Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
እምበኣር ሕጂ ንዓ፡ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ እየ፡ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽእንከ፡ ኣነ መን እየ፧ በሎ። ኣምላኽ ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚኣ ትእምርቲ ትኩንካ፡ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ንኣምላኽ ከተገልግሉ ኢኹም፡ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ እንሆ፡ ናብ ደቂ እስራኤል መጺኤ፡ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም፡ ስሙ መን እዩ እንተ በሉንስ፡ እንታይ ክብሎም እየ፧ በሎ። ኣምላኽ፡ ከኣ ንሙሴ፡ እቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ፡ በሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ አሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒ፡ በሎም። ኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ። ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ተገልጸለይ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ብርግጽ በጺሔኩም፡ እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሩኹም ድማ ርኤኹ። ካብ ጸበባ ግብጺ ናብ ምድሪ ኸነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ፡ ድማ በልኩ። ቃልካ ኸኣ ኪሰምዑ እዮም። ንስኻን ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ንጉስ ግብጺ ኣቲኹም፡ ከምዚ ትብልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ተገልጸልና። ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ፡ በልዎ። ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንጉስ ግብጺ ኽትከዱ ኸም ዘይሐድገኩም እፈልጥ አሎኹ። በቲ ኣብ ማእከላ ዝገብሮ ዅሉ ተኣምራተይ ከኣ ኢደይ ዘርጊሔ ንግብጺ ኽወቕዓ እየ። ድሕሪኡ ድማ ኪሐድገኩም እዩ። ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ሞገስ ክህቦ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ እትኸዱ፡ ጥራይ ኢድኩም ኣይትኸዱን ኢኹም። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኻብ ጐረቤታን፡ ካብታ ኣብ ቤታ እትነብርን ኣቕሓ ብሩርን ኣቕሓ ወርቅን፡ ክዳውንትን ትለምን። ነዚ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ግበርዎ፡ ንግብጻውያን ከኣ ትገፍዎም።
Translation | Contextሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዂሉ ስምዑ።
Translation | Contextሙሴ ድማ፡ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኣፍ ድንኳኑ ኺበኽዩ ሰምዔ። ኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ነደደ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓይኒ ሙሴ ኽፉእ ኰይኑ ተራእየ። ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ ስለምንታይ ንባርያኻ ኽፉእ ገበርካኒ፧ ጾር ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ርእሰይ ዘምበርካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ፧ መጕዚት ንዚጠቡ ሕጻን ከም እትጸውር፡ ክሳዕ ናብታ ነቦታቶም ዝመሐልካሎም ምድሪ ኣብ ሕቚፍኻ ጹሮም፡ እትብለንስ፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣነዶ ጠኒሰዮ፡ ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ፧ እናበኸዩ፡ እንበልዕ ስጋ ሀበና ይብሉኒ አለዉ። ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ዝህቦ ስጋኸ፡ ካበይ ክረኽቦ እየ፧ እምብዛ ኸቢዱኒ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣነ በይነይ ክጾሮ ኣይክእልን እየ። ከምዚ ትገብረኒ ኻብ ኰንካ፡ ነቲ መከራይ ከይርኢ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ብሓደ ኣፊቱ ቕተለኒ።
Translation | Contextሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሐብእዎ፡ ኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁን። ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል፡ ብእምነት ኣበየ እሞ፡ ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ፡ ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ። ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄ፡ ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ። እቲ በዅሪ ዜጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦም፡ ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ።
