Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

new creation


2ይ ቈረንቶስ 5:17 | 22 Helpful votes

ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉእንሆኵሉ ሓድሽ ኰይኑ

Translation | Context
ራእይ 21:1-27 | 4 Helpful votes

እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎምባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌምንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺእንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘንወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆንዅሉ እሕድሶ አሎኹበለእዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍበለኒ። ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋንመጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ። እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ። እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ። ካብቶም በተን ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ዝመልኣ ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጸ እሞ፡ ነታ መርዓትሰበይቲ እቲ ገንሸልክርእየካስ ንዓእናበለ ተዛረበኒብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል። ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ ኸኣ አለዋ፡ ዓሰርተው ክልተ ደገኣብቲ ደጌታትውን ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲስማት ድማ ተጽሒፉ አሎ፡ እዚ ስማት እዚውን ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል እዩ። ብምብራቕ ሰለስተ ደገብሰሜን ሰለስተ ደገብደቡብ ሰለስተ ደገብምዕራብ ሰለስተ ደገ አሎ። ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት አለዎ፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል አሎ። እቲ ዚዛረበኒ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ደጌታታን ቀጽራን ምእንቲ ኺሰፍረሉ፡ መስፈሪ፡ ዘንጊ ወርቂ፡ አለዎ። እታ ኸተማ ኸኣ ኣርባዕተ ዝመኣዝና እያ፡ ምንዋሓውን ክንዲ እቲ ግፍሓ እዩ። በቲ ዘንጊ ድማ ነታ ኸተማ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ እስታድዮስ ሰፈራ። ምንዋሓን ምግፋሓን ምብራኻን ማዕረ ማዕረ እዩ። ነቲ ቐጽራ ኸኣ ብእመት ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ናይ መልኣኽሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን እመት ኣመቶ። እቲ ቐጽራ ድማ ብያስጲስ እተነድቀ እዩ፡ እታ ኸተማውን ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እያ እትመስል። መሰረታት ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ብክቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ እዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፉሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡ እቲ ሓምሳይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሳድሳይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሳብዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሳምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታስዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ እዩ። እቲ ዓሰርተው ክልተ ደገ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ ሉል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ እዩ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እዩ። እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽን እቲ ገንሸልን መቕደስ እዮም እሞመቕደስ ኣብኣ ኣይርኤኹን። እታ ኸተማ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ አሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ። ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱነገስታት ምድሪውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም። ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ደጌታት ብመዓልቲ ከቶ ኣይኪዕጾን እዩ። ነቲ ናይ ህዝብታት ክብረትን ክብርን ከኣ ናብኣ ኼምጽእዎ እዮም። እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:1-21 | 4 Helpful votes

እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና። ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዚ ንደፋነቕ አሎና። ንሕና ኣብዚ ድንኳን እዚ ኸሎናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሐጥ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ እምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈቱከቢዱና ነስቈርቍር አሎና። ግናኸ እቲ ነዚ ዘዳለወናዕርቡን መንፈስ ከኣ ዝሃበናኣምላኽ እዩ። ስለዚ ዅሉ ሳዕ እሙንቶ አላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና። ግናኸ እሙንቶ አላትና፡ ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብርውንባህጊ አሎና። ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገብሮሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበልኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሃድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ አሊና ወይስ ኣብ ወጻኢንእኡ ኸነሐጕሶ ንጽዕት አሎና። እምብኣሲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ፈሊጥናንሰብ ነረድኦም አሎና፡ ንሕና ግና ንኣምላኽ ግሁዳት ኢና፡ ኣብ ሕሊናኹም ከም እተገሃድናውን ተስፋ እገብር አሎኹ። ነቶም ብገጽ እምበር፡ ብልቢ ዘይኰነዚምክሑ ምላሽ እትመልሱሎም ምእንቲ ኪህልወኩም፡ ብኣና ኽትምክሑ ምኽንያት ንህበኩም አሎና እምበር፡ ከም ብሓድሽ ርእስና ኸነማዕቍበኩም ኣይኰንናን። እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞእንተ ተጸለልናንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣካትኩም ኢና። ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም እምንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ። ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉእንሆኵሉ ሓድሽ ኰይኑ። እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀናኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። ማለትኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ አሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም አሎና።

Translation | Context