Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

motives


ምሳሌ 21:2 | 11 Helpful votes

ሰብሲ ዅሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር እዩ ልቢ ዚመዝን።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:1-18 | 11 Helpful votes

ጽድቅኹምኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩከይትገብሩ ተጠንቀቑእንተ ዘይኰነስኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምንእምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻከምቲ እቶም ግቡዛትብሰብ ምእንቲ ኺንአዱኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ። ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻናብ ቤትካ እቶማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦናስማካ ይቀደስመንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበናንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎምበደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜንንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ። ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛትጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤርእስኻ ተለኸገጽካ ውን ተሐጸብእቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 1:10 | 9 Helpful votes

ሕጂኸ ንስብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 2:4 | 7 Helpful votes

እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዚምርምር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እነብል ኣይኰንናን፡ ከምቲ ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና፡ ከምኡ ንዛረብ አሎና እምበር፡ ካብ ስሕተት፡ ወይስ ካብ ርኽሰት፡ ወይስ ብተንኰል ኣይኰንናን እሞ፡

Translation | Context
ፊልጲ 2:3 | 6 Helpful votes

ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:1 | 5 Helpful votes

ጽድቅኹምኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩከይትገብሩ ተጠንቀቑእንተ ዘይኰነስኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 1:5 | 4 Helpful votes

እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 16:7 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 4:5 | 3 Helpful votes

ስለዚ እቲ ኣብ ጸልማት እተሐብኤ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእቅድሚ ጊዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:12 | 3 Helpful votes

ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹንስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎግብሩ እኩይ፡ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ።

Translation | Context
መክብብ 12:13-14 | 3 Helpful votes

መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮንትእዛዛቱውን ሐልዎኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:1-17 | 2 Helpful votes

እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧ ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምንትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎብኽፉእ ስለ ዝለመንኩምኣይትቕበሉን ኢኹም። ኣትን ዘመውቲፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን። ወይስ እቲ ጽሑፍዶ ብኸንቱ ዚብል ዘሎ ይመስለኩም፧ እቲ ኣባና ዘሕደሮ መንፈስከ ኽሳዕ ቅንኢዶ ሃረር ይብል እዩ፧ ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል። እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣንኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውንልብኹም ኣንጽሁተሽገሩን ጕሀዩን ብኽዩንሰሓቕኩም ናብ ብኽያትሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ። ኣቱም ኣሕዋተየንሓድሕድኩም ኣይተተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። እቲ ኼድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻእስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበርክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም። ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ አሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ክንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ አሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ። እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ

Translation | Context
ምሳሌ 16:2 | 2 Helpful votes

ሰብሲ ኵሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ እዩ፡ መናፍስቲ ዚመዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
ዘፍጥረት 4:7 | 2 Helpful votes

ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ አላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ፡ በሎ።

Translation | Context