Translation | Contextሙሴ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፤ ጐይታይ፡ ከመይ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፋእካሉ ስለምንታይከ ነዚ ለኣኽካኒ፧ ድማ በለ።
Translation | Contextሙሴ ምስ ዓበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል፡ ብእምነት ኣበየ እሞ፡ ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ፡ ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ።
Translation | Contextግናኸ ንዓብይን ንንእሽቶን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደው ኢለ እናመስከርኩ ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት ተቐቢለ አሎኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ማለት፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዚጸግብ፡ ከም በዂሪ ትንሳኤ ምዉታትውን ንህዝብን ነህዛብን ብርሃን ከም ዘበስር፡ ኢለ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረብኩን።
Translation | Contextድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠ። ክዳኑ ድማ በርሄ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኼጻዕዱ ዘይኽእል፡ ኣዝዩ ጻዕደወ። ኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩ። ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ መሊሱ፡ መምህር፡ ኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደ ኸኣ ንኤልያስ፡ በሎ። ሰምቢዶም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዚብሎ ኣይፈልጦን ነበረ። ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። ብኡብኡ ግልጽ ግልጽ ኢሎም እንተ ጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ፡ ምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ በተን መዓልትታት እቲኤን ሙሴ ምስ ዐበየ፡ ናብ እሕዋቱ ወጺኡ፡ ነቲ ብርቱዕ ጻዕሮም ረአየ። ግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ንእብራዊ ሰብኣይ፡ ካብቶም ኣሕዋቱ፡ ኪወቕዖ ረአየ። ናብዝን ናብትን ግልጽ ግልጽ ኢሉ፡ ሰብ ከም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐቲሉ፡ ኣብ ሑጻ ሐብኦ። በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ወጸ፡ እንሆ፡ ክልተ እብራውያን ሰብኡት ኪበኣሱ ረአየ። ነቲ ዝዐመጸ፡ ከመይ ንብጻይካ እትወቕዖ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ሸመካ፧ ንስኻ ነቲ ግብጻዊ ኸም ዝቐተልካዮ ኽትቀትለኒዶ ትደሊ አሎኻ፧ በለ። ሽዑ ሙሴ ፈርሄ፡ እዚ ነገርዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ፡ ድማ በለ። ፈርኦን ከኣ እዚ ነገርዚ ሰሚዑ ንሙሴ ኪቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ተቐመጠ፡ ኣብ ጥቓ ዔላ ኸኣ ኮፍ በለ። ካህን ሚድያን ድማ ሾብዓተ ኣዋልድ ነበራኦ። ንሳተን መጺኤን ነባጊዕ ኣቦኤን ኬስትያ፡ ማይ ቀዲሔን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ። ጓሶት ድማ መጺኦም ሰጐጕወን፡ ሙሴ ግና ተንሲኡ ረድኤን፡ ኣባጊዔን ድማ ኣስተየ። ናብ ኣቦኤን ራጉኤል ምስ መጻ ኸኣ፡ ንሱ፤ ሎሚ ኸመይ ኢልክን ቀልጢፍክን መጺእክን፧ በለን። ንሳተን ድማ፡ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣድሐነና፡ ማይ ቀዲሑ ኸኣ ነባጊዕና ኣስተየልና፡ በላኦ። ነዋልዱ ድማ፡ ኣበይ ደኣ አሎ፧ ስለምንታይከ ነቲ ሰብቲ ሐደግኽንኦ፧ እንጌራ ኺበልዕ ጸውዓኦ፡ በለን። ሙሴ ድማ ምስቲ ሰብኣይ ኪነብር ፈተወ። ንሱ ኸኣ ጺጶራ ጓሉ ንሙሴ ሀቦ። ወዲ ድማ ወለደት እሞ፡ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ፡ ኢሉ ስሙ ጌርሾም ኣውጽኣሉ።
Translation | Contextደጊም ምሕባኡ ምስ ሰኣነት፡ ሳጹን ሻምብቆ ወሲዳ ብቕጥራንን ብዝፍትን ለቕለቐቶ፡ ነቲ ቘልዓ ናብኡ ኣእትያ ድማ፡ ኣብ ገምገም ርባ፡ ኣብ ሰልሰላ ኣንበረቶ።
Translation | Contextካብታ ናብ ፈርኦን ከይደ ብስምካ እተዛረብኩላ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፍኣሉ ንህዝብኻ ድማ ከቶ ኣየድሐንካዮን፡ ከኣ በለ።
Translation | Contextሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንእያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባን ደው ኣበሎ።
Translation | Contextሙሴ ድማ ኲሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፡ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዔ።
Translation | Contextሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዚዛረብ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረበ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰፈር ተመልሰ። እቲ ጐበዝ ግልያኡ፡ እያሱ ወዲ ነዌ ግና ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።
Translation | Context