Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextእንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።
Translation | Contextእንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextንስኻትኩም ግና እቲ ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ እሞ፡ ጽንዑ፡ ኣእዳውኩምውን ዘርጋሕጋሕ ኪብላ ኣይትሕደጉ።
Translation | Contextምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።
Translation | Contextየሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ፡ በሎም።
Translation | Contextጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።
Translation | Contextሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም።
Translation | Contextሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።
Translation | Contextምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት። ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዅሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ፡ ነፍስና ነዕቍብ እምበር፡ ብተንኰል ከይተመላለና፡ ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ፡ ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሓዲግና አሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ ኣይንሐለልን ኢና።
Translation | Contextብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።
Translation | Contextንሱ ግና በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፡ ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ።
Translation | Context