Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ወይስ ንሓደ ንባባ ዘይፈልጥ፡ እንካ እስከ እዚ ኣንብብ፡ ኢሎም እንተ ሀብዎ፡ ንሱው፡ ንባብ ኣይፈልጥን እየ፡ ኢሉ ይመልስ።
Translation | Contextዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ። ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ።
Translation | Contextየሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።
Translation | Contextኣብ ማእከል ነብዪ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኡ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሀበካ፡ እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከኣ ከምቲ ዝበለካ እንተ ዀነ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዂሉ ልብኹምን ብዂሉ ነፍስኹምን እንተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ።
Translation | Contextከማኻ ዝበለ ነብዪ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፡ ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፡ ንሱ ድማ ዝአዘዝክዎ ዅሉ ኺነግሮም እዩ።
Translation | Contextግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም። ብዙሓት ድማ ብርኽሰቶም ኪስዕብዎም እዮም፡ ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ። ብስስዔ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም፡ መናገዲ ኺገብሩኹም እዮም፡ ፍርዶም ካብ ቀደም ኣይዐርፍን ጥፍኣቶምውን ኣይድቅስን እዩ።
Translation | Contextኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ።
Translation | Contextኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ።
Translation | Contextብፍሪኣም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዂዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።
Translation | Contextኣፉ ኣዝዩ ጥዑም፡ ኲለንትናኡ ፍትዊ እዩ። ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ፍትወይ እዚ እዩ፡ ፈታውየይሲ እዚ እዩ።
Translation | Contextወዱ እስማኤል ድማ ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ነበረ።
Translation | Contextእቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ነቲ ቕቡኡ፡ ንቂሮስ፡ ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝኣሉ፡ ሕቘ ነገስታት ከኣ ክፈትሕ፡ ደጌታት ከይዕጾዎ ድማ፡ መዓጹ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸርሕወሉ ኢለ ብየማነይቲ ኢዱ ዝሐዝክዎ ኸምዚ ይብሎ አሎ፡
Translation | Contextናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን።
Translation | Contextመሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ።
Translation | Context