Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

nagging wife


ምሳሌ 21:9 | 16 Helpful votes

ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ

Translation | Context
ምሳሌ 21:19 | 10 Helpful votes

ካብ ምስ ናግራም መሰቀቒትን ሰበይትስ ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሐይሽ

Translation | Context
ምሳሌ 27:15 | 10 Helpful votes

ብመዓልቲ ጥሚቕ ከየቛረጸ ዚነጥብ ቤትን ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም።

Translation | Context
ምሳሌ 25:24 | 8 Helpful votes

ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:1-2 | 6 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩበኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም

Translation | Context
ኤፌሶን 5:21-33 | 6 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦምከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንናክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራእታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ

Translation | Context
ምሳሌ 19:13 | 5 Helpful votes

ዓሻ ውሉድ ነቦኡ መከራ እዩ፡ ቈየቛ ሰበይቲ ኸኣ ከየቋረጸ ዚነጥብ ናሕሲ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 12:4 | 4 Helpful votes

ደጊ ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፡ እታ እተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:15-16 | 3 Helpful votes

ብመዓልቲ ጥሚቕ ከየቛረጸ ዚነጥብ ቤትን ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም። ንእኣ ምዕጋትሲ ንንፋስ ምዕጋትን ብየማነይትኻ ዘይቲ ምዕማዅን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:10-31 | 3 Helpful votes

ደገኛ ሰበይትስ መን ይረክባዋጋኣ ኻብ ብኩር ዕንቍ ኣዝዮ ይከብር። ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን። ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮንጸጕርን ልሕጺ እንታጢዕን ትደሊተሐጕሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ። ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ። ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦምነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን። ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክልሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ። ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ዝዀነ ትርኢመብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። ኣእዳዋ መፍተል የልዕላኣጻብዓውን ቍኒን ይሕዛንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎምንጹጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም። ኵሎም ስድራኣ ሰብ ደርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብወርጪ ኣይትፈርህን። ንርእሳ ምንጻፋት ትገብርክዳውንታውን በፍታን ጁዅን እዩ። ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ። ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥመቐነት ነጋዳይ ትህቦሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆኣፋ ብጥበብ ትኸፍትትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ። ንብረት ቤታ ትሕሉእንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕንደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ። ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንኣዳ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:5-6 | 2 Helpful votes

ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲንሰብኡተን እናተኣዘዛከምዚ እየን እተሰለማከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክንብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲኣዋልዳ ኢኽን።

Translation | Context
ምሳሌ 11:22 | 2 Helpful votes

መልክዔኛ ሰበይቲ ብዘይ ኣእምሮስ፡ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ እተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:3 | 2 Helpful votes

ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:24 | 2 Helpful votes

ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም

Translation | Context
ምሳሌ 18:22 | 2 Helpful votes

እቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:10-11 | 2 Helpful votes

ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።

Translation | Context