞኣብ፡ ንሚልኮም ኣምላኽ ደቂ ዓሞን ስለ ዝሰገዱ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሮም እቲ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝዀነን እቲ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ኪገብሩ ድማ ብመገደይ ኣይከዱን። ግናኸ ምእንቲ እቲ ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ዝሐለወ፡ ምእንቲ እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያይ ዳዊት ኢለ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ መስፍን እገብሮ እምበር፡ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ካብ ኢዱ ኣይወስዳን እየ። ግናኸ ካብ ኢድ ወዱ ነታ መንግስቲ ኽወስዳ እየ፡ ንኣኻ ድማ እቶም ዓሰርተ ነገድ ክህበካ እየ። ኣብ ቅድመይ ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኸንብር ዝሐሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌም፡ ንባርያይ ዳዊት ኲሉ ዘመን መብራህቲ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ። ንኣኻ ወሲደ ድማ ኣብቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ ዘበለ ኽትገዝእ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ክትነግስ ኢኻ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዝአዘዝኩኻ ዘበለ እንተ ሰማዕካ ብመገደይ ከኣ እንተ ተመላለስካ፡ ኣብ ቅድመይውን ቅኑዕ ዝዀነ እንተ ገበርካ፡ ከምቲ ባርያይ ዳዊት ዝገበሮ ኸኣ ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን እንተ ሐሎኻ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ከምቲ ንባርያይ ዳዊት ዝሰራሕኩሉ፡ ንኣኻ ኸኣ ጽንዕቲ ቤት ክሰርሓልካ እየ፡ እስራኤልውን ንኣኻ ኽህበካ እየ። ምእንቲ እዚ ንዘርኢ ዳዊት ከዋርዶ እየ፡ ግናኸ ንዂሉ ዘመን ኣይኰነን። ስለዚ ሰሎሞን ንየሮብዓም ኪቐትሎ ደለየ፡ የሮብዓም ግና ተንሲኡ ናብ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ፡ ናብ ግብጺ ሀደመ። ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከኣ ኣብ ግብጺ ነበረ። እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገር፡ እቲ ዝገበሮ ዂሉን ጥበቡን፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ሰሎሞንዶ ተጽሒፉ ኣይኰነን፧ እቲ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።
Translation | Contextምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ብዙሓት ህዝብታትውን ካብ ቅድሜካ ምስ ሰጐጐልካ፡ ሔታውያንን ጌርሳውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ሾብዓተ ኻባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድሜካ ኣሕሊፉ ምስ ዚህበካ፡ እሞ ምስ እትወቕዖም፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም። ኪዳን ኣይትተኣታተዎም ኣይትምሐሮምውን። ኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ።
Translation | Contextከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም። ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ። ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ።
