Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

mothers day


መዝሙር 139:13-16 | 11 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒመስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻንኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ

Translation | Context
ምሳሌ 31:10-31 | 9 Helpful votes

ደገኛ ሰበይትስ መን ይረክባዋጋኣ ኻብ ብኩር ዕንቍ ኣዝዮ ይከብር። ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን። ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮንጸጕርን ልሕጺ እንታጢዕን ትደሊተሐጕሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ። ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ። ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦምነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን። ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክልሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ። ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ዝዀነ ትርኢመብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። ኣእዳዋ መፍተል የልዕላኣጻብዓውን ቍኒን ይሕዛንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎምንጹጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም። ኵሎም ስድራኣ ሰብ ደርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብወርጪ ኣይትፈርህን። ንርእሳ ምንጻፋት ትገብርክዳውንታውን በፍታን ጁዅን እዩ። ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ። ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥመቐነት ነጋዳይ ትህቦሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆኣፋ ብጥበብ ትኸፍትትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ። ንብረት ቤታ ትሕሉእንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕንደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ። ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንኣዳ

Translation | Context
ምሳሌ 31:25-31 | 8 Helpful votes

ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆኣፋ ብጥበብ ትኸፍትትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ። ንብረት ቤታ ትሕሉእንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕንደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ። ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንኣዳ

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1-4 | 7 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎምኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብርጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም

Translation | Context
መዝሙር 127:3 | 7 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 66:13 | 6 Helpful votes

ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኽትጸናንዑ ኢኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 31:26 | 5 Helpful votes

ኣፋ ብጥበብ ትኸፍትትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 5 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:12 | 4 Helpful votes

ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር

Translation | Context
ያእቆብ 1:17 | 4 Helpful votes

ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ

Translation | Context
3ይ ዮሃንስ 1:4 | 4 Helpful votes

ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:4-7 | 4 Helpful votes

ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:13 | 4 Helpful votes

ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 1:8 | 3 Helpful votes

ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16-17 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራኣምላኽ ንወዱዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን

Translation | Context
ምሳሌ 1:1-33 | 2 Helpful votes

ምስላታት ሰሎሞንወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤልጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥቃላት ፍልጠት ንምስትውዓልዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል፡ ነቶም ገርህታትሲ ጥበብንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ንምሃብ እዩ። እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎወደየሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻሕራይ ኣይትበሎም። ንሳቶም እንተ በሉ፡ ምሳና ንዓደም ከነፍስስሲ ነድቢነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ፡ ጠሪሶም ናብ ጕድጓድ ከም ዚወርዱብህይወውቶም ከለዉ ኸም ሲኦል ኴንና ንውሐጦምክቡር ገንዘብ ዘበለ ኽንረክብነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና። ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኵልና ማሕፉዳ ብሓደ ይኹን፡ እንተ በሉ፡ ወደየኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጐያንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደኣ ኸልክልመፈንጠራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅለን እንተ ኣኽናፍ ዘለወን ብኸንቱ ይጻወድ። ንሳቶም ግና ንብገዛእ ደሞም የድብዩሉ፡ ንብገዛእ ነፍሶም ከኣ ውዲት ይገብሩሉመገዲ ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ እተዋህበ ኸምዚ እዩ፡ ንሳ ንነፍሲ ዋናኣ ተጥፍኣጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባያት ድምጻ ተስምዕጫውጫው ኣብ ዘለዎ ጐደና ትጽውዕ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት፡ ኣብ ከተማቃላት ትዛረብኣቱም ዓያሱ፡ ክሳዕ መኣዝከ ዕሽነት ክትፈትዉ ኢኹም፡ መላገጽቲ ኸኣ ክሳዕ መኣዝ ላግጺ ባህ ኪብሎም፡ ደናቝርቲውን ፍልጠት ኪጸልኡ እዮም። ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰይ ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩምኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡ ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደኣ ኣቤኹምተግሳጸይ ከኣ ኣይተቐበልኩምን ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኸምጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእመከራ ኸም ሾምቦባ ዀይኑ ኺበጽሃኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ። ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክመልሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም። ፍልጠት ስለ ዝጸልኡፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹምኽረይ ስለ ዘይፈተዉ፡ ንዅሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዐቕዎፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከኣ ኪጸግቡ እዮም። እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቐትሎም፡ ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ። እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብርንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ

Translation | Context
ማቴዎስ 15:4-6 | 2 Helpful votes

ኣምላኽኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ድማ፡ ነቦኡ ኰነ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ ሞት ይሙትበለ። ንስኻትኩም ግና፡ ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ መባእ ጌርዮ እየ፡ ዚብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡ ትብሉ። ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ

Translation | Context
መዝሙር 51:5 | 2 Helpful votes

እንሆ፣ ብአበሳ ተወለድኩእኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ

Translation | Context
ምሳሌ 3:3-4 | 2 Helpful votes

ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።

Translation | Context
ሉቃስ 2:33-35 | 2 Helpful votes

ዮሴፍን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙስምኦን ከኣ ባረኾምነዲኡ ማርያም ድማ፥ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ። ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኺገሃድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ።

Translation | Context
ሉቃስ 2:51 | 2 Helpful votes

ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:15 | 2 Helpful votes

ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ።

Translation | Context