Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር አሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ።
Translation | Contextጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ።
Translation | Contextኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰት፡ ንቃየል ከኣ ወለደት፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ፡ ድማ በለት። ደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደት። ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ቃየል ከኣ ዓያዪ ምድሪ ዀነ። ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ። ኣቤል ከኣ ካብ ብዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጽኤ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረአየ። ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረአየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ዀረየ፡ ገጹ ድማ ጸለመ። እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥ ስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ፧ ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ አላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ፡ በሎ። ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል ተዛረቦ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሮር ከለዉ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦ፡ ቀተሎ ድማ። እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥ ኣቤል ሓውካ፡ ኣበይ አሎ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፥ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ድምጺ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ። ሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡ ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን እያ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ኩን፡ በለ። ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፥ በደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዪ እዩ። እንሆ፡ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጐኒ አሎኻ፡ ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዚረኽበኒ ዘበለ ዅሉ ኪቐትለኒ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ፥ እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ ሾብዓተ ካዕበት ሕነ ኺፍደዮ እዩ፡ በሎ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉ። ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ፡ ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠ። ቃየል ከኣ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰት፡ ንሄኖክ ድማ ወለደት። ንሱ ኸኣ ከተማ ሰርሔ፡ ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኣውጽኣላ። ንሄኖክ ከኣ ኢራድ ተወልደሉ። ኢራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደ። ሜሁያኤል ከኣ ንሜቱሳኤል ወለደ። ሜቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ። ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፡ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ። ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳውንቲ ዚነብሩን ማሎም ዚጓስዩን ኰነ። ስም ሓዉ ኸኣ ዮባል እዩ። ንሱ ኸኣ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኰነ። ጺላ ድማ ንቱባል-ቃይን ወለደት። ንሱ ኸኣ ካብ ኣስራዝን ሓጺንን ኵሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ። ሓውቲ ቱባል-ቃይን ድማ ናዕማ እያ። ላሜክ ድማ ነንስቱ በለን፥ ዓዳን ጺላን፡ ቃለይ ስምዓ፡ ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ጽን በላ፡ ስለ ቝስለይ ሰብኣይ፡ ስለ ስምብራተይ ድማ ጐበዝ ቀተልኩ። ንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ እንተ ዝፈድዮስ፡ ንላሜክ ከኣ ሰብዓን ሾብዓተን ካዕበት። ኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደት፡ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ። ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ። ስሙ ኸኣ ሄኖስ ኣውጽኣሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ።
Translation | Contextቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል ተዛረቦ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሮር ከለዉ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦ፡ ቀተሎ ድማ። እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥ ኣቤል ሓውካ፡ ኣበይ አሎ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፥ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ድምጺ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ።
Translation | Contextነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
Translation | Contextእምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።
Translation | Contextብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextኣምላኽ ኣብ ማሕበር ኣማልኽቲ ደው ይብል፣ ኣብ ማእከል ኣማልኽቲ ይፈርድ አሎ። ክሳዕ መአዝ ኢኹም ሓሶት እትፈርዱ፧ ንገጽ ረሲኣንስ እተድልዉ፧ [ሴላ።] ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም። ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፣ ካብ አእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም። ኣይፈልጡን፣ ኣየስተውዕሉን፣ ኣብ ጸልማት ይመላለሱ፣ ብዘሎ መሰረታት ምድሪ ይናወጽ አሎ። ኣነስ፣ ኣማልኽቲ ኢኹም፣ ኵላትኩም ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም፣ ግናኸ ከም ሰብ ክትሞቱ፣ ከም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲውን ክትወድቁ ኢኹም፣ በልኩ። ዎ ኣምላኽ፣ ንዅሎም ኣህዛብ ክትወርስሲ፣ ተንስእ ንምድሪ ፍረዳ።
Translation | Contextብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፡ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ። እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዩ፡ በእጋሮም ከይረግጽዋ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም። ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ። ካባኻትኩም፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧
Translation | Contextእቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።
Translation | Contextፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡ በለ።
Translation | Context