Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

24 bible verses about

necromancy


ዘሌዋውያን 19:31 | 7 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-12 | 7 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 6 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 8:19 | 5 Helpful votes

ነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ፧ ኢልኩም ምለሱሎም።

Translation | Context
2ይ ነገስት 21:6 | 4 Helpful votes

ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:6 | 4 Helpful votes

ናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:27 | 3 Helpful votes

ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙትብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 3 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 10:13 | 3 Helpful votes

ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ

Translation | Context
ዘዳግም 18:10 | 3 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 28:7-19 | 3 Helpful votes

ሽዑ ሳኦል ንገላዉኡ፡ ናብኣ ኸይደ ኽጥይቓስመንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ ድለዩለይበሎም። እቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ እንሃ፡ ኣብ ዔን-ዶር አላ፡ በልዎ። ሳኦል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ ኻልእ ክዳን ተኸዲኑ፡ ንሱ ኽልተ ሰባትውን ምስኡ ዀይኖም ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መጹ፡ በጃኺ ብመንፈስ ጥንቈላ ጌርኪ ጠንቍልለይ፡ ነቲ ኣነ ዝብለኪ ኸኣ ኣተንስእለይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ፡ ነቶም መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ካብዛ ሃገር ከም ዘጽነቶም፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ ስለምንታይከ ኸተቕትለኒ ኢልካ መጻወድያ ትገብረለይ፧ በለቶሳኦል ድማ፡ በዚ ነገር እዝስ ገለ ቕጽዓት እኳ ኸም ዘይረኸበኪህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለላ። ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ ንመንከ ኸተንስአልካበለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ንሳሙኤል አተንስእለይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳሙኤል ምስ ረአየቶ፡ እታ ሰበይቲ ንሳኦል፡ ንስኻ ሳኦል ክነስኻ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዝጠበርካኒኢላ ዓው ኢላ ጨደረት። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ እንታይ ግዳ ትርእዪ ኣሎኺ፡ በለ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳኦል፡ ሓደ ኣምላኽ ካብ ምድሪ ኺወጽእ እርኢ አሎኹ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ትርኢቱኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ በላ። ንሳ ድማ፡ ባርኖስ እተኸድነ ኣረጊት ሰብአይ ይወጽእ አሎ፡ በለት። ሽዑ ሳኦል፡ ንሱ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሳሙኤል ድማ ንሳኦል፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸተተንስኣኒ ዘዕገርገርካኒበሎሳኦል ከኣ፡ ኣነ ኣዝዩ ጸቢቡኒ አሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ አለዉ፡ እግዚኣብሄር ድማ ረሐቐኒብነብያት ኰነ፡ ብሕልምታት ኰነ ኣይመልሰለይን፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ኢለ ጸዋዕኩኻ፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ በለእግዚኣብሄር ካብ ረሐቐካ ጸላኢኻውን ካብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒእግዚኣብሄርሲ ከምቲ ብኣይ እተዛረቦ ገበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድካ መንጢሉ ንብጻይካ ንዳዊት ሂብዎ እዩ። ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕካን፡ ከምቲ ንዱድ ኵራኡ ድማ ኣብ ኣማሌቅ ስለ ዘይገበርካንስለዚ እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚአ እዚ ነገር እዚ ገበረካእግዚኣብሄር ንእስራኤል ከኣ ምሳኻ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህበኩም እዩ። ጽባሕ ድማ ንስኻን ደቅኻን ምሳይ ክትኰኑ ኢኹም። ንሰራዊት እስራኤልውን እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:1 | 3 Helpful votes

በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶምንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:11 | 2 Helpful votes

ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:10-12 | 2 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:14 | 2 Helpful votes

ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 19:3 | 2 Helpful votes

መንፈስ ግብጺ ኣብ ውሽጡ ጥራዩ ኪኸውን እዩ፡ ንምኽሩ ድማ ከንቱ ኽገብሮ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንጣኦታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ኪሐቱ እዮም።

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-14 | 2 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን። እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን

Translation | Context
2ይ ዮሃንስ 1:9-11 | 2 Helpful votes

እቲ ጐቦ ዚዘብልብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ። ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 22:15 | 2 Helpful votes

እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:14 | 2 Helpful votes

እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎንብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 2 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ሮሜ 8:6 | 2 Helpful votes

እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:13 | 2 Helpful votes

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግናንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩምናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:11 | 2 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ

Translation | Context