Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ከም ወርሒ ንዘለአለም ይቐውም፣ ኣብ ደበና ዘሎ ምስክር ከኣ እሙን እዩ።
Translation | Contextንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣
Translation | Contextጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኲሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፡ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፡ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ።
Translation | Contextኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት፣ ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን፣ ከርኢ እየ። እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት፣ ጸሓይ ኣብ ጸልማት፣ ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ።
Translation | Contextነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርኤኹ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ጸሓይ ከም ወጮ ጸለመት፡ ወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነት።
Translation | Contextሽዑ በታ እግዚኣብሄር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሀበላ መዓልቲ፡ እያሱ ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ በለ፡ ኣቲ ጸሓይ፡ ኣብ ጊብዖን ደው ኢልኪ ጽንሒ፡ ኣቲ ወርሒውን፡ ኣብ ለሰ ኣያሎን።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥን፡ ከዋኽብቲውን ገበረ።
Translation | Contextዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት።
Translation | Contextሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ እታ ምቕማጥካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትስኣን ኢኻ።
Translation | Contextንኣምላኽ፣ ነቲ ሓይልና፣ እልል በሉሉ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ እልል በሉ። መዝሙር አልዕሉ፣ ከበሮን ጥዑም በገና ምስ መሰንቆን ኣቓንዩ። እዚ ናይ እስራኤል ሕጊ፣ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ስርዓት እዩ እሞ፣ ብሰርቂ ወርሒ፣ ብምልኣት ወርሒ፣ ብመዓልቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ። ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጽእ ከሎ፣ ኣብ ዮሴፍ ምስክር ገይሩ አቘሞ። ዘይፈልጦ ቛንቋ እሰምዕ አሎኹ፣ ንመንኵቡ ኻብ ሰኽሚ ኣርሐቕክዎ፣ ኣእዳዉ ኻብ መጾሪ ኣቕሓ ተናገፋ። ብጸበባ አእዌኻ፣ ኣነውን ኣናገፍኩኻ፣ ኣብ ነጕዲ ተሰዊረ መለስኩልካ፣ ኣብ ማይ መሪባ ተዐዘብኩኻ። ዎ ህዝበይ፣ ክምስክረልካስ ስማዕ፣ ዎ እስራኤል፣ ኣየ እንተ ትሰምዓኒ። ካልእ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣይኹን፣ ንኻልእ ኣምላኽውን ኣይትስገድ። ኣነ እግዚኣብሄር፣ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኻ ኣምላኽ እየ፣ አፍካ ሃህ አብል፣ ኣነውን ክመልኦ እየ። ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፣ እስራኤል ድማ እሺ ኣይበለንን። ብምኽሪ ርእሶም ኪመላለሱስ፣ ኣብ ጽንዓት ልቦም ሐደግክዎም። አየ፣ ህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒ፣ እስራኤልሲ ብመገደይ እንተ ዚኸይድ። ንጸላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፣ ኢደይውን ናብ ተጻረርቶም ምመለስኩ። ንእግዚኣብሄር ጸላእቱ ምተገዝእዎ ነይሮም፣ ዘመኖም ከኣ ንዘለአለም ምዀነ። ስብሒ ስርናይ መብላዕኩኻ፣ ካብ ከውሕስ መዓር መጽገብኩኻ ነይረ።
Translation | Contextድሕርዚ ድማ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ሰርቂ ወርሕን ናይ ኲሊ ቅዱስ በዓላት እግዝኣብሄርን ነቲ ናይ ኲሎም ናይ ፍቓድ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ዚስውእዎን ኣዕረጉ።
Translation | Contextኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት፣ ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን፣ ከርኢ እየ።
Translation | Contextእዚ ናይ እስራኤል ሕጊ፣ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ስርዓት እዩ እሞ፣ ብሰርቂ ወርሒ፣ ብምልኣት ወርሒ፣ ብመዓልቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ።
Translation | Contextሽዑ እቲ ህዝቢ ንጻላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ጸሓይ ቈመት፡ ወርሒውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ያሻርዶኸ ተጽሒፉ ኣይኰነን፧ እታ ጸሓይ ኣብ ማእከል ሰማይ ኣስታት ምሉእ መዓልቲ ቘመት፡ ንምዕራብ ከኣ ኣይቀልጠፈትን።
Translation | Contextካልእ ሕልሚ ድማ ሐለመ፡ ነሕዋቱ ኸኣ ነገሮም፡ እንሆ፡ ካልእ ሕልሚ ሐለምኩ፡ እንሆ ድማ፡ ጸሓይን ወርሕን ዓሰርተው ሓደ ከዋኽብትን ሰገዱለይ፡ በለ።
Translation | Context