Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

morning prayer


መዝሙር 90:14 | 11 Helpful votes

ኵለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ፣ ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና

Translation | Context
መዝሙር 5:3 | 11 Helpful votes

እግዚኣብሄርኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣ ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ ኤማዕዱ አሎኹ።

Translation | Context
ማርቆስ 1:35 | 8 Helpful votes

ኣንጊሁ ተንሲኡገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ

Translation | Context
መዝሙር 63:1-11 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ አሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ አላ፣ ስጋይማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ። ከምኡውን ስልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፣ ናብ መቕደስካ ኤማዕዱ አሎኹ። ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ፣ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን። ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ። ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ክሓስበካ ከለኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ። ነፍሰይ ኣብ ድሕሬኻ ትጠብቕየማነይቲ ኢድካውን ትድግፈኒ አላ። እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ግና ናብ መዓሙቚ ምድሪ ኺወርዱ እዮም። ንስልጣን ሰይፊ ኺውሀቡግደ ወኻሩ ኪዀኑ እዮም። ንጉስ ግና ብኣምላኽ ኪሕጐስኣፍ ሓሰውቲ ኺዕበስ እዩ እሞ፣ ነፍሲ ወከፍ ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ኺሕበን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 119:105 | 5 Helpful votes

ቃልካ ንእግረይ መብራህቲንመገደይ ብርሃን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 91:5-7 | 3 Helpful votes

ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 19:14 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄርከውሔይን መድሓንየይንቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን።

Translation | Context
መዝሙር 57:8 | 3 Helpful votes

ክብረየንቕሒበገናን መሰንቆን ንቕሑንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ።

Translation | Context
እዮብ 38:12 | 3 Helpful votes

ንወሰናት ምድሪ ኺሕዞ እሞ፡ እቶም ረሲኣን ተደርብዮም ምእንቲ ኺወጹ፡ ካብ እትውለድ ጀሚርካስንንግሆ ኣዚዝካዮ፡ ወይስ ንወጋሕታ ሰፍራኡ ሐቢርካሉዶ ትፈልጥ ኢኻ፧

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:1-31 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረትጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹንበለብርሃን ድማ ዀነኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓንቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹንበለኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነካልአይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብበለከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእበለከምኡ ድማ ዀነ። እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤትኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳልሰይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹንንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን። ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥንከዋኽብቲውን ገበረ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፈልዩኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮምኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነራብዐይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራበለኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉንክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ድማፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓኢሉ ባረኾምምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓምሰይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእበለከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮምኣምላኽ ከኣ ባረኾምኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋንንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡበሎምኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩምንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየእንሆብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳድሰይቲ መዓልቲ

Translation | Context
ምሳሌ 8:17 | 3 Helpful votes

ኣነ ነቶም ዜፍቅሩኒ ኤፍቅሮም፡ እቶም ኣንጊሆም ዚደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒ

Translation | Context
መዝሙር 5:1-12 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄርንቓላተይ ጽን በሎ፣ ንሓሳባተይ ኣስተውዕሎ። ናባኻ እጽሊ አሎኹ እሞ፣ ዎ ንጉሰይን ኣምላኸይንንድምጺ ጥርዓነይ ኣድህበሉ። ዎ እግዚኣብሄርኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣ ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ ኤማዕዱ አሎኹ። ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርንትዕቢተኛታት ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣይቈሙንንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦምሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦምእግዚኣብሄር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም እዩ። ኣነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብምኽንያት ተጻናጸንተይ ብጽድቅኻ ምርሓኒንመገድኻ ኣብ ቅድመይ መድምዳ። ኣብ ኣፎም ቁም ነገር የልቦን እሞ፣ ውሽጦም ጥፍኣትጐረርኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብመልሓሶም የቀባጥሩ። ዎ ኣምላኽ፣ ኰንኖም፣ ኣብ ምኽሮም ይውደቑ። ካባኻ ዐልዮም እዮም እሞ፣ ብብዝሒ ኣበሳኦም ኣባርሮም። ኣባኻ ዚዕቈቡ ዅሎም ግና ይተሐጐሱ፣ ንስኻ አጽሊልካዮም ኢኻ እሞ፣ ንዘለአለም እልል ይብሉ፣ ንስምካ ዜፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ይፈስሁንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ

Translation | Context
መዝሙር 5:7 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ።

Translation | Context
ማርቆስ 12:29 | 2 Helpful votes

የሱስ መለሰእታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፥ እስራኤልስማዕእግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ሉቃስ 1:79 | 2 Helpful votes

ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ኬቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ተቐሚጦም ዘለዉ ኼብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽናብእኡ ኻብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:35 | 2 Helpful votes