Translation | Contextእዝራ እናጸለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገጹ ወዲቑ ኸሎ፡ ካብ እስራኤል ኣዝዩ ብዙሕ ኣኼባ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቀለውዕን ናብኡ ተአከበ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ። ካብ ደቂ ዔላም ሸካንያ ወዲ የሔኤል ንእዝራ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ንሕና ኻብቶም ህዝብታት እታ ሃገር ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውና ንኣምላኽና በደልና። ሕጂ ኸኣ በዚ ነገር እዚ ንእስራኤል ገና ተስፋ አሎ። እምበአርሲ ሕጂ ኸም ምኽሪ ጐይታይን እቶም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝፈርሁን፡ ከምቲ ሕጊ ድማ ኪግበርን ንኹለን ኣንስትን እቶም ካባታተን ኣተወልዱን ክንሰደድ፡ ምስ ኣምላኽና ኺዳን ንአቱ። እዚ ነገር እዚ ተግባርካ እዩ እሞ ተንስእ፡ ተቢዕካ ግበሮ ንሕናውን ምሳኻ ኢና። ሽዑ ኸኣ እዝራ ተንሲኡ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንሌዋውያንን ንዅላቶም እስራኤልን ከምዚ ነገር እዚ ኽገብሩ ኣምሓሎም፡ ንሳቶም ከአ መሐሉ። እዝራ ድማ ካብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ተንሲኡ፡ ናብ ክፍሊ ቤት ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ከደ። ናብኡ ኸይዱ ኸኣ ብዛዕባ በደል እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ይጉሂ ነበረ እሞ እንጌራ ይበልዔን ማይ ኣይሰተየን። እቶም ደቂ ምርኮ ኹሎም ናብ ዮርሳሌም ኪእከቡ ድማ ኣብ ይሁዳን ኣብ ዮርሳሌምን ኣዋጅ ኣወጁ። ከም ምኽሪ እቶም ሓለቓታትን ዓበይትን ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመጸ ዘበለ፡ ገንዘቡ ይወረስ፡ ንሱ ድማ ካብ ማሕበር እቶም ካብ ምርኮ ዝወጹ ይፈለ። በተን ሰለስተ መዓልቲ ድማ ኲሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ናብ ዮርሳሌም ተአከቡ። ንሳ ኻብታ ታስዐይቲ ወርሒ መበል ዕስራ መዓልቲ ነበረት። ኲሎም እቶም ህዝቢ በዚ ነገር እዝን በቲ ብርቱዕ ዝናምን እናኣአብቀጥቀጡ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽ ኮፍ ኢሎም ነበሩ። እዝራ ኻህን ከአ ብድድ ኢሉ፡ ንስኻትኩም ንዓመጽ እስራኤል ከተብዝሑ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታኩም በደልኩም። ሕጂ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኣታትኩ ተናዘዙ፡ ፍቓዱውን ግበሩ፡ ካብ ህዝብታት እዛ ሃገርን ካብተን ጓኖት ንስትን ተፈለዩ በሎም። ሽዑ ኹሎም እቶም ኣኼባ ቓሎም ዓው ኣቢሎም ከምዚ ኢሎም መለሱ፡ ሕራይ ከምቲ ዝበልካና ኽንገብር ይግብኣና ኢዩ። እቲ ህዝቢ ግና ብዙሕ እዩ፡ ጊዚኡ ጊዜ ዝናም እዩ እሞ ኣብ ግዳም ደው ክንብል ኣይንኽእልን። በዚ ነገር እዚ ኣዚና በዲልና ኢና እሞ፡ ዕዮኡ ድማ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣይኮነን። እቶም ሓላቑና ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ይቑሙሉ። እቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዚረኸበና ነዳዲ ቑጥዓ ኣምላኽናኣ ኻባና ኽሳዕ ዚምለስሲ፡ እቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ኣብ ከተማታትና ዘለዉ፡ ምሳታቶም ድማ ዓበይትን ፈረድቲ ኹለን ከተማታትን ብምዱብ ግዚያት ይምጽኡ። ዮናታን ወዲ ዓሳህኤልን ያሕዝያ ወዲ ቲቅዋን ጥራይ ነዚ ተቓወምዎ፡ መሹላምን ሾብታይ ሌዋውን ከአ ሓገዝዎም። እቶም ደቂ ምርኮ ኸኣ ከምኡ ገብሩ። እዝራ እቲ ኻህንን እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ድማ ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ኵላቶም በብስሞም ፈለይዎም። ብዓስረይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነዚ ነገር እዚ ኽምርምሩ ኾፍ በሉ። ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድማ ነቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ኹሎም ሰባት መርሚሮም ወድኡ። ካብ ደቂ ኻህናት ከአ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ተረኸቡ፡ ካብ ደቂ እያሱ ወዲ ዮጻድቅን ኣሕዋቱን ድማ፡ ማዓሰያን ኤሊዔዘርን ያሪብን ገዳልያን፡ ንሳቶም ኪሰዱ ኣእዳዎም ሀቡ። በደልቲ ኾይኖም ከአ፡ ንበደሎም ካብ መጓሰ ድዑል ሰውኡ። ካብ ደቂ ኢመር ድማ፡ ሓናኒን ዝባድያን። ካብ ደቂ ሓሪም ከአ፡ ማዓስያን ኤልያን ሸማዕያን የሒኤልን ዑዚያን። ካብ ደቂ ጳሽሑርውን፡ ኤል-ዮዔናይ፡ ማዕሰያ፡ እስማዔል፡ ንታንኤል፡ ዮዛባድን ኤልዓሳን። ካብ ሌዋውያን ድማ፡ ዮዛባድን ሺምዓን ቄላያን፡ ንሱ ቅሊጣ እተባህለ፡ ጴታሕያ፡ ይሁዳ፡ ኤልዔዘር ከአ። ካብ ዘመርቲ ድማ፡ ኤልያሺብ። ካብ ኣጋፈርቲውን፡ ሻሎምን ጠለምን ኡሪን። ካብ እስራኤል ከአ ካብ ደቂ ፋርዖሽ፡ ራምያን ዩዝያን ማልክያን ሚያሚን ኤልዓዛርን ማልክያን በናያን። ካብ ደቂ ዔላም ድማ፡ ማታንያን ዘካርያን የሒኤልን ዓቢዲን ይሬሞትን ኤልያን። ካብ ደቂ ዛቱውን፡ ኤልዮዔናይ፡ ኤልያሺብ፡ ማታንያን ይሬሞትን ዛባድን ዓዚዛን። ካብ ደቂ ቤባይ ከአ፡ ይሆሓናን ሓናንያን ዘበይን ዓትላይን። ካብ ደቂ ባኒ ድማ፡ መሹላም ማሉክ፡ ዓዳያ፡ ያሹብ፡ ሸኣልን ይራሞትን። ካብ ደቂ ጳሓት-ሞኣብ ከአ፡ ዓድና፡ ክላል በናያ ማዓሰያ፡ ማታንያ ብጻልኤል፡ ቢኑኢን ምናሴን። ካብ ደቂ ሓሪም ድማ፡ ኤልዔዘር ዮሺያ፡ ማልኪያ፡ ሸማዕያ፡ ሽምዖን፡ ቢንያሚን፡ ማሉክ ሽማርያ። ካብ ደቂ ሑሹም መትናይ፡ ማታት፡ ዛባድ ኤልፈለጥ፡ ይሬማይ ምናሴ፡ ሺምዒ። ካብ ደቂ ባኒ፡ ማዓዳይ፡ ዓምራም፡ ኡኤል ከአ፡ በናይ፡ ቤድያ፡ ክሉሂ፡ ዋንያ፡ መሬሞት፡ ኤልያሺብ፡ ማታንያ፡ ማትናይ፡ የዓሳው ድማ፡ ባኒን ቢኑኢን ሺምዓን፡ ሸለምያን ናታንን ዓዳያን፡ ማክናድባይ ሸሻይ፡ ሻራይ፡ ዓዛርኤል ሸለምያን ሽማርያን። ሻሎም፡ ኣምርያ፡ ዮሴፍ። ካብ ደቂ ኔቦ፡ ይዒኤል፡ ማቲትያ፡ ዛባድ፡ ዘቢና፡ ያዳይ፡ ዮኤልንን በናያን። እዚኣቶም ኲሎም ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ነበሩ፡ ካባታተንውን ዝወለዳ ኣንስቲ ነበራ።
Translation | Contextእዚ ነገር እዚ ምስ ተወድኤ ድማ፡ እቶም ሓላቑ ናባይ ቀሪቦም ከምዚ በሉ፡ ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንሲ ኻብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈልዩን፡ ኤረ ኸምቲ ናይ ከነኣናውያን፡ ናይ ሔታውያን፡ ናይ ፈረዛውያን፡ ናይ ይቡሳውያን፡ ናይ ዓሞናውያን፡ ናይ ሞኣባውያን፡ ናይ ግብጻውያን፡ ናይ ኣሞራውያን ጽያፍ ይገብሩ ኣለው። እዚ ኸኣ ንኣታቶምን ንደቆምን ካብ ኣዋልዶም ስለ ዝወሰዱ፡ ነቲ ቅዱስ ዘርኢ ምስ ኣህዛብ እዘን ሀገራት እዚኤን ስለ ዝጸንበሩ እዩ። ነዚ ዓመጻ እዚ ዝጀመረውን ኢድ እቶም ሓላቑን መኳንንትን እዩ። ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ ድማ፡ ክዳነይን ባርኖሰይን ቀደድኩ፡ ጸጉሪ ርእሰይን ጭሕመይን ከአ ነጼኹ፡ ሐዚነ ድማ ኮፍ በልኩ። ሽዑ እቶም ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ዚፈርሁ ዅላቶም ብዛዕባ ዓመጻ እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ናባይ ተአከቡ። ኣነ ኸኣ ክሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ ብልዒ ሐዚነ ኾፍ በልኩ። ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ከአ ምስ ቅዱድ ክዳነይ ባርኖሰይን ካብ ሐዘነየይ ተንሳእኩ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኩ። በልኩ ድማ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ በደልና ኽሳዕ ልዕሊ ርእስና በዚሑ ዓመጻና ኸኣ ክሳዕ ሰማይ ዐብዩ እዩ እሞ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ገጸይ ናባኻ ኸየልዕልሲ የሕፍረንን የፍርሃንን። ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዓብዩ ዓመጻ አሎና። ብዛዕባ በደልና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፡ ሎሚ ኸም ዝዀነ፡ ንሴፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገጽን ክንከውን ኣብ ኢድ ነገስታት ሃገራት ተወሀብና። ሕጂ ድማ ገለ ተረፍ ኪሐድገልና ኣብታ ቅድስቲ ቦታኡ ሸኻል ክሀበናን ኣምላኽና ኣዒንትና ኼብርሃልናን፡ ኣብ ባርነትና ድማ ገለ ቕሩብ ትንፋስ ኪህበና፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸም ቅጽበት ዓይኒ ምሕረት ኮነልና። ንሕና ባሮት ክነስናስ፡ ቤት ኣምላኽና ኽነቕውም ነቲ ዑናኡ ኸኣ ክንሕድስ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብ ዮርሳሌምን ድማ ሓጹር ምእንቲ ኺወሀበና፡ ንሳቶም ትንፋስ ኪህቡናስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ምሕረት መለሰልና እምበር፡ ኣምላኽና ኣብ ባርነትና ኣይሓደገናን። ዎ ኣምላኽና፡ እታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ ምድሪ፡ ንሳ ጽያፍ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለዉ ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትጸንዑን፡ ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፡ ደቅኹም ከአ ንዘለኣለም ኪወርስዋብሲ ሕጂ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ። ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ደሓኖምን ኣይትድለዩ፡ ኢልካ ብባሮትካ ነብያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፡ ሕጂኸ ድሕሪ እዚ እንታይ ክንብል ኢና፡ እቲ ብድሕሪ ብሰሪ ኽፉእ ግብርናን ብሰሪ እቲ ዓብዩ ዓመጽናን ዝረኸበና ዅሉ ነገር፡ ንስኻ ድማ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ከም በደልና ኻብ ዘይቀዘፍካና፡ ከምዚ ዝበለ ተረፍ ከአ ዝሀብካናስ፡ መሊስናዶ ትእዛዛትካ ኣፍሪስና ምስ እዞም ጽያፍ ዚገብሩ ኣህዛብ ክንዋሰብ ኢና፧ ዚተርፍን ዚመልቑን ዜልቦ ኽሳዕ እንውዳእዶ እዩ ቑጥዓኻ ኣብ ልዕሌና ኣይምነደደን፧ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፡ ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፡ ዘምለጥና ተረፍ ኢና እሞ እኔና፡ ኣብ ቅድሜኻ ምስ ዐመጽና፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብል የልቦን።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ።
Translation | Contextኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን። ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም።
Translation | Contextኣቦኡን ኣዲኡን ድማ፡ ኬድካ ኻብቶም ዘይግዙራት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ እተምጽእሲ፡ ኣብ ኣዋልድ ኣሕዋትካ ወይ ኣብ ብዘሎ ህዝበይዶ ሰበይቲ የልቦን፧ በልዎ። ሲምሶን ነቦኡ፡ ብሂገያ እየ እሞ፡ ንእኣ ደኣ ኣምጽኣለይ፡ በሎ።
Translation | Context