Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

music in worship


መዝሙር 95:1 | 12 Helpful votes

ንዑንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምርንኸውሒ ምድሓንና እልል ንበለሉ፣

Translation | Context
መዝሙር 150:1-6 | 9 Helpful votes

ሃሌሉያንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖሃሌሉያ

Translation | Context
ቈሎሴ 3:16 | 8 Helpful votes

ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱንብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩምቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም

Translation | Context
ኤፌሶን 5:19 | 6 Helpful votes

ዝርገት አለዎ እሞብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም

Translation | Context
መዝሙር 100:1-2 | 5 Helpful votes

ኵልኺ ምድሪንእግዚኣብሄር እልል በልሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ

Translation | Context
መዝሙር 71:23 | 5 Helpful votes

ከመስግነካ ኸሎኹ፣ ከናፍረይን እታ ዘድሐንካያ ነፍሰይን እልል ኪብላ እየን።

Translation | Context
መዝሙር 33:3 | 4 Helpful votes

ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉብእልልታ ኣጸቢቕኩም ቃንዩሉ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:25 | 4 Helpful votes

ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:13 | 3 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር

Translation | Context
ሮሜ 15:9 | 3 Helpful votes

ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን እዝምር አሎኹ፡ ዚብልንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ።

Translation | Context
እብራውያን 2:12 | 3 Helpful votes

ማለት፡ እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱን ኵላቶም ካብ ሓደ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ፡ ኢሉ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን እዩ

Translation | Context
ኤፌሶን 5:18-20 | 3 Helpful votes

ዝርገት አለዎ እሞብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩምንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ

Translation | Context
መዝሙር 9:2 | 2 Helpful votes

ብኣኻ ኽሕጐስን ክፍሳህን፣ ዎ ልዑልንስምካ ኽዝምር እየ።

Translation | Context
መዝሙር 149:3 | 2 Helpful votes

ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ

Translation | Context
ማቴዎስ 26:30 | 2 Helpful votes

መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 6:5 | 2 Helpful votes

ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዂሉ ዓይነት ቃናታት፡ ካብ ዕጨይቲ እተገብረ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጽላትን ብጸናጽልን ይጻወቱ ነበሩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:15 | 2 Helpful votes

እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ።

Translation | Context
መዝሙር 150:4 | 2 Helpful votes

ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 3:15 | 2 Helpful votes

ሕጂ ኸኣ ሓደ ብዓል በገና ኣምጽኡለይበለ። ኰነ ድማ፡ እቲ ብዓል በገና ምስ ወቕዔኢድ እግዚኣብሄር መጸቶ፡

Translation | Context
ዮሃንስ 4:24 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦምኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ

Translation | Context