ሓቛቝኹም ዕጡቕመባርህትኹም ብሩህ ይኹን።

Translation | Context
መዝሙር 51:1-19 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፣ ከም ሳህልኻ ምሐረኒ፣ ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ። ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ብዘረባኻ ጻድቕብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፣ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ። እንሆ፣ ብአበሳ ተወለድኩእኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ። እንሆ፣ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ፣ ኣብ ሕቡእውን ጥበብ ምሀረኒ። ምእንቲ ኽጸርስ፣ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱሕጸበኒ። እተን ዝቐጥቀጥካየን ኣዕጽምቲ ኺሕጐሳስባህታን ሓጐስን ኣስምዓኒገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ከውሎ፣ ንብዘሎ ኣበሳይውን ደምስሶ። ዎ ኣምላኽጽሩይ ልቢ ፍጠረለይጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒመገድኻ ንመፍረስቲ ኽምህሮም እየ፣ ሓጥኣን ከኣ ናባኻ ኺምለሱ እዮም። ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ምድሓነይ፣ ካብ ዕዳ ደም ኣናግፈኒልሳነይውን ንጽድቅኻ እልል ክትብለሉ እያ። ጐይታየኣፈይ ምስጋናኻ ኺነግርሲከናፍረይ ክፈትመስዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፣ እንተ ዘይኰነስ መቕረብኩልካ ነይረ፣ ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይትብህጎን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ። ንጽዮን ብጸጋኻ ሰናይ ግበረላ፣ መካበብያታት የሩሳሌም ንደቕ። ሽዑ ብመስዋእቲ ጽድቂብዚሐርር መስዋእቲብምሉእ መስዋእቲ ባህ ኪብለካ እዩ፣ ሽዑ ኣብ መሰውኢኻ ኣራሑ ኬቕርቡልካ እዮም።

Translation | Context
ገላትያ 3:13-14 | 2 Helpful votes

ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፥ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና

Translation | Context
መዝሙር 104:30 | 2 Helpful votes

ትንፋስካ ትልእኽይፍጠሩንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ

Translation | Context
ዘሁልቍ 19:1-22 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦምእቲ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጕድለትን ኣበርን ዜብላኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላ ላም ኬምጽኡልካንደቂ እስራኤል ንገሮም። እዚኣ ንኻህን ኣልኣዛር ሀብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳካህን ኣልኣዛር ከኣ ካብቲ ደማ በጻብዑ ይውሰድብሸነኽ ቅድሚት ድንኳን ምርኻብ ካብ ደማ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግነታ ላም ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ የንድዳ፡ ቈርበታን ስጋኣን ደማን ምስናይ ፈርሳ ይንደድእቲ ኻህን ድማ ዕጨይቲ ጽሕድን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ይውሰድናብ ማእከል እቲ ኣርሒ እትነደሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮእቲ ኻህን ከኣ ክዳውንቱ ይሕጸብስጋኡውን ብማይ ይተሐጸብድሕርቲ ናብ ሰፈር ይእቶ። እቲ ኻህን ከኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹንእቲ ዘንደዳ ድማ ክዳውንቱ ብማይ ይሕጸብስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹንነቲ ሓመዅስቲ እታ ኣርሒ ኸኣ ንጹህ ዝዀነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር ድማ ኣብ ጽሩይ ቦታ የንብሮእዚ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ንኣኼባ ደቂ እስራኤል ንዜንጽህ ማይ ኪኸውን ይተሐሎእቲ ሓመዅስቲ እታ ኣርሒ ዝአከበ ሰብ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹንእዚ ንደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ንዝዀነ ዝሞተ ስጋ ሰብ ዝተንከየሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹንንሱ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ይንጻህ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኪነጽህ እዩ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ዘይነጽሄ ግና፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣይነጽህን እዩ። ናይ ዝሞተ ሰብ ምዉት ስጋ ዝተንከየ ዘበለ እሞ ዘይነጽሄንማሕደር እግዚኣብሄር ኣርከሰ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኢል ትመንቈስእቲ ማይ ምንጻህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነጽጎ፡ ርኹስ እዩ፡ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ አሎ። ሰብ ኣብ ሓደ ድንኳን ምስ ዚመውትእቲ ሕጊ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ድንኳን ዝአተወን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ድንኳን ዘሎን ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹንኲሉ ኽፉት፡ ኣብ ልዕሊእ እተኣስረ መኽደን ዜብሉ ኣቕሓ ርኹስ ይኹን። ኣብ መሮር ብሴፍ ንተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ዓጽሚ ሰብ ወይ መቓብር ዝተንከየ ዘበለሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹንነቲ ዝረኸሰ ድማ ካብ ሓመዅስቲ እቲ ዝሐረረ መስዋእቲ ሓጢኣት ይውሰዱኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ህያው ማይ ይኽዐዉሉ። ሓደ ንጹህ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ነፍሳትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓጽሚ ወይ ነቲ እተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝተንከየን ይንጸግ። እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሳብዐይቲ መዓልትን ይንጸገሉኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኬንጽሆ እዩ። ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብምሸት ድማ ኪነጽህ እዩ። ዝረኸሰ ሰብ ግና፡ ዘይነጽሄ ኸኣ፡ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ማእከል እታ ማሕበር ትመንቈስማይ ምንጻህ ስለ ዘይተነጽጎውን፡ ርኹስ እዩ። እዚ ድማ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነሎም። እቲ ማይ ምንጻህ ዝነጸገ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ እቲ ማይ ምንጻህ ዝተንከየ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። እቲ ርኹስ ዝተንከየ ዘበለ ኸኣ ርኹስ እዩ፡ ዝተንከየቶ ነፍሲ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኽስቲ ትኹን።

Translation | Context