Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ሃሌሉያ። ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።
Translation | Contextዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።
Translation | Contextኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር።
Translation | Contextእንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር አለዎ፡ ምህሮ አለዎ፡ ራእይ አለዎ፡ ቋንቋ አለዎ፡ ትርጉም አለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበር።
Translation | Contextብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።
Translation | Contextከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበት እትቐንኡ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ። ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ። እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ።
Translation | Contextብምቕዳስ እቲ መካበብያ ዮርሳሌም ድማ፡ ምእንቲ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብጸናጽልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጐስ ኪቕድስዎ፡ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኵሉ ቦታኦም ናብ ዮርሳሌም ኬምጽእዎም ደለይዎም።
Translation | Contextዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዂሉ ዓይነት ቃናታት፡ ካብ ዕጨይቲ እተገብረ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጽላትን ብጸናጽልን ይጻወቱ ነበሩ።
Translation | Contextኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን እዝምር አሎኹ፡ ዚብል፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ።
Translation | Contextማለት፡ እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱን ኵላቶም ካብ ሓደ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ፡ ኢሉ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን እዩ።
Translation | Contextእቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ፡ ኰበሮን ጓይላን ሰምዔ።
Translation | Contextእቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍ፧ እቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሃየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዓል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧
Translation | Contextመንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን።
Translation | Contextንበዓላትኩም ጸላእኩን ነዐቕኩን፣ ንኣኼባ በዓላትኩም ድማ ኣይሸትቶን። መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ብልዕኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፣ ኣይክቕበሎን እየ፣ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብቲኹም መስዋእቲ ምስጋናውን ቍሊሕ ኣይክብሎን እየ። ደሃይ ቅኔታትካ ኻባይ ኣርሕቕ፣ ቃና መሰንቆታትካ ኸኣ ዝይሰምዕን እየ፣
Translation | Context