Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ።
Translation | Contextእቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።
Translation | Contextንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።
Translation | Contextብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ።
Translation | Contextመዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።
Translation | Contextኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ።
Translation | Contextነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።
Translation | Contextእምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።
Translation | Contextእቶም ዝአመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን። ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ። ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።
Translation | Contextብኸምኡ እተረኽበ ገንዘብ እናጐደለ ይኸይድ፡ ብኢድ ዚእከብ ግና እናበዝሔ ይኸይድ።
Translation | Contextንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።
Translation | Contextእቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።
Translation | Contextሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
Translation | Contextደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።
Translation | Contextእምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧
Translation | Contextጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፣ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ከይብል፡ ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ፡ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ፡ ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ፡ ከንቱነትን ሓሶትን ኣርሕቐለይ።
Translation | Contextእንሆ፡ ንሰብሲ እዚ ግዲኡ እዩ እሞ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ቝጽሪ መዓልትታት ህይወቱ ኺበልዕን ኪሰትን፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዘበለ ጻዕሪ ጽቡቕ ኪርእን እዩ፡ እዚ ኸኣ ሰናይን ጽቡቕን ኰይኑ ርኤኽዎ። ኣምላኽ ነቲ ሃብትን ጥሪትን ዝሀቦ ሰብ ካብኡ ኺበልዕን ግዲኡ ኺወስድን ብጻዕሩ ኺሕጎስን እንተ ኣሰልጠኖ፡ ኣምላኽ ናይ ልቡ ሓጐስ ስለ ዝሀቦ፡ ነተን መዓልትታት ህይወቱ ኣዝዩ ኣይኪዝክረንን እዩ እሞ፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ፡ ሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ።
Translation | Context