Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

mount zion


ኤርምያስ 3:14 | 10 Helpful votes

ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ኣነ ጐይታኹም እየ፡ ከካብ ከተማ ሓደ፡ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ ኣምጺኤ ናብ ጽዮን ከእትወኩም እየ፡ በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ እሞ፡ ተመለሱይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
እብራውያን 12:22 | 9 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌም ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡

Translation | Context
መዝሙር 125:1 | 8 Helpful votes

እቶም ብእግዚኣብሄር ዚውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽንዘለአለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም።

Translation | Context
ራእይ 14:1 | 8 Helpful votes

እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርኤኹ

Translation | Context
መዝሙር 137:1 | 6 Helpful votes

ኣብ ጥቓ ርባታት ባቢሎን ተቐመጥናንጽዮን ምስ ዘከርና በኼና

Translation | Context
መዝሙር 48:1-2 | 6 Helpful votes

ኣብ ከተማ ኣምላኽና፣ ኣብታ ቕድስቲ ኸረኑእግዚኣብሄር ዓብይን ኣዝዩ ምስጉንን እዩ። ከረን ጽዮን ኣብ ወገን ሰሜን፣ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስሓጐስ ኵላ ምድሪብውበታ ልዕል ትብል።

Translation | Context
ኦብድያ 1:17 | 4 Helpful votes

ኣብ ከረን ጽዮን ዘምለጡ ኺህልዉ እዮም፣ ንሱውን ቅዱስ ኪኸውን እዩ፣ ቤት ያእቆብ ከኣ ርስቶም ኪርስተዩ እዮም።

Translation | Context
ዮኤል 2:32 | 4 Helpful votes

ኪኸውን ከኣ እዩ፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፣ ኣብ ከርን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኣብቶም እግዚኣብሄር ዚጽውዖም ተረፍን ምድሓን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 9:1-11 | 4 Helpful votes

ኣብ ኣእዛነይ ከኣ፤ እቶም ነታ ኸተማ ዚቕጽዑስነፍሲ ወከፎም እቲ ዜጥፍኣሉ ኣጽዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ ይቕረብእናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። እንሆ ድማ፣ ሹድሽተ ሰብኣይነፍሲ ወከፎም እቲ ዚቐትለሉ ኣጽዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ፣ ካብቲ መገዲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዜርኢ ላዕላይ ደገ መጹሓደ ሰብኣይ፣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፣ ናብ ጸሓፊ ቐርኒቐለምውን ኣብ ሕቝኡ ዘለዎ፣ ኣብ ማእከሎም ነበረ። ኣትዮም ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሓሲ ቘሙክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብቲ ዝነበሮ፣ ካብ ልዕሊ ኩሩቤል ተላዕለ፣ ናብቲ ልዳት እታ ቤት ከኣ ኸደ። ነቲ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፣ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቝኡ ዝነበሮ ሰብኣይ ጸውዖእግዚኣብሄር ከኣ፣ ብማእኪል ክብ ማእከል የሩሳሌም ሕለፍ እሞ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላ ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዪን ዚትክዙንሲ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎምበሎ። ኣነ እናሰማዕኩ ኸኣ ነቶም ካልኦት በሎደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሐሊፍኩም ውቕዑዓይንኹም ንሓደ እኳ ኣይትንሐፍ ኣይትራሕርሑውን። ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረገውትን ነጕረዙን ንቐለውዕን ንኣንስትን ቅተሉኣጽንቱ። ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም። ንሳቶም ከኣ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረገውቲ ጀመሩ። ንሱ ድማ፣ ናታ ቤት ኣርክስዋ፣ ነቲ ኣጻዳት ከኣ ብምዉታት ምልእዎውጹበሎም። ንሳቶም ወጹ ኣብታ ኸተማውን ይወቕዑ ነበሩ። ኰነ ድማ፣ ኪወቕዑ ኸለዉ፣ ኣነ ተረፍኩብገጸይ ወደቕኩ እሞ፣ ኣየ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽነድርኻ ኣብ የሩሳሌም ኵዒኻዶ፣ ንዅሎም ትርፎፍያ እስራኤል ከተጥፍኦም ኢኻ፡ ኢለ ጨራሕኩ። ንሱ ድማ በለኒኣበሳ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ኣዝዩ ዓብዪ እዩ። እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሐዲግዋእግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርእን እዩ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ እታ ሃገር ብደም፣ እታ ኸተማውን ብዓመጽ መሊኤን ኣለዋ። ስለዚ ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ፣ ኣነ ኣይክርሕርሕንመገዶምውን ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ። እንሆ ኸኣ፣ እቲ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እኸድነ፣ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቀለምውን ናብ ሕቑኡ ዝነበሮ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገበርኩኢሉ ጸብጻብ ሀበ።

Translation | Context
ራእይ 14:1-3 | 4 Helpful votes

እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርኤኹከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ኻብ ሰማይ ደሃይ ሰማዕኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ ከም ደሃይ ሰብ መሰንቆመሰንቆታቶም ኪድርድሩ ኸለዉ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ቅድሚ እቶም ሽማግሌታትን ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዚ መዝሙር እዚውን፡ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ እተዐደጉ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕንሓደ እኳ ኺመሀሮ ኣይኰነሉን

Translation | Context
ራእይ 7:1-8 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርኤኹማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘልዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪወጽእ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ፡ ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሐትሞምሲምድሪ፡ ወይስ ባሕሪ፡ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡበለቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፡ ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት። ካብ ነገድ ይሁዳ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ጋድ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ኣሴር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ንፍታሌም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ምናሴ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ስምኦን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ሌዊ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ይሳኮር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዮሴፍ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ብንያም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ

Translation | Context
ይሁዳ 1:6 | 2 Helpful votes

ነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበርመዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዐቝርዎም አሎ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 2:3-7 | 2 Helpful votes

እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዚምርምር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እነብል ኣይኰንናን፡ ከምቲ ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና፡ ከምኡ ንዛረብ አሎና እምበር፡ ካብ ስሕተት፡ ወይስ ካብ ርኽሰት፡ ወይስ ብተንኰል ኣይኰንናን እሞ፡ ከምቲ እትፈልጥዎብቓል ቅብጥር ወይስ እናማሳመስና ብስስዕቲ ከቶ ኣይመጻእናኩምንኣምላኽ ምስክርና እዩ። ሃዋርያት ክርስቶስ ብምዃንና ኸነኽብድ ዚክኣለና እኳ ኽነሱ፡ ካባኻትኩም ኰነ ወይስ ካብ ካልኦት፡ ካብ ሰብሲ ኽብሪ ኣይደሌናን። ኣብ ማእከልኩምሲከምታ ዉሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ፡ ርሕሩሓት ነበርና

Translation | Context